እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንቻይና ክስልል ዝፈተነ ኣባል ሰራዊት ኣሜሪካ ነበር ተኣሲሩ
“ትካል ስለላ ቻይና እንታይ እዩ” ኢሉ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ዝደለየ ኣባል ሰራዊት ኣሜሪካ ዝነበረ ሳጅን፡ ምስጢራዊ ሓበሬታ ንትካል ስለላ ቻይና ክህብ ፈቲኑ ብዝብል ተኣሲሩ።
እቲ ካብ ሆንግ ኮንግ ዝተበገሰ ወዲ 29 ዓመት ጆሴፍ ሽሚት፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሳን ፍራንሲስኮ ምስ በፅሐ እዩ ተኣሲሩ።
ኣኽባሪት ሕጊ ግዝኣት ዋሽንግተን ቴሳ ጐርማን፡ “ሃገርና ንምኽዳዕ ዝገበሮ ጻዕሪ” ዘሰንብድ እዩ ኢላ።
ጆሴፍ ሽሚት፡ ካብ 2015 ክሳብ 2020 ንጡፍ ወተሃደር ሰራዊት ምክልኻል ኣሜሪካ እዩ ነይሩ።
ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ምዕራባዊ ዋሽንግተን ኣብ ‘ጆይንት ቤዝ ልዊስ ማክቾርድ’ ዘገልገለ ሽሚት፡ ከበድቲ ምስጢራዊ ሰነዳትን ሓበሬታትን ኣሜሪካ ይረኽቦም ነይሩ።
ሰነዳት ቤት ፍርዲ፡ ሃገራዊ ምስጢር ደሕንነት ኣሜሪካ ንቻይና ኣሕሊፉ ንምሃብ ብዙሓት ሰነዳት ከም ዘዳለወን ኣብ ጎግል ከም ዝኣለሸን የመልክቱ።
ንሱ፡ ብኸመይ ናብ ቻይና ብምውጻእ ንቆንስል ቻይና ኣብ ቱርክን ኣገልግሎት ስለላ ቻይናን “መርማሪ” ኰይኑ ኣገልግሎት ክህብ ከምዝኽእል ብኢንተርነት መጽናዕቲ ከምዝገበረ ተገሊጹ።
ናብቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ቆንስል ልኢኽዎ ኣብ ዝተበሃለ ኢመይል፡ “ንኸበድቲ ምስጢራዊ ሰነዳት ተበጻሕነት ኣለኒ። እዚ ሓበሬታ ንኸካፍለኩም፡ ዝከኣል እንተዀይኑ ንዝዀነ መንግስታዊ ኣካል ከዛርብ እደሊ እየ” ይብል።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ማይክሮሶፍት “ከበድቲ ምስጢራት” ዝብል ኣርእስቲ ዝሃቦ ሰነድ ከምዝዓቀበ ‘ውን እቲ ክሲ የመልክት።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኣርእስቲ ናይቲ 23 ገፃት ዘለዎ ብቋንቋ ቻይና ዝተዳለወ ሰነድ፡ ዝተረፈ ዅሉ ግን ብእንግሊዘኛ ከም ዝተጻሕፈ ገሊፆም።
ካልእ ዝዓቀቦ ሰነድ ድማ፡ “ንመንግስቲ ቻይና ዝካፈል ጠቓሚ ሓበሬታ” ዝብል ስያመ ኣለዎ።
መርመርቲ፡ “ሓቀኛታት ሰለልቲ እንታይ ይዓምሙ ብኸመይ ከ ይምልመሉ” ዝብል ሓዊሱ፡ ምስ ስለላ ርክብ ዘለዎም ኣርእስቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ከም ዝኣለሸ ሓቢሮም።
ጆሴፍ ሽሚት፡ ኣብ ሰራዊት ኣሜሪካ ዝነበሮ ኣገልግሎት ምስ ኣብቀዐ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ናብ ቱርኪ ከይዱ፤ ጸኒሑ ድማ ናብ ቻይና ብምኻድ፡ ክሳብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሳን ፍራንሲስኮ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወላ ዕለት ናብ ኣሜሪካ ኣይተመለሰን ነይሩ።
ኣኽባሪት ሕጊ ግዝኣት ዋሽንግተን ቴሳ ጐርማን፡ “ኣባላት ሰራዊትና ንሃገርናን ሕገ መንግስትናን ንምክልኻል ቃለ ማሕላ ፈጺሞም’ዮም።
ብመንጽር እዚ፡ ተግባር ናይዚ ገዲም ኣባል ሰራዊት ኣሜሪካ ዘሰንብድ እዩ። ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክህብ ምፍታኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ውሑሳት መርበባት ኮምፒዩተር ክፍሊ ምክልኻል ሃገርና ክረኽቡ ዝሕግዝ ሓበሬታ እውን’ዩ” ኢላ።
ሽሚት፡ ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣሕሊፍካ ንምሃብ ብምፍታንን ሓበሬታ ምክልኻል እታ ሃገር ብምዕቃብን ተኸሲሱ ኣሎ። ገበነኛ ኰይኑ እንተተረኺቡ ማእሰርቲ ዓሰርተታት ዓመታት ይጽበዮ።