እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ ራብዓይ በራሪ ነገር ሃሪማ ከምዘውደቐት ኣፍሊጣ
ኣሜሪካ ንራብዓይ ግዜ ኣብ ዘካየደቶ ተመሳሳሊ ወተሃደራዊ ስርሒት ካልእ ዘይተፈለጠ በራሪ ነገር ሃሪማ ከም ዘውደቐት ኣፍሊጣ።
ሰራዊት ኣሜሪካ፡ እቶም ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ሰማያት ሰሜን ኣሜሪካ ዝወቕዖም ነገራት እንታይ ከም ዝኾኑን ብኸመይ ከም ዝበርሩን ርግጸኛ ኣይኮነን።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ብሰንበት፡ ካልእ በራሪ ነገር ክህረም ኣዚዙ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እዚ ወርሒ ንራብዓይ ግዜ ይኸውን ኣሎ።
እቲ ዘይተነጸረ ግዛዕ፡ ኣብ 6,100 ሜተር ብራኸ ይበርር ብምንባሩ፡ ምስ ንግዳውያን ነፈርቲ ክጋጮ ተኽእሎ ከም ዝነበሮ ኣሜሪካ ገሊጻ።
ሓደ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ “ናይ ጋዝ ባሉን” ክኸውን ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።
እንተኾነ ግና ካብ ምድሪ ወጻኢ ዝመጸ ኣይከውንን ክበሃል ከም ዘይከኣል'ውን ሓቢሩ።
እዚ ድሒሩ ተሃሪሙ ዝተባሃለን ኣብ ከባቢ ዶብ ካናዳ ኣብ ቀላይ ሁርየን ዝወደቐን በራሪ ነገር፡ ሸሞንተ ኩርናዕ ዝቕርጹ ገመድ ዝተኣሰረሉ ሰብ ኣልቦ በራሪ ነገር ከም ዝነበረ ሰብ መዚ ምክልኻል ገሊጾም።
ሰንበት ሰዓት 2፡42 ድሕሪ ቀትሪ፡ ካብ ነፋሪት ውግእ ኤፍ-16 ብዝተተኮሰ ሚሳይል እዩ ተሃሪሙ።
እዚ ፍጻመ ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ወርሒ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተሃረሙ በረርቲ ነገራት ሕቶ ኣለዓዒሉ ይርከብ።
ኣዛዚ እዚ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ጀነራል ግለን ቫን ሀርክ፡ ዝኾነ ናይ ስግኣት ምልክት ከም ዘይነበረ ሓቢሩ።
“ባሉን ኣይብሎምን እየ። ብገለ ምኽንያት፡ ግዛዕ ነገራት ኢለ ክጽውዖም መሪጸ ኣለኹ፡” ኢሉ።
“እንርእዮም ዘለና፡ ኣዝዮም ኣዝዮም ደቀቕቲ ነገራት ኮይኖም፡ ናብ ራዳር ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ትሑት ምልክት ዝልእኹ እዮም፡” ኢሉ።
እቲ ግዛዕ እንታይ ክኸውን ይኽእል ዝብል ዝርርባት ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ዛዪዱ ኣሎ።
እቶም ነገራት ዘይ መሬታውያን (extra terresterials) እንተኾይኖም ዝተሓተተ ጀነራል ቫንሀርክ “ነዚ፡ ትካላት ስለላን ጸረ ስለላን ከጻርይዎ ክገድፈሎም እየ፡” ኢሉ።
ኣብ ስልያዊ ንጥፈታት ዝተዋፈረ ናይ ቻይና ምዃኑ ዝተጠርጠረ ባሉን ንመዓልታት ኣብ ሰማያት ኣሜሪካ ድሕሪ ምብራሩ፡ ብ4 ለካቲት ኣብ ገማግም ደቡብ ካሮላይና ተሃሪሙ ከም ዝወደቐ ይዝከር። እቲ ባሉን ካብ ቻይና ዝነቐለን ተኣፈፍቲ ቦታታት ንምክትታል ዘገልግል ከም ዝነበረን ሰብ መዚ ይገልጹ።
ቻይና ግና እቲ ባሉን ንስለያ የገልግል ምንባሩ ክትነጽግ እንከላ፡ ናይ ኩነታት ኣየር መከታተሊ ባሉን ምንባሩን፡ ካብ መስመሩ ከም ዝወጸን ገሊጻ። ብድሕሪኡ ዝሰዓበ መግለጺታት ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቤይጂንን ንዝጸንሐ ወጥሪ ኣጋዲድዎ ኣሎ።
ብሰንበት ግና፡ ሓደ በዓልስልጣን ምክልኻል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ እታ ቀዳመይቲ ባሉን ምስ ቤይጂን ከም ዝተዘራረበትን ንመዓልታት ምላሽ ከም ዘይረኸበትን ተዛሪቡ።
ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ፡ ካብ ሽዑ ጀሚረን፡ ሰለስተ ኣብ በሪኽ ዝበርሩ ነገራት ሃሪመን ኣለዋ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ብዓርቢ ሓደ በራሪ ግዛዕ ኣብ ሰሜናዊ ኣላስካ ክህረም ክእዝዝ እንከሎ፡ ብቐዳም’ውን ተመሳሳሊ ነገር ኣብ ዩኮን፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ካናዳ ተሃሪሙ ወዲቑ'ዩ።
ኣሜሪካ ኮነት ካናዳ ነቲ ውዳቕ ንምእራይ ጻዕርታት የካይዳ እኳ እንተሃለዋ፡ ኣብ ኣላስካ ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ተቋሪጹ እዩ።
ኣፈኛ ሃገራዊ ድህነት ዋይት ሃውስ “እዞም ነገራት ካብቲ ናይ 4 ለካቲት ፍልይ ዝበሉን ኣዝዮም ዝነኣሱን እዮም። ነቲ ስብርባር ክሳዕ እንኣርዮ እዚ’ዩ ምባል ኣጸጋሚ እዩ፡” ይብል።