ምንቅጥቓጥ ምድሪ፡ ዛንታ ናይተን ምስ ሬሳ ኣዲአን ተደብየን ዝነበራ ክልተ ኣሕዋት

“መርቪ፡ ኣይረም፡ መርቪ ኣይረም” ሰራሕተኛ ህይወት ኣድሕን ሙስጣፋ ኦዝቱርክ ብዓውታ ደጋጊሙ ይጽወዕ።

ኩልና ስቕ ክንብል ኢና ተዛዚዝና፡ ስቕ ከኣ ኢልና።

እቶም ጉጅለ ህይወት ኣድሕን ሃለዋት ናይ ክልት ኣሕዋት ብፍርስራስ ዝተጸቐጣ ንምፍላጥ’ዮም ዝጓየዩ ነይሮም፡ ካብ ውሽጢ ድምጺ እንተሰምዑ ድማ’ዩ ሙስጣፋ ደጋጊሙ ዝጽውዕ ነይሩ።

እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ብኤክትሮኒካዊ መሳርሒ ተሓጊዞም፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ፍርስራስ ድምጺ ሰብ እንተሃለወ ብህይንጥዩነት’ዮም ዝጽበዩ።

ሙስጣፋ ገለ ድምጺ ስለዝሰምዐ “ኣይረም ኣጆኽን ናባኽን ቀሪብና ኢና፡ ትሰምዕኒዶ ኣለኺ?” ብምባል ካብ ኣይረምን ሓፍታን ተወሳኺ ድምጺ ንምስማዕ ብህንጥዩንት ይጽበ።

እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበርና ሰባት ዋላ ሓንቲ ይሰምዓና ኣይነበረን፡ ሙስጣፋ ግን ኤለትሮኒካዊ መሳርሒ ይጥቀም ስለዝነበረ ድምጺ ዝሰምዕ ዝነበረ ይመስል፡ መሓዙት ኣይረም’ውን ምሳና ኮይነን ነቲ ዝፍጠር ተኣምር ንምርኣይ ከብደን ሓቊፈን ብስቕታ ይጽበያ ነይረን።

“ኣዚኺ ንፍዕቲ ኢኺ፡ ሕጂ ርግእ ኢልኪ ንዝሓተኺ ዘለኹ መልስለይ ኢኺ፡ ሕራይዶ?” ሙስጣፋ ይዛረብ ኣሎ።

መርቪ ጓል 24 ዓመት’ያ፡ ኣይረም ሓፍታ ኸኣ ጓል 19 ዓመት። ኣብቲ ሓሙሽተ ደርቢ ዘለዎ ኣብ ደቡብ ቱርኪ ዝርከብ ገዝኣን ብሰንኪ እቲ ብሰኑይ ዘጋጠመ ምንቅጥቓጥ መሬት’የን ኣብ ውሽጢ ገዝኣን ተደብየን።

ካብ ዝድበያ ክልተ መዓልቲ’የን ገይረን ንዐአን ግን እተን ክልተ መዓልታት ክልተ ሰሙን’የን ኮይነንአን፡ ንሙስጣፋ’ውን ከምኡ’የን ኢለንኦ።

“ሎሚ ሮቡዕ’ዩ፡ ኣብኡ ክልተ ሰሙን ኣይገበርክንን ኣጆኽን፡ ሓሙሽተ ደቒቕ’ሞ ተጸበያና ከነውጽኣክን ኢና” ኢልወን።

እቲ መስርሕ ግን ሓሙሽተ ደቒቕ ዘይኮነ ሰዓታት ከም ዝወስድ ሙስጣፋ ይፈልጥ’ዩ፡ ነተን ብዓይኑ ከይርኣየን ድምጸን ጥራይ ዝሰምዐን ዝነበረ ክልተ ኣሕዋት ግን ከምኡ ጥራይ’ዩ ክብለን ዝኽእል።

ዝያዳ ንኽሕይላ ኢሉ ግን “ተስፋ እንተቖሪጽክን ክትድሕና ስለዘይትኽእላ ኣጆኽን ተስፋ ኣይትቁረጻ” ኢልወን።

መርቪን ኣይረምን ድምጺ ናይቶም ካብ መንቖራቑሮ ከውጽእወን ዝጋደሉ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ምስ ሰምዓ ንሓድሕደን ክስሕቓ ጀሚረን። ኣብ ገጽ ሙስጣፋ’ውን ሓጎስ ክንበብ ጀሚሩ፡ ናባና ጥምት ኣቢሉ ኸኣ “እቲ ዘለውኦ ፍኒሕኒሕ ዘብል ቦታ እንተሃልይዎ ክስዕስዓ’ውን ኣይምጸልኣን” ኢሉና።

እቲ ዘለወኦ በታ ናይ ክልት ሜትሮ ዝኸውን ድርዒ ኮንክሪት ሓሊፍካ’ያ ዝርከብ።

ኣወሃሃዲ ሰረሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ናይቲ ከባቢ ሓሰን ቢናይ፡ ነቲ ኮንክሪት ናይ ምንቅስቃስ መስርሕ ንእሽተይ ጌጋ ናብ ዝኸፈአ ዕንወትን ሞት ናይተን ክልተ ኣሕዋትን ከኸትል ስለዝኽእልን ኣዝዩ ጥንቃቐ ዘድልዮ ከም ዝኾነ ነቶም ጉጅልኡ ሓቢርዎም።

ክኹዕቱ እንከለዉ እቲ ረጕድ ድርዒ ኮንክሪት ከይወድቕ ነቲ ኮንክሪተ እትሽከም ቡልዶዘር ተጸዊዓ መጺኣ።

“ኣጆኽን ውጽእ ምስ በልክን ኮቦርታ ክንህበክን ኢና” ሙስጠፋ’ዩ ዝዛረብን ነይሩ።

“ኣጆኹም ብኣና ኣይትሻቐሉ ቁሩ ይኹን ድኻም የብልናን” ሓዲአን መሊሰናሉ።

ሙስጣፋ፡ ዝያዳ መርቪ ፍርሕን ሻቕሎትን ከም ዘለዋ ገሊጹ፡ እቲ እዋን ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ናይ ምሸት’ዩ ኮይኑ ዘሎ፡ እቲ ከባቢ ከኣ ብዘኸርድድ ቁሪ ተጎቡኡ ኣሎ።

እቶም ሰራሕተኛታት ነቲ ፈፎኪሱ ሓመድ ዋላ ብኢዶም እናተሓገዙ ይጸርግዎ ኣለዉ።

ሓያለ ሰዓታት ምስ ሰርሑ ግን እቲ መሬት ዘይንቡር ብርቱዕ ነዝነዝታ ከስምዕ ጀሚሩ፡ ስለዚ ስርሖም ደው ከብሉ ነይርዎም።

“ሓደ ነገር ኢና ከነቐድም ዘለና፡ ድሕነት ሰራሕተኛታት” ሓሰን ደው ክብሉ ምስ ኣዘዞም ዝበሎ’ዩ።

ድሕሪ 30 ደቓይቕ፡ ሙስጣፋን ካልኦት ሰለስተ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ናብቲ ዝኵዕትሉ ዝነበሩ ቦታ ተመሊሶም።

“ኣይትፍርሓ፡ እመናኒ ንዓኽን ከየውጽኣና ኣይከነዕርፍን ኢና፡ ካብቲ ዘለኽንኦ ከውጽኣክን’የ ንስኽን ከኣ ምስ ወጻእክን ጥዕምቲ ምሳሕ ተምስሓኒ ትኾና” ሙስጣፋ ከዛንየን ኢሉ’ዩ ከምኡ ዝብለን ነይሩ’ምበር ሻቕሎቱ ኣብ ቦትኡ’ዩ ነይሩ።

ንሰን’ውን ንሓያለ ደቓይቕ ድምጾም ምስ ጠፈአን ጠቅሊሎም ገዲፎመን ዝኸዱ መሲልወን ተሻቒለን’የን ነይረን።

ሕጂ ፍርቂ ለይቲ ኮይኑ ኣሎ፡ ነተን ክልተ ኣሕዋት ንምውጻእ ዝተጀመረ ኵዕታ ኸኣ ዳግማይ ቀጺሉ።

እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ንሓያለ መዓልታት ኣይደቀሱን፡ ንሕና ኸኣ ኣብ ጥቃ እቲ ህንጻ ሓዊ ኣጉድና ነቲ ዝነበረ ሳሕሊ ንምክልኻል እጃምና ንገብር ነይርና።

ጸጸኒሑ ከኣ ‘ስቕ በሉ” ዝብል ድምጺ ካብ ሙስጣፋ ይስማዕ ነይሩ።

መብራህቲ ጠፊኡ፤ እቲ ከባቢ ድማ ጸጥን ግብን ኢሉ።

ንእሽጠይ ቀዳድ ከፊቶም እተን ከልተ ኣሕዋት በታ ቀዳድ ትመጽእ ዘላ ጩራ ብርሃን ላምባዲና ይርእያኣ እንተሃልየን ይሓተን ኣሎ።

“መርቪ፡ ኣይረም፡ ነዛ ብርሃን ትርእይኣዶ ኣለኽን፡ ጽቡቕ ሕጂ ንእሽተይ ካሜራ በዛ ቀዳድ ናባኽን ክሰዳ’የ፡ እንተርኢክናኣ ንገራኒ፡ ሽዕ እንታይ ከም እትገብራ ክነግረክን’የ፤ ንፉዓት” ኢልወን።

እታ ህሞት ኣብ ኩልና ወጥሪ ዝሰፈነላ’ያ፡ ሓሰን’ውን ናብቶም ጉጅለ ተጸንቢሩ በታ ካሜራ ንዝተልኣኸ ስእሊ በታ ኣብ ኢድ ሙስጣፋ ዝነበረት ‘ስክሪን’ ተሓጊዙ ንመርቪንን ኣይረምን ይርእየን ኣሎ።

“ኣዚኺ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ብዙሕ ኣይትንቀሳቐሲ፡ ኣይረም መታን ንማርቪ ክንርእያ ነታ ካሜራ ስሓብያ”

ኣብታ ካሜራ ኣይረም ፍሽክ ኢላትና፡ ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ ኣብ ሞንጎ እቲ ዝነበረኦን ኣብ ሞንጎ እቲ ሸፊንወን ዘሎ ኮንክሪትን ቁሩብ ዘወሳውስ ቦታ ናይሩ’ዩ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍሽኽታ ነጊሱ፤ እተን ክልተ ኣሕዋን ኩነታተን ድሓን ይመስል።

እታ ንእሽተይ ቀዳድ ብጥንቃቐ እንተገፊሓ ክልቲኤን ኣሕዋት ብኣኣ ተሳሒበን ክወጽኣ ይኽእላ’የን።

እንተኾነ ካብ ከመርቪ ዝተውሃቦም ሓበሬታ ነቶም ጉጅለ ቅሳነት ኣይፈጠረሎምን።

መርቪ ዛሕሊ ይስምዓ ከም ዘሎን ኣብ እግራ ሓደ ከቢድ ነገር ከም ዝስምዓን'ያ ነጊራቶም።

ሓካይም፡ እግሪ ማርቪ ጋንግሪን ድዩ ገይሩ ዋላ ብብርቱዕ ቀዝሒ ዝስዕብ ‘ሃይፖተርምያ’ዩ’ ጀሚርዋ ክፈልጡ ኣይክኣሉን።

ሕጂ እዋኑ፡ ንግሆ ሰዓት ሓሙሽተ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ነዃል ስለዝገፈሐ ብውሕዱ ነቶም ቀጠንቲ ኣባላት ህይወት ኣድሕን ከእትዎም ይኽእል እዩ።

ሓደ ኣትዩ ከኣ ንኢድ ናይ ኣይረም ክሕዞ ክኢሉ።

“ሬሳ ናይ ኣዴና ኣብዚ ኣሎ ድሮ ክጨኑ ስለዝጀመረ ከነተንፍስ ኣይክኣልና” ኣይረም’ያ ነቲ ኢዳ ዝሓዘ ሰራሕተኛ ተዛሪባቶ።

ክልቲኤን ኣሕዋት ኣብ ጎኒ ሬሳ ናይታ ብኸቢድ ኮንክሪት ተጸቂጣ ህይወታ ዝሓለፈት ኣዲኤን’የን መዓልታት ገይረን።

ኣዝዩ ዘሰንብድ ትርኢት’ዩ። ኣዴኻ ኣብ ጥቃኻ ክትኮነሉ ዘይትደልየሉ እዋን’ውን ኣሎ፡ እንታይ ድኣ ክገብራ ሬሳ ናይ ኣድኤን ዓቢስወን፡ ክቀብራሉን ክርሕቃሉን ኣብ ዘይክእላሉ መንቆራቑረን ኮይነን።

ሓሰን ንሓንቲ ካብተን ንሰዓታት ምስቶም ሰራሕተኛታት ብምዃን ትጽበ ዝነበረት መሓዙት መርቪ፡ ስእሊ ናይ መርቪ እንተሃልይዋ ሓቲትዋ።

እዚ መሕተቲኡ ብዘይ ምክንያት ኣይነበረን፡ ስእላ ብምርኣይ እቲ ተኳዒቱ ዝተኸፈት ነኳል ከሕልፋ ዝኽእል እንተኾይኑ ንምፍላጥ’ዩ።

ስእሊ ኣርእያቶ፡ ክልቲኤን ኣብ ሓደ መርዓ፡ ብጽቡቕ ክዳውንቲ ወቒበን እንከለዋ ዝተሰኣለኦ ስእሊ’ዩ።

ሓሰን ነቲ ስእሊ ብምርኣይ ግምቱ ወሲዱ “ጽቡቕ ሕጂ ከነውጽአን ንኽእል ኢና” ኢሉ።

ሓካይም ኮቦርታን ንዐአን መሸከሚ ዝኾኖም ኣቓሓን ኣዳልዮም።

ኩሉ ብህንጡዩነት ይጽበ።

ሰዓት ሽዱሽተ ፈረቓን ኣይረም መጀመርታ ወጺኣ፡ ስምዒታ ተሓዋዊስዋ ትስሕቕን ትበክን ነይራ።

“ኣምላክ ምሕረት ይሃብኩም፡ በጃኹም ንመርቪ ከኣ ኣምጽዋ” ነቶም ሰራሕተኛታት ክትልምኖም ጀሚራ።

ሓሰን ናብኣ ቅርብ ኢሉ “ኣጆኪ መርቪ’ውን ክትወጽእ’ያ ቃለ ይኣትወልኪ ኣለኹ” ኢልዋ።

እንተኾነ ንመርቪ ንምውጻእ ተወሳኺ 30 ደቓይቕ’ዩ ወሲዱ፡ ነቲ ብኮንክሪት ተቐርቂሩ ዝነበረ እግራ ብዘይ ተወሳኺ ሃስያ መጀመርታ ከውጽእዎ ነይርዎም። ዕዉት ስርሒት ከኣ ኮይኑሎም።

መራቪ ምስ ወጽአት ኩሉ ሰብ ክስሕቕን ከጣቕዕን ጀሚሩ፡ መርቪ ቃንዛ ብዝተሓወሶ ድምጺ “ናይ ብሓቒ ብህይወት ኣለኹ?” ብምባል ሓቲታ።

መሱጣፋ ፍሽኽታ ኣሰንዩ “እወ ብህይወት ኣለኺ ጽብቕቲ” ኢሉ መሊስላ።

እተን ኣብ ደገ ኮይነን ክጽበያ ዝጸንሓ መሓዙተን “መርቪ፡ ኣይረም ኣብዚ ኣለና ኣይትፍራሓ” ብምባል ብሓጎስን ብብኽያትን ተሰንየን ንሓድሕደን ክተሓቋቖፋን ክትኣባበዳን ጀሚረን።

ክልኢትን ኣሕዋን ኣብ ኣምቡላንስ ተሰቒለን ናብቲ ኣብ ሜዳ ኵዕሶ እግሪ ተዶኵኑ ዘሎ ግዝያዊ ሆስፒታል ክሳብ ዝውሰዳ ኸኣ ብፍኒስትራ ናይታ ኣምቡላንስ ይዕዘብኣን ነበራ።

ድሕሪ እዚ ኹሉ ሓጎስ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኩሉ ሰብ ስቕ ክብል ኣዚዞም። እዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ እንተሎ ንምርግጋጽ ናይ መወዳእታ ደወል’ዩ ኽኸውን።

መሱጣፋ “ድምጸይ ይስምዓኩምዶ ኣሎ፡ ክትምልሱ ትኽእሉ እንተኾይንኩም በጃኹም ነቲ ዘለኹሞ መሬት ተንክፍዎ ወይ ኣፍኵስኩም ህረምዎ” ሙስጣፋ’ዩ በታ ኤሎትሮኒካዊት መሳርሒት ተሓጊዙ ተፍትሽ ዘካይድ ነይሩ።

ቦታታት እናቐያየረ ደጋጊሙ ጸዊዑ መልሲ ግን ክረክብ ኣይክኣለን።

ዝኾነ ድምጺ ስለዘይሰመዐ ኸኣ ብቀይሕ ሕብሪ ገይሩ ኣብ ዝርአ ቦታ ናይቲ ህንጻ፡ ናይቲ ህንጻ ተፍትሽ ከም ዝተወደአ ዝሕብር ምልክት ኣንቢሩ።

ሙስጣፋ ኣብ ገጹ ከቢድ ሓዘን እናተነበቦ፡ “ንሰብ ምድሓን ኣዝዩ ጽቡቕ ስምዒት’ዩ ዝህብ፡ እንተኾነ ሞት ዘይብሉ እንተዝኸውን ክንደይ ባህ ምበለና” ኢሉ።

“ምስ ማርቪን ምስ ኣይረምን ድኣ ክትምሳሕ ዲኻ?” ኢለ ሓቲተዮ “ተስፋ እገብረ ሓደ መዓልቲ ብሓደ ክንምሳሕ፡ እቲ ኣዝዩ ዘገድስ ነገር ግን ብህይወት ምውጽአን’ዩ” ብምብል ኣብ ካልእ ዝፈረሰ ህንጻ ሰብ ብህይወት እንተሎ ንምፍታሽ ተብተብ እናበለ ተፈልዩኒ።