እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ተኣሲሮም
ላዕለዎት ኣመራርሓ ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ሎሚ ብኣባላት ፀጥታ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተኣሰሩ ተገሊፁ።
ሰብመዚ እቲ ክልል፡ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ንፅባሕ ሓሙስ 2 ጳጉሜን 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ምስ ዝፀውዕኦ ሰልፊ “ኪዳን ንሱር በቆስ ለውጢ” ብዝዛመድ ካብ 05 መስከረም 2023 ጀሚሩ ጐስጓሳት ንዘካይዱ ኣባላት እዘን ውድባትን ላዕለዎት ኣመራርሓን ከም ዝኣሰረን መጠነ ሰፊሕ ምንክልባት ይፍፅም ከም ዘሎን ጥምረት “ኪዳን ንሱር በቆስ ለውጢ” ንቢቢሲ ገሊፁ።
ሓደ ካብ ኣተሓባባሪ እዚ ጥምረትን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ፖለቲካ ባይቶና ዓባይ ትግራይን ኣይተ ዮሴፍ በርሀ፡ ነዚ ዝካየድ ህዝባዊ ሰልፊ ኣመልኪቶም ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝህቡ ዝነበሩ ኣቦ ወንበር ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃያሉ ጐደፋይ፣ ኣቦ ወንበር ውድብ ናፅነት ትግራይ ዶክተር ደጀን መዝገበ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ኣይተ ኪዳነ ኣመነን ኣይተ ክብሮም በርሀን፡ ብሓይልታት ፀጥታ ከም ዝተኣሰሩ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ማእሰርቲ ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣባላትን እዘን እተን ውድባት ፖለቲካ ካብ ትማሊ ሰሉስ 30 መስከረም 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ እዩ ጀሚሩ።
ብሰሉስ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ከተማ መቐለ ጎስጓስ የካይዱ ዝነበሩ ሽድሽተ ኣባላት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ውድብ ናፅነት ትግራይን ባይቶና ዓባይ ትግራይን፡ ከምኡ’ውን ምስኦም ዝነበሩ ዘወርቲ መኪናን ሓገዝቶምን ብኣካላት ፀጥታ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝተኣሰሩ ይፍለጥ።
ትማሊ ኣብታ ከተማ ብመኪና ይገብርዎ ዝነበሩ ጐስጓስ ሰልፊ ብኣካላት ፀጥታ ብምኽልካሎም፡ ሎሚመዓልቲ ብፅሑፋት ወረቓቕቲ ጐስጓስ ክገብሩ ከም ዝተገደዱ ኣይተ ዮሴፍ ገሊጹ። ኣብ ሰዓታት ናይ ንጉሆ ድማ፡ ብወረቓቕቲ ጐስጓስ የካይዱ ዝነበሩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ኣይተ ኪዳነ ኣመነን ኣይተ ተስፋ ሚካኤል ንጉስን ንሰዓታት ከም ዝተኣሰሩ ሓቢሩ።
ንማእሰርቲ ኣይተ ተስፋሚካኤልን ኣይተ ኪዳነን ክሓትቱ ዝኸዱ፡ ኣይተ ሃያሉ ጐደፋይ፣ ዶክተር ደጀን መዝገብን ኣይተ ክብሮም በርሀን እውን ብዝኸድዎ “ንክልተ ሰዓታት ከም ዝተኣሰሩ” ደሓር ከም ዝተፈትሑን ኣረዲኡ።
እቲ ማእሰርቲ በዚ ከም ዘየብቅዐ ዝገልፅ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ኣይተ ዮሴፍ፡ ነዚ ዝካየድ ሰልፊ ስዒቡ ብዛዕባ ዝፍፀም ዘሎ ተደጋጋሚ ማእሰርቲ፣ ምንክልባት፣ ምንግልታዕን እቲ ሰልፊ ንከይካየድ ዝግበር ዘሎ ምትዕንቓፍን ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰለስቲአን ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ከም ዝተኣሰሩ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።
ኣይተ ዮሴፍ፡ “ሃያሉ ጐደፋይ፣ ክብሮም በርሀን፣ ዶክተር ደጀንን ኣብ ቤት-ፅሕፈት ውናት ንሚድያታት መግለፂ ኣብ ዝህብሉ፡ ፖሊስ ብሞተር ይከታተልዎም ነይሮም። እቲ መግለፂ ምስ ወድኡ ኣብ ከባቢ ሰንትራል ስኲር፡ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ምስ በፅሑ፡ ብፖሊስ ኸቢበሞም።
"ካብኡ ንሃያሉ ጐደፋይ፣ ክብሮም በርሀን፣ ዶክተር ደጀንን ኪዳነ ኣመነን፡ ናብ ጣብያ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ወሲዶም ኣሲረሞም” ብምባል፡ እቲ ማእሰርቲ ብፖሊስ እቲ ንትግራይ ይመርሕ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝተፈፀመ ሓቢሩ"።
"ብሰራዊትን ፖሊስን ዘዕለቕለቐት" መቐለ
ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ፡ ውድብ ናፅነት ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ባይቶና ዓባይ ትግራይን፡ ‘ኪዳን ንሱር በቆስ ለውጢ’ ብዝብል ቴማ 2 ጳጉሜን 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ከተማ መቐለ ኣደባባይ ሮማናት ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካይዳ ድሕሪ ምፍላጠን'ዩ እቲ ማእሰርቲ ቀጺሉ ዘሎ።
ጥምረት እዘን ብሄራውያን ውድባት፡ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብዚ ዝካየድ ሰልፊ ኣፍልጦ ክህልዎን ፀጥታዊ ሓለዋ ክገብርን ዘቕረቦ ሕቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ምምሕዳር እታ ከተማ፡ እቲ ሰልፊ ዝካየደሉ ግዘ “እዋን ዓበይቲ በዓላት ሓድሽ ዓመትን መስቀልን ብምዃኑን፡ ካብን ናብን ሰፊሕ ምንቅስቓስ ዝረኣየሉ ስለዝኾነን” ብምባል፡ ኣብ እዋን እቲ ሰልፊ ፀጥታ ክሕልው ከም ዘይኽእል ሓቢሩ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ከተማ መቐለ ካብ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ጀሚራ ብዝሒ ብዘለዎም ሰራዊት፣ ፖሊስን ሲቪል ዝተኸደኑ ኣካላት ደሕንነትን ከም ዘዕለቕለቐትን፡ መጠነ ሰፊሕ ተፍትሽ ይካየድ ከም ዘሎን ምንጭታት ቢቢሲ ካብታ ከተማ ገሊፆም።
ኣብዚ ብብሄራውያን ውድባት ተፀዊዑ ዘሎ ንምስታፍ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅአ ኣይተ ሄኖክ ግደይ፡ ብሰሉስ 30 መስከረም 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ኣብዓላ መስመር ከቢድ ተፍትሽ ከም ዝነበረን ሎሚ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ሰራዊት ከም ዝተዋፈረን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ክንመፅእ እንከለና ብሓይልታት ትግራይ ብከቢድ ተፈቲሽና። ነቲ ሰልፊ ቲ ሸርት ሒዝና ስለዝረኸቡና ግና ኣብ ሰሜን እዝ ን 24 ሰዓታት ኣፅኒሖምና። ካብ ትማሊ ሰዓት 5፡00 ጀሚሮም ድማ ናብ መቐለ ክልተ ኣርሚ ኣእትዮም ኣለዉ። ጥንክር ዝበለ ተፍትሽ ይገብሩ ኣለዉ" ኢሉ።
እቲ ህዝቢ ኣብ ናይ ኵናት ስነ-ልቦና ዝነበረን ዘይተረጋግዐን ስለዝኾነ፡ ራብሻ ከይለዓል ኣብ ስግኣት እዩ ዝርከብ። ‘ንምንታይ እዮም ክስለፉ ፍቓድ ዘይህብዎም?’ ይብል” ብምባል ብዛዕባ ኣብዚ እዋን ዘሎ ኩነታት ሓቢሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ቢቢሲ ፡ ካድረታት ልምዓት ጉጅለ ብኣካላት ፀጥታ ተዓጂቦም ‘ፅባሕ ሓደ ሰብ ካብ ገዛ ከይወፅእ’ ብምባል የጠንቅቑ ከም ዘለዉ ካብ መቐለ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓበሬታ ረኺቡ ኣሎ።
ኣይተ ዮሴፍ፡ እቲ ውጥጥ ተፈጢሩ ዘሎ፡ “ኣብ መንጐ ህዝቢ መረረቱ ከይገልፅ ዓፊኑ ክሕዝ ዝደልይ ጉጅለን እቲ ለውጢ ዝደሊ ክፋል ማሕበረሰብን እዩ። እንተኣሰረ፣ እንተወቕዐን እንተቐተለን፡ ነቲ ናይ ለውጢ ድሌት ኰነ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ የቀላጥፎ’ምበር ንድሕሪት ዝመልሶ ኣይኰነን” ብምባል፡ ህዝባዊ ሰልፊ “ኪዳን ንሱር በቆስ ለውጢ” 02 ጳጉሜን ከም ዝካየድ ሓቢሩ።
እዚ ብሰለስቲአን ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ዝተፀውዐ ህዝባዊ ሰልፊ፡ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ተጋሩ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ተሓገዝቲ ብህፁፅ ክበፅሕ ዝፅውዕ'ዩ። ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጓሓሉ ካብ ተሓታትነት ከየምልጡ'ውን ሓቲቶም ኣለዉ።
ብህወሓት ዝምራሕ ግዝያዊ ምምዳር ትግራይ ደሕንነት ተጋሩ ብዝግባእ ዘይምሕላዉ፣ መሃያ ንሰራሕተኛታትን ንጡረተኛታትን ዘይምኽፋሉን'ውን እቶም ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ይነቕፉ።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ዝካየድ ሰልፊ ቅትለት ተጋሩን ፆታዊ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮን ደው ክብልን ፍትሒ ንኹለን "ዘውዲታት ትግራይ" ዝብሉን ካልኦትን 38 ጠለባት ዝሓዘ እዩ።
ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ባይቶና ኣይተ ዮሴፍ በርሀ’ውን፡ “ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ፡ ናይ ፀጥታ ሓይሊ የብለይን ዝበለ ጉጅለ፡ ሕዚ ግና ሙሉእ ከተማ ካብ ኣንጎሎ ናብ ኣንጎሎ ብሰራዊትን ብፖሊስን እዩ መሊእዎ እዩ ዘሎ። በብሓሙሽተ ደቓይቕ ኣብ ኩሉ ተፍትሽ ኣሎ። ንተመዛበልትን ተጋደልትን ሓዊሱ፡ ሕቶ ኣለዎ ኢሎም ንዝሓሰብዎ ኩሉ ኣብቲ ሰልፊ ከይሳተፍ ይገብሩ ኣለዉ። ብሓፈሻ ኣብታ ከተማ መፍርሒ ኩነታት’ዮም ፈጢሮም ዘለዉ” ኢሉ።
ካብ ቀፅሪ መለስ ከይወፅኡ ዝተኸልከሉ ተጋደልቲ
ብተዛማዲ ዜና ኣብ ዝተፈላለዩ ቀፅርታት ዝርከቡ ጉድኣት ኵናት ተጋደልቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ከይወፅኡ ከም ዝተኸልከሉ ምንጭታት ቢቢሲ ገሊፆም።
ሓይሊ ሰብ ምምሕዳር እቲ ኣብ ኵሓ ዝርከብ መለስ ካምፓስ ኣውጺእዎ ዝተብሃለ መምርሒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተዘርግሐ እንትኾን፡ “ተሓከምቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣገዳሲ ጉዳይ ስለዘሎ ምእታው ምውፃእ ኣይፍቀድን። ባዕሉ ወፂኡ ኣብ ከተማን ዝተፈላለየ ቦታን ዝተረኸበ፡ ንዝገጥሞ ዝኾነ ይኹን ፀገም ባዕሉ ተሓታቲ ይኸውን” ይብል።
ቢቢሲ እዚ ጉዳይ ንምርግጋፅ ኣብ ኵሓ ቀፅሪ መለስ ካምፓስ ናብ ዝርከቡ ጉድኣት ኵናት ተጋደልቲ ትግራይ ብምድዋል፡ መምርሒ ክልከላ ከም ዝወረደ ኣረጋጊፁ እዩ።
ንደሕንነቱ ክንብል ስሙ ዘይንፀርሖ ሓደ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ እዚ ክልከላ “ካብ ትማሊ ከም ዝተጀመረ” ንቢቢሲ ገሊፁ።
“ እቲ መምርሒ ትማሊ ቅድሚ ሰዓት እዩ ወፅዩ። ተነሓናሕቲ ውድባት ንፅባሕ እዮም ሰልፊ ኣዊጆም። በዚ ምኽንያት እዩ ክልከላ ተገይሩ ዘሎ። ጠቕላላ ማንም ሰብ ክንቀሳቐስ የብሉን እዩ ተባሂሉ። ምስቶም ተነሓናሕቲ ውድባት ኣድማ ከይንፈጥር እዮም ከልኪሎምና” ኢሉ።
ኣብ ቀፅሪ መለስ ካምፓስ ዘሎ ኩሉ ጉድኣት ዘጋጠሞ እዩ ዝበለ እዚ ኣባል፡ “ውቑዕ ኣካል ቆፀሮ ሕክምና ስለዘለዎ ካብን ናብን ክዕፆ ኣይምተገበአን። ንሕና ብዘይፈለጥናዮ ክንእገድ የብልናን። መአገዲና ክንፈልጦ ኣለና ዝብል ስምዒት እዩ ኣብቲ ተጋዳላይ ዘሎ” ብምባል ኣብቲ ቀፅሪ ዘሎ ኩነታት ሓቢሩ።
ካልእ ምእንተ ደሕንነቱ ስሙ ዘይንፀርሖ ካልእ ኣባል ድማ፡ ካብታ ከተማ ወፃኢ ዘለዉ ሰራዊት ካብ ምድቦም ከይንቀሳቐሱ ቁፅፅርን ተፍትሽን ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊፁ።
“ ኣብ ከባቢ ወጀራት ዝርከብ ኣርሚ 44 ከይኸይድ ፍቓድ ብምኽላእን ብምፍታሽን ክልከላ ይግበር ኣሎ። ዕላማ እዚ ምኽልካል ግልፂ እኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ሰራዊት ግና ናብ ሰልፊ ከይንሕወስ ምእንታን’ዩ’ እዩ ዝብል። ነዚ ክልከላ እተፈፅም ዘላ ድማ ክፍለ ሰራዊት ዓድዋ እያ ትበሃል” ኢሉ።
በቲ ንኣስታት 50 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ገዛኢ ውድብ ህወሓት ዝተብሓተ ፖለቲካ ትግራይ ቅድሚ ኵናት ትግራይ ኰነ ድሕሪ ኵናት ትግራይ ንተናሓናሕቲ ፖለቲካውያን ጥጡሕ ባይታ ዝህብ ከምዘይኮነ ይግለፅ።
ላዕለዎት ሰብመዚ ገዛኢ ውድብ ህወሓት፡ ድሕሪ ኵናት ትግራይ ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ይጣየሽ ንዝበላ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ፡ "ንህዝባዊ መኸተና ንምትዕንቓፍ ምንቅስቓስ የካይዱ ኣለዉ፣ ገሊኦም ስግግር መንግስቲ ገሊኦም ድማ ስሙር መንግስቲ ይጣየሽ ዝብል ቀይዲ በተኽ ሓሳባት ሒዞም ምንቅስቓስ ካብ ዝጅምሩ ውዒሎም ሓዲሮም ኣለዉ። ህዝቢ ትግራይ ናይዞም ውድባት ዓንቃፋይ ግደ ብትረት ክቃለሶምን ኣደብ ከተትሕዞምን ይግባእ" ብምባል፡ ብወግዒ ከጠንቅቑን ከፈራርሑን ከም ዝፀንሑ ይፍለጥ።