ተዛተይቲ ትግራይ፡ ደንጉዩ ኣብ ዝተውሃበ መግለጺኦም እንታይ ኢሎም?

ነቲ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ኣብ ትግራይ ድማ ብፍላይ፡ ጠንቂ ሞት፡ ምፍንቓልን ዕንወትን ኰይኑ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍታሕ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተማእዚኑ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ፕሪቶርያ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ዝተኻየደ ዘተ ሰላም፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻእ ዝዀነ ተስፋ ዝተረኸበሉ እዩ።

ኣብቲ ዘተ፡ ናብታ ንኽልተ ዓመት መሰረታዊ ቀረባት ተሓሪማ፡ ሚልዮናት ነበርታ ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝተቓልዑላ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱን ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሰላማዊ ናብራኦም ዝምለሱሉ ኵነታት ምፍጣር ዝርከቡዎም ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ ተፈሪሙ።

ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ እዚ ስምምዕ፡ ኣብ ናይሮቢ ዝተራኸቡ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት ድማ ኣብ ዝርዝር ኣፈጻጽማ እቲ ውዕል ሰላም ተመያይጦም ኣብ ዝርዝር መስርሕ ትግባረኡ ተፈራሪሞም እዮም።

ኣብዚ መንጐ ብፍላይ ብወገን ተጋሩ ኣብቲ ስምምዕ ዝተፈላለየ ሕቶታት ክለዓሉ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ተዛተይቲ መንግስቲ እቲ ክልል ኣብዚ ዛዕባ ዝርዝር መብርሂ ኣይሃቡን ተባሂሎም ክውቀሱ ጸኒሖም እዮም።

ብሰንበት 20 ሕዳር ግና ንሓይልታት ትግራይ ብምውካል ኣብቲ ዘተሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተሳተፉ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል ዝርዝር መብርሂ ሂቦም።

"መቐለ እንተለቒቕኩም እቲ ድርድር ባህርያቱ ክቕይር እዩ"

ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ዝተኻየዱ ዘተታት፡ ዋላ'ኳ ብስምምዕ ዝተዛዘሙ እንተዀኑ፡ ካብቲ ኣብ ፈለማ ዝተታሕዘሎም ሰሌዳ ግዜ ዝነውሐ እዮም ወሲዶም።

ንጕጅለ ተዛተይቲ ኢትዮጵያ ዝመርሐ፡ ኣማኻሪ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ መንቀሊ እቲ ምድንጓይ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ደማዊ ኲናት ዝጸንሑ ወገናት መንፈስ ዘይምትእምማን ምንባሩ ከምዝዀነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ዝርርብ ነቲ ልሙድ መስርሕ ዓለምለኻዊ መምዘኒታት ዘተ ሰላም ዘማልአ ከምዘይነበረ ዝገልጽ ጀነራል ጻድቃን ብወገኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጐድኒ ጐድኒ እቲ ልዘብ፡ ንከተማ መቐለ ተቘጻጺሩ እቲ ናይ ዘተ ኣገባብ ንምልዋጥ ከምዝፈተነን፡ ሓይልታቶም ብወገኖም ነዚ ደው ንምባል ከቢድ ኲናት ከምዘካየዱን ተዛሪቡ።

“ኣብተን ዝጸናሕናለን [ኣብ ፕሪቶርያ] ዓሰርተ መዓልቲ እውን፡ ቀልጢፍካ መቐለ ሒዝካ፡ ሓደ ሓቂ ኣብቲ መሬት ፈጢርካ፡ እቲ ናይ ፕሪቶርያ ዘረባ ምንም ዋጋ ዘይብሉ ንምግባር ዘይተገበረ ነገር የለን። ከቢድ ምጭፍጫፍ እዩ ተኻይዱ። ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ኢንተርናሽናል ኮምዩኒቲ መቐለ እንተለቒቕኩም እቲ ድርድር ባህርያቱ ክቕይር እዩ ዝብል ነገር ይነግሩና ነይሮም። ንሕና እውን ባህሪኡ ከምዝቕይር ንፈልጥ ኔርና። እቲ ሰራዊት እውን እዚ ይፈልጥ ነይሩ። ኣብቲ ዓሰርተ መዓልታት ብምሉእ ዓቕሞም ከቢድ ምጭፍጫፍ ገይሮም።”

እንተዀነ ሓይልታቶም ብዘካየድዎ ብርቱዕ “ምክልኻልን ጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለምን” እቶም ወገናት ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ምኽኣሎም ገሊጹ።

መራሒ ተዛይተይቲ ጕጅለ ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ኣብ ከይዲ እቲ ዘተ፡ ኣብ ደረጃ ተጻብኦ ደው ምባል ክለዓሉ ዘይግበኦም ኣጀንዳታት ብኽልቲኡ ወገን ይለዓሉ ብምንባሮም፡ እቲ ከይዲ ክጓተት ከምዝገበሮ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ሓቢሩ ነይሩ።

“እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተፈናቒሎም ዝነበሩ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ህዝቢ እንደገና ብሚልዮናት ኰይኖም ክፈናቐሉ ተገይሩ። ዳርጋ እቲ ኲናት ምክያዱ ብጣዕሚ ኣሰቃቒ ዝዀነ ንህዝቢ ክንከላኸል ዘይንኽእለሉ ውግእ እናዀነ ናይ ምኻድ ነገር መጺኡ” ዝብል ጀነራል ጻድቃን፡ ህዝቢ ንምድሓን ነቲ ኲናት ዝመርሕ ማእከላይ ኮማንድ፡ እቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብል ከምዘለዎ መደብ ሒዞም ናብቲ ዘተ ከምዘቕንዑ ይዛረብ።

በዚ መሰረት ዋላ'ኳ ኵሎም ድልየታቶም ዘማልአ እንተዘይነበረ፡ መሰረታዊ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ዕላማኦም ግን ከምዘዐወቱ ገሊጹ።

“ሓደ ተዅሲ ደው ኢሉ። ተዅሲ ደው ክነብል ዝደለናሉ ዋና ምኽንያት ናብ ዝርርብ ክንኣቱ እዩ። ህዝብና ካብ ሞት ክተርፍ ምእንቲ እዩ። ሓገዝ ምእንቲ ክኣትዎ እዩ። ተዓጽዮም ዝነበሩ ኣገልግሎቱ ክኽፈቱ ምእንቲ እዩ... ቀደሙ እውን ብፖለቲካዊ ድርድር ክፍታሕ ዝነበሮ ጸገም ናብ መስርሕ ፖለቲካዊ ድርድር ክኣቱ ንምኽኣል እዩ። ስለዚ ዋላ እቲ ኣካይዳ ግልባጥ እንተነበረ፡ ተጻባእቲ ሓይልታት ተዅሲ ደው ከብሉ ተሰማሚዕና።”

ብተወሳኺ፡ እቶም ጸገማት ብመሰረት ሕገመንግስቲ ክፍትሑ ዝተበጽሐ ስምምዕ ካልእ ውጽኢት ከምዝዀነ ሓቢሩ።

ጸጋን ተስፋን

ኣቶ ጌታቸው ረዳ እቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስጕምቲ፡ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ጸገማት ሓዊሱ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምንዳይ ሓጋዚ ከምዝዀነ ገሊጹ።

“ተዅሲ ደው ኢሉ ኣሎ። ተወሳኺ ምፍንቓል፡ ተወሳኺ ስቓይ ብዝተወሰነ ደረጃ ኣትሪፍና ኣለና ማለት እዩ። እዚ ምግባር ንባዕሉ ሓደ ነገር እዩ። ህዝብና ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ዝርካቡ ምህርቲ ክእክብ ዕድል ረኺቡ ኣሎ ማለት እዩ። ብጥምየትን ሰኣን ኣፋውስን ክጥፍእ ዝኽእል ዝነበረ ህዝብና ብዝተወሰነ ደረጃ ፍታሕ ክረክብ ዝኽእለሉ ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ። ልዕሊ ዅሉ ግን እቲ ክንኣትዎ ዝበልናዮ ፖለቲካዊ ከይዲ ብቕንዕና እንተ ተተግቢሩ እተን ነዚ ጸገም ክፍጠር ምኽንያት ዝዀና ነገራት ምሉእ ብምሉእ ወይ መብዛሕትኡ ንምእላይ ዘኽእለና ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ።”

ብምባል ክልቲኦም ወገናት ንተፈጻምነቱ ብቕንዕና ክሰርሑ ከምዘለዎም የረድእ።

ጀነራል ጻድቃን ብወገኑ እቲ ስምምዕ፡ እታ ሃገር ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ጸገም ዘውጽእ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝገልጽ።

“ኢትዮጵያ ኣትያቶ ካብ ዘላ ቅልውላው ናይ ምንጋፍ ዓቕሚ ኣለዎ። ሓደ ዓቢይ ጸጋ እዩ እዚ። ኣብታ ሃገር በጺሑ ዘሎ፡ ናዓና እውን ዝጸሉ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ዓቢይ ጸገም እዩ። ኣብ ጉዳይ ተጋሩ ምስ እንርኢ ድማ ተኣኻኺቦም ዝነበሩ ጸላእትና ናይ ምብታን ዓቕሚ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ይዅን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሰላልፋ ሓይልታት ናይ ምቕያር ብቕዓት ኣለዎ፤ እንተተተግቢሩ።”

“ካብቶም ጸገማት እቶም ጸጋታት ይረኣዩኒ” ዝብል ጀነራል ጻድቃን፡ ብዙሓት ጸገማት ብሕገ መንግስቲ ክፍትሑ ዕድል ዝህብ ከምዝዀነ እውን እምነቱ ገሊጹ።

ደበናታት ስግኣት

ነቲ ዘተ ሰላም ኣመልኪቶም መግለጺ ዝሃቡ ላዕለዎት ተዛተይቲ ትግራይ፡ ካብቶም ተስፋታት ብተወሳኺ፡ ነቲ ተስፋ ከምክኑ ዝኽእሉ ሰግኣታት ከምዘለዉ ብምግላጽ ስክፍታታቶም ኣካፊሎም።

ክልቲኦም ወከልቲ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ኣብዚ እቲ ቀንዲ ፈተና ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ጐረባብቲ ክልላትን ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሓይልታት ወጻእን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘይኾኑ ዕጡቓትን ካብ ትግራይ ምውጻእ ምስ ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ማዕረ ማዕረ ክፍጽም እዩ ዘለዎ።

ኰይኑ ግን ሐዚ እውን ሰራዊት ኤርትራ "ቅትለት፡ ምጭዋይ ዝምታን" ዝርከብዎም ገበናት ይፍጽም ከምዘሎ ሰብ መዚ ትግራይ ይኸሱ። ዛጊት ብዛዕባ እቲ ክሲ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተወሃበ ወግዓዊ ምላሽ የለን።

“ማሕበረሰብ ዓለም’ ዘ ቢግ ኤለፋንት ኢን ዘ ሩም’ ዝብሎ፡ ጸገም ክፈጥር ዝኽእል፡ ዓቢይ ሓርማዝ ዝብሎ፡ ሰራዊት ኤርትራ እዩ። ኣብ ትግራይ ይዅን ካልእ ከባቢ ዝህልዎ ምንቅስቓስ ዓንቃፊ ተራ ክህልዎ እዩ። ኣብ ዓፋር ሚልሻ፡ ኣብ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ ከሰልጥን ይንቀሳቐስ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ኣይንታዩን፡” ክብል ይወቅስ።

ጀነራል ጻድቃን ብተመሳሳሊ፡ “በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ቅልውላው ዝኸሰበ ንሱ [መንግስቲ ኤርትራ] እዩ። ካልእ ኵሉ ከሲሩ እዩ፡" ብምባል ዝዓበየ ፈተና እቲ ዘተ ሰላም ካብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝዀነ ይዛረብ።

ኣብ መንጐ እቶም ንኽልተ ዓመት ኣብ ደማዊ ኲናት ዝጸንሑ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ዘሎ ዓሚቝ ምጥርጣር እውን ካልእ ፈተና ከምዝዀነ እዮም ክልቲኦም ላዕለዎት ሰብመዚ ትግራይ ገሊጾም ዘለዉ።

ጀነራል ጻድቃን ነዚ እንክገልጽ፡ “ምስ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ክፍጠር ዝኽእል ጸገም መብዛሕትኡ፡ ካብቲ ዓሚቝ ምጥርጣር እናተበገስካ፡ ግዜ ወሲድካ ክፍትሑ ዝኽእሉ ነገራት እውን፡ ኣብ ልዕሊ ምጥርጣር ምጥርጣር እናፈጠሩ፡ ብንኣሽቱ ምኽንያታት ናብ ጸገም ዝእተወሉ ነገር ክመጽእ ይኽእል እዩ።

“ሓደ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ክልተ ዓመት ከቢድ ውግእ እናተዋጋእና ጸኒሕና፡ ናብ ሰላም ክትኣቱ ከለኻ ብሓጺር ግዜ ልሙጽ ኰይኑ ዝኸይድ ኣይኰነን። ናይ ስግግር ግዜ የድልዮ እዩ። ናይ ስግግር ግዜ ሓርፋፍ እዩ፡” ይብል።

ንሰላም ዘሎ ኣረኣእያ ድማ ካልእ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝቐረበ ስክፍታ እዩ።

“ሰላም ከም ስትራተጂካዊ ምርጫና ዲና ወይስ ከም ግዜ መግዝኢ ኢና ወሲድናዮ?” ክብል ይሓትት።

“እዚ ጉዳይ እዚ ታክቲካል እዩ። ቅሩብ መተንፈሲ ግዜ ረኺብና ብኻልእ ዙር ንምጥፋእ ዘኽእለና ዕድል ክንረክብ ዘኽእለና እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝዝውሮ እንተዀይኑ፡ ካባና መጸ ካብ ጻላኢ መጸ፡ ዘምጽኦ ሓደጋ እንተዘይኰይኑ ረብሓ ክህሉ ኣይክእልን” ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ነቲ ዘተ ሰላም ከዕንቅፉ ዝኽእሉ ውሽጣዊ ኣካላት ከምዘለዉ ዝሓበሩ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን፡ ዛጊት ዘሎ ሓፈሻዊ ከይዲ ግን ተስፋ ዝህብ ከምዝዀነ ገሊጾም።