እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰብመዚ ትግራይ ንዝኣሰርዎም ሰልፈኛታት ክፈትሑ ኣምነስቲ ጸዊዑ
ሰብመዚ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ብሰላማዊ ኣገባብ ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ማህረምቲ ማእሰርቲን ከም ዝፈጸሙ ዝገልጽ ጸብጻባት ከም ዘሰንበዶ ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢነትርናሽናል ገሊጹ።
እቶም ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰልፈኛታትን ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ክፈትሑ'ውን እቲ ጉጅለ ጸዊዑ'ሎ።
"ግዝያውያን ሰብመዚ ትግራይ ነቶም ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኩሎም ሰላማውያን ሰልፈኛታት ብህጹጽ ክፈትሑ ንጽውዕ" ።
መራሕቲ ትግራይ ናይ ሰባት መሰላትን ናጽነታት ሓሳብካ ምግላጽን ምትእኽኻብን ከኽብሩ'ውን እቲ ኣብ ትዊተር ዝወጸ መግለጺ ተማሕጺኑ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ሰብመዚ ጸጥታ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ንሓያለ መራሕቲን ኣባላትን ተቓወምቲ ውድባት ዝርከብዎም ሰልፈኛታት እናሃረሙ ክኣስርዎም ከም ዝተራእዩ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣምነስቲ "ኣብ ልዕሊ'ቶም ነቲ ግህሰት ዝፈጸሙ ሰብመዚ ጸጥታ መርመራ" ክፍጸምን፡ እቲ ክልል ካብ ኣዕናዊ ኲናት ኣብ ዝወጸሉ ዘሎ እዋን፡ መሰላት ሰባት ምኽባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
እቶም ውድባት ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢታት ክግበሩ ዝጽውዕ ‘ኪዳን ሱር በቆስ ለውጢ’ ዝተባህለ 38 ጠለባት ዝሓዘ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ኣብ ዝሃቀንሉ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ግና ቅንያት በዓላት ከም ዝኾነ ብምግላጽ እቲ ሰልፊ ከይካየድ ኣዚዙ፡፡
ንመግለጺ እቲ ምምሕዳር ዘይተቐበሉ እቶም ውድባት እቲ ሰልፊ ኣብ ዝተተለመሉ እዋን ንምክያድ ጎስጓስ ኣብ ዘካይዱሉ እዋን፡ መራሕትን ኣባላትን ውድባት ሳወት፣ ባይቶናን ውናትን ብረቡዕ ከም ዝተኣሰሩ ተገሊጹ፡፡
ብሓሙስ ኣብ ህልዉ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ንመራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል መግለጺ ዝሃበ ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር መሰል ከምዝኾነ ብምሕባር፡ እንተኾነ ኣብዚ እዋን ጭቡጥ ናይ ጸጥታ ስግኣት ከምዘሎ ተዛሪቡ፡፡
"ሰላማዊ ሰልፊ ምፍቃድን ምኽልካልን ዝበሃል ከምዘየለን ከፍልጡ ጥራሕ ከምዘልዎምን ምስቶም መራሕቲ እተን ውድባት ተረዳዲእና ኢና፡፡ ሰልፊ ዝግበረሉ ቦታ ምውሳን ግን ናይቶም ፖለቲካዊ ውድባት ስልጣን ኣይኮነን’’ ኢሉ።
ትማሊ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ርእሰከተማ እቲ ክልል ዝኾነት መቐለ ልዑል ሓለዋ ከካይዱ ከምዝወዓሉን፡ ሓያለ ሰባት እናሃረሙ ከምዝኣሰሩን ገለ ነበርትን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቲ ብህወሓት ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ብሰንኪ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታት ነቲ ክልል ከምቲ ዝድለ ክቆጻጸሮ ከምዘይክኣለ ኣቶ ጌታቸው ተኣሚኑ'ሎ።
"'ኣብ ትግራይ መንግስቲ ዘይፈልጦም ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለዉ" ክብል ምእዋኣጁ'ውን መርኣያ ናይዚ ምዃኑ ይግለጽ።
ብዙሓት ተጋሩ እቲ ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብቲ ክልል ፖለቲካዊ ስልጣን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ህወሓት፡ ነቲ ክልል ናብ ኲናት ብምእታውን ተሓታትነት ብዘይምርግጋጹን ይነቕፍዎ።