እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ኣብ ክሊ ኣየራ ዝበርር ዘሎ ገዚፍ 'ባሉን' የሻቕላ ኣሎ
ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ክሊ ሰማይ ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ቦታታት ክበርር ዝተራእየ ናይ ቻይና ምዃኑ ዝተጠርጠረ ገዚፍ ባሉን (ሰብ ሰርሖ ፍሕኛ) ብዕቱብ ትከታተል ኣላ።
ሰበስልጣን ምክልኻል እታ ሃገር፡ “እቲ ኣብ ልዑል ብራኸ ዝበርር ዘሎ ባሉን" ናይ ቻይና ምዃኑ ርግጸኛታት ምዃኖም ገሊጾም። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ምዕራባዊት ግዝኣት ሞንታና እዩ ተራእዩ።
ወተሃደራዊ መራሕቲ ግን ኣብ ስክፍታ ሓደጋታት ምውዳቕ ፍርስራስ ስለዝሓደሮም ከይውቃዕ ወሲኖም ኣለዉ።
ቻይና ግን ዛጊድ ርእይቶ ኣይሃበትሉን።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብዛዕባ እቲ ኩነታት መብርሂ ተዋሂብዎ ኣሎ።
እቲ ባሉን ትማሊ ረቡዕ ናብ ልዕሊ ከተማ ቢሊንግስ ሞንታና ቅድሚ ምጽግዑ ኣብ ልዕሊ ደሴታት ኣለውቲያን ኣላስካን ብካናዳን ኣቢሉ ከምዝበረረ ሰበስልጣን ገሊጾም።
ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምክልኻል፡ መንግስቲ እቲ ባሉን ተወቒዑ ክወድቕ ክግበር እንተኣዚዙ ኤፍ-22 ሓዊሱ ነፈርቲ ውግእ ከምዘዳለወ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ምክልኻል ሎይድ ኦስቲንን ኣቦ መንበር ሓባራዊ ሓለፍቲ ስታፍ ኣመሪካ ጀነራል ማርክ ሚሊን ዝርከብዎም ላዕለዎት መራሕቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ትማሊ ረቡዕ ተራኺቦም ነቲ ሓደጋ ገምጊሞም።
ንሳቶም፡ ናይቲ ዝወድቕ ባሉን ፍርስራስ ኣብ ልዕሊ ሰባት ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ስለዘሎ፡ "ተወቒዑ" ከይወድቕ ምዒዶም።
ውሑድ ህዝቢ ዝነብረላ ግዝኣት ሞንታና ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ሰለስተ ስፍራታት 'ኒዩክለራዊ ሚሳይላት' ሓደ ኮይኑ ኣብ መደበር ሓይሊ ኣየር ማልምስትሮም ይርከብ። ሰበስልጣን እታ ሃገር እታ ሰላዪት እትመስል በራሪት ሓበሬታ ንምእካብ ኣብ ልዕሊ ተኣፈፍቲ ቦታታት ትበርር ከምዘላ ገሊጾም።
እቲ በዓል ስልጣን ምክልኻል ግን ሰበስልጣን ኣመሪካ "እዚ ባሉን ኣበይ ከምዘሎን በበይ ከምዝሓልፍን ብልክዕ ስለዝፈልጡ" ንድሕነት ኣሜሪካ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ከቢድ ስግኣት ከምዘየለ ሓቢሩ'ሎ።
ወሲኹ ድማ እቲ ባሎን ካብቲ ነፈርቲ ንግዳዊ መንገዲ ኣየር ዝጥቀማሉ ብራኸ "ኣዝዩ" ልዕል ኢሉ ስለዘሎ ንሲቪላዊ ኣቬሽን እውን ሓደጋ ከምዘይከውን ሓቢሩ።
ኣሜሪካ ነቲ ጉዳይ ኣብ ዋሽንግተ ዲሲ ከምኡ'ውን ኣብ ቤጂንግን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ምስ ሰበስልጣን ቻይና ከምዝተዘራረበትሉ እቲ በዓል ስልጣን ምክልኻል ተዛሪቡ።
ኣብቲ ብሓሙስ ኣብ ፔንታጎን ዝተውሃበ መግለጺ ሰበስልጣን ኣመሪካ እቲ በራሪ ባሉን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣበይ ከምዘሎ ክገልጹ ኣይደለዩን። ብተወሳኺ ብዛዕባ ዓቐን እቲ ባሎን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን።
"እዚ ነገር ኣብ ሰማይ ኣዝዩ ርሑቕ'ኳ እንተሃለወ፡ ፓይለታት ከምዝረኣይዎ ዝሕብር ጸብጻባት ኣሎ" ይብል እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን ምክልኻል።
ስለዚ ‘ኣዝዩ ገዚፍ እዩ ማለት እዩ’ ክብል ግምቱ ኣስፊሩ።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ነፈርቲ ኣብ ዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት ብበዝሒ ከምዝነበሩን እዚ ግን "ኣብዚ እዋን'ዚ ንነዊሕ እዋን ከምዝጸንሐን" ገሊጹ።
እቲ ክስተት ኣብ ሞንታና ንዝርከቡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣደናጊሩዎም ይርከብ።
ገሊኦም ኣብ ሰማይ ልዕል ኢሉ ዝርከብ ጽቡቕ ከቢብ ነገር ብምስሊ ጠቂዖም፤ ካልኦት ድማ ኣብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ኣሜሪካ ከምዝረኣዩን ነቲ ነገር ይከታተልዎ ከምዘለዉን ይሕብሩ።
ሰራሕተኛ ቤት ጽሕፈት ቢሊንግስ ቻይዝ ዶክ ንማዕከን ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣብ ሰማይ ሓደ ዓቢ ጻዕዳ ዓንኬል" ከምዝረኣየን ዝሓሸ ካሜራ ንምርካብ ናብ ገዝኡ ከምዝኸደን ገሊጹ።
"ምናልባት ዘይተፈለጡ በረርቲ ኣካላት (ዩፎ) ክኸውን ይኽእል እዩ ኢለ ሓሲበ ነይረ። ስለዚ ብዝተኻእለኒ መጠን ክስንዶን ብዙሕ ስእልታት ክወስድን ደልየ ኣለኹ" ኢሉ።
ኣብ ኮሚቴ ስለያ ሰኔት ኣባል ዝኾነ ሪፓብሊካን ሴናተር ማርኮ ሩቢዮ ነዚ ቻይና ሰዲዳቶ ዝተብሃለ ባሉን ነቒፉ ኣሎ።
"እቲ ብቤጂንግ ናብ ሃገርና ዘነጻጸረ ስለያ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ብዓቢኡ ዝያዳ ጽዑቕ 'ዩ ነይሩ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ኣመሓዳሪ ሞንታና ግረግ ጂያንፎርተ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብዛዕባ እቲ "ኣዝዩ ዘጨንቕ" ኩነታት መብርሂ ከምዝተዋህቦ ሓቢሩ።
ዳይረክተር ሲኣይኤ ዊልያም፡ በርንስ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ባሉን ዝጠቐሶ ነገር የለን። ንቻይና ግን ኣብዚ እዋን'ዚ ንኣሜሪካ ዘጋጥማ ዘሎ "ዓቢ ጂኦፖለቲካዊ ብድሆ" ክብል ገሊጽዋ።
እቲ ናይ ሰለያ ስራሕ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ክስተት ኣብቲ ዝመጽእ ሰሙን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ቻይና ዝገብሮ ዑደት ወጥሪ ክውስኽ ተኽእሎ ኣሎ።
ሓደ ጸሓፊ ካቢነ ሚኒስተራት ምምሕዳር ባይደን ናብታ ሃገር ዝገብሮ ዑደት ንፈለማ እዋን እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ናብ ቤጂንግ ብምኻድ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ፣ ጉዳይ ታይዋንን ኮቪድ-19ን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝርርብ ከካይድ እዩ።
ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ እውን ክራኸቡ ምዃኖም ፋይናንሻል ታይምስ ትማሊ ሓሙስ ሓቢሩ።