ኣምበሳደር ሬድዋን፡ ኣብ እዋን ዘተ እቲ ቀንዲ ብድሆ ዘይምትእምማን’ዩ ነይሩ

ንክልተ ዓመት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ናብ ተግባር ዝሰጋገረሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

መጀመርታ 2 ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ተጻብኦታት ደው ምባል፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ህወሓትን ካልእን ዝሓዘ 12 ነጥብታት ዘለዎስምምዕ ደሕሪ ምፍርራም፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ናይሮቢ ንሓሙሽተ መዓልታት ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ኣተገጋብራ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኣብ ሓደ ስምምዕ ብምብጻሕ ብቀዳም 12 ሕዳር ውዕል ፈሪሞም።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ኬንያን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ተዛተይቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣማኻሪ ጸጥታ ዝኾነ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ናይሮቢ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ሓጺር ቃለ መሕተት ይስዕብ።

ቢቢሲ፡ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻደ ዘተ እቲ ቀንዲ ብድሆ እንታይ’ዩ ነይሩ?

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ እቲ ቀንዲ ፈተና ዘይምትእምማን’ዩ ነይሩ፡ ብሰለስት ገጻት ናይ ኲናት ኢና ሓሊፍና። ከምኡ ኸኣ ክስታት ዝርከብዎም ብዙሓት ጉዳያት’ዮም ነይሮም። ኣዝዩ ዓሚቕ ዘይምትእምማን ስለዝነበረ ንክሊቲኦም ወገናት ዘሻቕል ጉዳያት ንምትዕርራይ ክንሰርሕ ጸኒሕና።

ስለዚ ኣብ ሞንጎና ዝነበረ ፍልልይ ንምምላእን ናብ ሓባራዊ ስምምዕ ንምምጻእን ዝኸድናዮ ሓደ መንገዲ ኮይኑ እቲ ካልእ፡ መንግስቲ ፌደራል ዝውክሎ ህዝቢ ኣሎ፡ እቲ ካልእ ወገን’ውን ብተመሳሳሊ ዝወከሎ ህዝቢ ኣሎ፡ ነዞም ክልተ ኣካላት ዝወከሎም ኸኣ ዝጽበዮ ነገር ኣሎ። ስለዚ ቅኑዕ ዘይኮነ መልእክቲ ከሕልፉ ይኽእሉ’ዮም ዝበልናዮም ጉዳያት ብሓባር ከነዐርዮም ነይሩና።

ኣብዚ፡ ንነፍሲ ወከፈ ሰነድ ምምልካትን ብዝበለጸ ምትዕርራይን ክንገብር ነይሩና። እዚ ምግባርና ነቲ ውዕል ሰላም ክዕንቅፉ ዝኽእሉ መልእክትታት ከይህልዉ ካብ ዝብል እዩ። ብቅኑዕ ልቦና ዝተገበረ ኮይኑ ግን ኸኣ ኣህላኽን በዳህን’ዩ ነይሩ።

ዋላ’ዃ እዚ ስምምዕ [ኣብ ኬንያ ዝተገበረ ስምምዕ] ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከመይ ይተግበር ኣብ ዝብል ስለዝኾነ ቅልል ዝበለ ክኸውን’ዩ ዝብል ሓሳብ እንተነበረ፡ ዘይምትእምማን ስለዝነበረ ከቢድ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።

እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኻየደ ዘተ ግን ከቢድን ኣዝዩ ኣሸጋርን’ዩ ነይሩ። እዚ ኣብ ኬንያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ዓይኒ ብምምልካት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ዝሰማምዕሉ’ዩ ነይሩ።

ነቲ ንምትግባሩ ዘሸግርን ዘየሸግርን እቶም ወተሃደራውያን ሓለፍቲ’ዮም ዝፈልጥዎ፡ እንተኾነ ካብ ፈለማ ተታሒዞም ዝመጽኡ ዘይምትእምማን ነይሮም’ዮም።

ስለዝኾነ’ዩ ካብቲ ዝተሓሰቦ ንውሕ ዝበለ ግዜ ወሲድና ኮፍ ኢልና ነቲ ዝነበረ ፍልልይ ከነዐርዮ ፈቲንና። እንተኾነ ነዚ ኹሉ ሓሊፍና ነቲ ስምምዕ ፈሪምና ኣለና። ድሕሪ ሕጂ እቲ ሓላፍነት ናትና’ዩ። ካባና ትጽቢት ዝግበር ነገራት ተረዲእና ምትዕርራይ፡ ብቆራጽነት ምቅጻልን ከምኡ’ውን ነዚ ስምምዕ ንምትግባር ዘጋጥሙና ዕንቅፋታት ምስጋር ከድሊ’ዩ።

እቲ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ ውጽኢታዊ ኮይኑ ተዛዚሙ’ሎ።

ቢቢሲ፡ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከም ዝተሓበረ፡ ስግግር ፍትሒ ኣካል እቲ ስምምዕ ክኸውን እዩ። እንተኾነ፡ እቲ ፖለቲካዊ መስርሕ ነቲ ናይ ፍትሒ መስርሕ ከይዕብልሎ ስግኣት ኣሎ። ኣብዚ ኩናት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝተፈጸሞም ዜጋታት፡ ፍትሕን ካሕሳን ክረኽቡ፡ መንግስቲ ፌደራል ክሳብ ክንደይ ድሉውእዩ?

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ኣብዚ ኲናት ገበናዊ ተግባራት ተፈጺሞም’ዮም፡ ገለ ገለ ብመርትዖ ክስነዩ ዘለዎም’ዮም። ካልእ’ውን ኣስፊሕካ ምዕዛብ ዝሓቱ’ዮም። እቲ ቀንዲ ሽግር እዚ ገበን ጥራይ ኣይኮነን፡ እቲ ዝዓነወ ማሕበራዊ ምትእስሳር ይዓቢ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳላሳ ዓመታት ነቲ ብዙሑነት ናይ ብሄር ብሄረሰባት ካብ ልክዕ ንላዕሊ መጢጥካ ፖሎቲካዊ መልክዕ ብምትሓዝ ናይ ሓባር መንነትናን ጥቅምናን ብምርሳዕ ስለዝተሃሰየ፡ ነዚ ዝተሃሰየ ማሕበራዊ ምትእስሳር ብምጽጋን ኢና ክንፈትሖ ንኽእል። ነዚ ኸኣ እቲ ማሕበረሰብ ብናቱ መንግዲ ብናይ ሓባር ኢትዮጵያውንት ደልዩ ከምዝረኽቦ ብምግባር ኢና ክንፈትሖ ንኽእል።

እንተኾነ ብርግጽ ነቲ ዝተፈጸመ ገበናት ብመርትዖ ብምድጋፍ፡ እቶም ከቢድ ገበን ዝፈጸሙ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ተሓተትቲ ክኾኑ ኣለዎም። እዚ ጥረይ ግን ኣይኮነን፡ ብዙሓት ግዳያት መጥቃዕቲ ብቤት ፍርድን ብይቕሬታን ጥራይ ዘይኮነ፡ ክከሓሱን እቲ ዝኸሰርዎን ዝዓነዎምን ንኽምለሰሎም ክንሰርሕ ኣለና።

ኪኖ እቲ ብናበራ፡ ስነኣእምሮኣዊ በሰላ ዝሓደገሎም’ውን ኣለዉ። ስለዚ እዚ [ኣብቲ ስምምዕ ዝተጠቀሰ] ናይ ፍትሒ መስርሕ ነቲ ማሕበራዊ በሰላ ንኽፍውስ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ገበነኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ብምቅራብ ፍትሒ ንኽርከብ’ውን ዘጠቃልል’ዩ።

ቢቢሲ፡ድሕሪ እዚ ስምምዕ ዝስዕብ መስርሕ እንታይ’ዩ? ኣብ ቀጻሊ ክገጥመና ይኽእል’ዩ ትብልዎ ብድሆኸ እንታይ’ዩ?

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ነዚ ሰላም እዚ ምምጻእና ኣብ ካልእ ክፋል ኢትዮጵያ ዘለዉ ጸገማት ንምፍታሕ ዕድል ዝህብ’ዩ። ከምኡ’ውን ነዚ ጸገም እዚ ክንፈትሕ እንተኽኢልና ኣብ ቀጻሊ ሃገርና ንክንሃንጽ ዕድል ዝህብ’ዩ።

እዚ፡ ኣብ ቀጻሊ፡ ፍልልያትና ናብ ጸማዲ ግጭት ከየእትወና፡ ኣቐዲምና ከመይ ገይርና ክንፈትሖ ከምዘለና ትምህርቲ ዝህብ’ዩ ኢለ እሓስብ።

እዚ መስርሕ ሰላም፡ ነዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልእ ጸገማት’ውን ብኣሳታፊ ፖሎቲካዊ ዘተ ክፍታሕ ከምዝግባእ ኣብነት ክኸውን ዝግብኦ’ዩ። ኩሉ ኣካል ክስምዓሉ ዝኽእል መድረኽ ብምክፋት ፍልልያት ክፍታሕ ከምዝኽልእ ዘርኢ’ዩ።