እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ኣብ መቐለ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ
ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ምስ መራሕቲ ትግራይ ክዘራረብ ሎሚ 24 ሕዳር ናብ መቐለ ከምዝኣተወ ተገሊጹ።
ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ መራሒ ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ ኣሉላ ኣባነጋ ተረኺቡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኣቀባብላ ከምዝገበረሉ ገሊጹ።
ኦባሳንጆ፡ ዝኾነ ሰብ “ሓይልታት ወጻኢ ኣብዛ ሃገር ምህላዎም ክቕበል የብሉን” ከምዝበለ እቲ ማዕከን ዜና ይሕብር።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ (ኢቢሲ)'ውን ብኦባሳንጆ ዝምራሕ ጉጅለ ኣብ ትግራይ ከምዝበጽሐ ኣረጋጊጹ'ሎ።
ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዕላማ እቲ ምብጻሕ ፍሉይ ልኡኽ ከም ሸምገልቲ ናይቲ ውዕል ኣፈጻጽማ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከብ ንምርግጋጽ እዩ።
እቲ ምብጻሕ ንቡር ኣካይዳ ሸምገልቲ ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣምባሳደር ወንድሙ “ከም ሸምገልቲ ናይቲ ውዕል ኣፈጻጽማ ስታተስ ከመይ እዩ? እንታይ ጸገም ኣሎ? እንታይ ክንሕግዘኩም ንምባል እዩ” ኢሉ።
እቶም ሸምገልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተወከልቲ ፌደራል መንግስቲ’ውን ከምዝተዘራረቡ ወሲኹ ገሊጹ።
ነቲ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ኣብ ትግራይ ድማ ብፍላይ፡ ጠንቂ ሞት፡ ምፍንቓልን ዕንወትን ኰይኑ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍታሕ ጻዕሪታት ክግበር ከምዝጸንሐ ይዝከር።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተማእዚኑ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ርእሰከማ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻእ ዝዀነ ተስፋ ዝተረኸበሉ'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ ዘተ፡ ናብታ ንኽልተ ዓመት መሰረታዊ ቀረባት ተሓሪማ፡ ሚልዮናት ነበርታ ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝተቓልዑላ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱን ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሰላማዊ ናብራኦም ዝምለሱሉ ኵነታት ክፍጠር ዝብሉ ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ ተፈሪሙ እዩ።
ኣባል ናይቲ ነቲ ስምምዕ ዘሳለጠን ንትግባሪኩ ክከታተልን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዘ ጉጅለ (ላዕለዋይ ፓነል) ዝኾነት ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካ'ውን ምስ ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ከምዝጓዕዘት ነቲ ሓበሬታ ዘሰነየ ስእሊ የርኢ።
እቲ ጉጅለ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ'ውን ዝርከቦ ምዃኑ ይፍለጥ።
ሎሚ ንጉሆ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ጉጅልኡ ንፖለቲካዊ ፀገማት ብ“ሰላማዊ” ኣገባብ ንምፍታሕ ድልው ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ'ሎ።
ኣብ ፕሪቶርያ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝፍርም ንደሓር፡ ተጋደልቲ ሓይልታት ህወሓት ዕጥቆም ንኽፈትሑ ዘለኩም ተወፋይነት ዝቕይር ነገር ተፈጢሩ ድዩ? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ጌታቸው፡ “ዝተቐየረ ነገር የለን” ኢሉ።
እንተኾነ ግን ቅድሚ እቲ ዕጥቂ ምፍታሕ “ብርክት ዝበሉ ተግባራት ክፍጸሙ ንጽበ” ይብል።
“እቲ ንብሎ ዘለና፡ ሕሉፍ ሓዲግና፡ እቲ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተሳቐየ ህዝብና ዝግብኦ ዓይነት ዕረፍቲ ክረክብ፡ ንፖለቲካዊ ጸገማት ብሰላማውን ፖለቲካውን ኣገባብ ክንፈትሖ ድሉዋት” ከምዝኾኑ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ ብቅድሚ ትማሊ ሰሉስ፡ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብቲ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን መላፍንቶምን ኲናት ከካይዱሎም ዝጸንሑ ግንባራት ናይ ምስሓብ መስርሕ ኣብ ዝቕጽሉ ውሑዳት መዓልቲታት ከምዝጅመር ንመራኸቢ ብዙሓን ትግራይ ምግላጹ ይዝከር።
ጀነራል ታደሰ፡ ድሕሪ ምፍራም ውዕል ሰላምን ብድሕሪኡ ዝተፈረመ ኣዋጅ ናይሮቢን ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ መስርሕ ሰላም ንሓይልታቶም ናይ ምርዳእ ስራሕቲ የጻፍፉ ከምዘለዉ ክገልጽ እንከሎ፡ ምስሓብ ሰራዊት ከምዝቕጽል ተዛሪቡ።
“እቲ ምርድዳእ ይግበር ኣሎ፤ ድሕሪኡ ሓይሊ ምልቓቕ ‘ዲስኢንጌጅ ምግባር’፡ ኣጐዓዒዝካ፡ ክዀነሉ ኣብ ዝግባእ ቦታ ንምግባር ድማ ኣብዚ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ዝጅመር ክኸውን እዩ” ኢሉ።
ብካልእ ሸነኽ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓይልታት ወጻኢን ፌደራል ሰራዊት ዘይኮኑ ዕጡቓት ካብቲ ክልል ክወጹ ኣለዎም ዝብል ነጥቢ ኣካል እቲ ስምምዕ’ኳ እንተኾነ፡ እዞም ሓይልታት ግን ክሳዕ ሕጂ ካብቲ ክልል ከምዘይወጹ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ቅድሚ ሒደት መዓልቲ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን፡ ኣብ ተፈጻምነት እቲ ውዕል ሰላም ተስፋ ከምዘለዎም፡ እንተዀነ ምውጻእ ናይቶም ኣብ ትግራይ “ግፍዒ ይፍጽሙ ኣለዉ” ክብሉ ዝኸሰሰሱዎም ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ዕንቅፋት ክዀኑ ከምዝኽእሉ ምሕባሮም ዝዝከር እዩ።
ብዛዕባ እቲ ብወገን ትግራይ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ይዅን ኢትዮጵያ ዝተወሃበ ምላሽ የለን።
ጀነራል ታደሰ ወረደ ግን፡ ህላወ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ኣብ ትግራይ፡ ጭቡጥ ስግኣት እቲ ሰላም ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ እቶም ሓይልታት ብቕልጡፍ ክስሕቡ ጸዊዑ እዩ።
ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተኻይዱ ንሞት ኣሽሓት፡ ምፍንቓል ሚልዮናትን ዕንወትን ምኽንያት ዝዀ'ነ ኲናት፡ ደው ንምባል ውዕል ሰላም ድሕሪ ምኽታሙ፡ ናብታ ሚልዮናት ነበርታ ኣብ ዕጽዋ ብጥሜትን ስእነት መድሃኒትን ዝሳቐዩ ዘለዉ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክኣቱን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅመሩን ትጽቢት ይግበር።
ክንድቲ ዝድለ ኣይዅን እምበር፡ ሰብኣዊ ሓገዝን መድሃኒትን ምእታው ከምዝጀመረ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኲናት ተቋሪጾም ዝጸንሑ ናብ ትግራይ ዝግበሩ በረራታት ንምጅማር ምድላዋቱ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዛዘመ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡
ድሕሪ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተጀመረ ኲናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝበዝሐ ከባቢታት ትግራይ ምስተቖጻጸረ ንሓጺር እዋን እኳ በረራ ተጀሚሩ እንተነበረ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ምስወጽአ ግን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን በረራ ደው ኣቢሉ እዩ ጸኒሑ፡፡