እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቍጠባ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት እንታይ ይመስል ነይሩ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ስነ-ሓሳባዊ ለውጢ ዝተራእዮ ቍጠባዊ ውሳነታት ኣሕሊፉ።
ንነዊሕ እዋን ኣገልግሎት ቴሌኮም ተቘጻጺሩ ዝጸንሐ ብመንግስቲ ዝውነን ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብዚ እዋን ተወዳዳሪ ኣለዎ።
40 ሚእታዊት ብጽሒት ኢትዮ ቴሌኮም ንውልቀ ኣውፈርቲ ንምሻጥ ክልተ ግዜ ጨረታ ቀሪቡ ኣሎ። መንግስቲ 8 ፋብሪካታት ሽኮር ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ'ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ዓዳጊ ኣይረኸበን።
እዚ ውሳነታት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ውልቀ ኣውፈርቲ ኣብ ቍጠባ እታ ሃገር ክሳተፉ ዘለዎ ድሌት ዘርኢ እዩ።
ኣብይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተግባራዊ ዝዀኑ ውሳነታት ናብ ተግባር ብምቕያር ኣብዚ ዓመት ቀጻልን ሱር በተኻዊን ቍጠባዊ ለውጢ ኣምጺኡ’ሎ።
ነዚ ቍጠባዊ ለውጢ ንምትግባር ዝሕግዙ ሕጊታትን ኣዋጃትን ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቡ ገሊኦም ኣጽዲቕዎም ኣሎ። ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ቍጠባዊ ለውጥታት ናእዳን ወቐሳን የተኣናግድ ኣሎ።
ስለዚ ኣብ ዓመተ 2016 [ግ] ዝተርኣዩ ቀንዲ ፍጻመታት ቍጠባ ኢትዮጵያ እንታይ እዮም? እንታይ ጽልዋ ኸ ኣለዎም?
ካብዞም ውሳነታት ሓደ እቲ ቅድሚ ወርሒ መንግስቲ "መደብ ማክሮ ኢኮኖሚክ ሪፎርም" ኢሉ ዝጽውዖ ለውጢ ፖሊሲ እዩ። ኣብዚ ለውጢ ፖሊሲ ካብ ዝተተግበሩ ስጕምትታት ኣብ ዕዳጋ ዝተመስረተ ሸርፊ ወጻኢን ኣብ ወለድ ዝተመስረተ ስርዓት ገንዘባዊ ፖሊሲን ይርከብዎም።
ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ሸርፊ ወጻኢ
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሓምለ ተግባራዊ ዝዀነ "ፕሮግራም ማክሮ ኢኮኖሚ ሪፎርም"፡ ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዕዳጋ ዝተመርኮሰ ገይርዎ።
ድሕሪ እዚ ለውጢ ፖሊሲ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብ22 ሓምለ፡ 2016 ዓ.ም ስርዓት ምሕደራ ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር ከምዘመሓይሾ ኣፍሊጡ። ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ሸርፊ ወጻኢ ሓደ ካብቶም ብፖሊሲ ሪፎርም ዝተኣታተዉ ለውጥታት እዩ።
እዚ ውሳነ፡ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ምስ ኣህጉራዊ ትካላት ፋይናንስ ዘየሰማምዓ ዝነበረ፡ መንግስቲ ዝቈጻጸሮ ሸርፊ ወጻኢ፡ በቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ መጠን ትራንዛክሽን ክውሰን ዝገብር እዩ።
ለውጢ ምሕደራ ሸርፊ ወጻኢ ኣብ ዝተገለጸሉ መዓልቲ ዋጋ ብር ኢትዮጵያ ምስ ዶላር ኣመሪካ ብ30 ሚእታዊ ከምዝነከየ ተገሊጹ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብር ኢትዮጵያ ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ብ57.93 ሚእታዊ ተዳኺሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ውሳነ “ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ሸርፊ ወጻኢ ኣብ መንጐ ቀረብን ጠለብን ዘሎ ዘይምዕሩይነት ሸርፊ ወጻኢ ንምእራም ይሕግዝ" ኢሉ።
ድሕሪ እቲ ጽገና፡ ዋጋ ሸርፊ ወጻኢ ዝውስን ዝነበረ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሓምለ ጀሚሩ ስርሑ ኣብ ክንዲ ተመን ምውጻእ "ኣብ ምርግጋእ ዕዳጋ ዘተኮረ" ኰይኑ'ሎ።
መንግስቲ እዚ ስርዓት ምሕደራ ሸርፊ ወጻኢ ንሰደድ ዘተባብዕን ዕቝር ሸርፊ ወጻኢ ዘሐይልን እዩ ክብል'ኳ እንተገለጸ ሰብ ሞያ ግን ነቲ ውሳነ ክነቕፍዎ ጸኒሖም እዮም።
ክኢላታት ማሕበር ቍጠባ ኢትዮጵያ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ምምዕርራይ ስርዓት ምሕደራ ሸርፊ ወጻኢ፡ ዝቕባበ ዋጋ ከም ዘስዕብ ኣመልኪቱ።
ሰለስተ ምሁራት ቍጠባ ኣብ ዘካየድዎ ሓባራዊ መጽናዕቲ እውን ከምቲ መንግስቲ ዝሓሰቦ ኣብ ሓጺር እዋን ሰደድ ከምዘይውስኽ ኣመልኪቶም።
ምሁር ስነ-ቝጠባ ኣቶ ክቡር ገና “[እቲ ውሳነ] ብር ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ብምድኻም ዋጋ ዶላር እናወሰኸ ስለዝኸይድ ንትካላት ይጐድእ እዩ። እቲ ካብ ደገ ተዓዲጉ ዝኣቱ ኣቕሓ ብባጤራ ወጻኢ ተገዚኡ ስለዝኣቱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣትዩ ምስተፈረየ ንተጠቃሚ ክቐርብ ዘለዎ ዋጋ ክውስኽ ግድን እዩ። እዚ ንዅነታት መነባብሮ ዝያዳ ክዘርግ እዩ ክብል እምነት ኣለኒ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሓድሽ ትሕዝቶ ገንዘባዊ ፖሊሲ
ማዕረ ማዕረኡ'ዚ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ወለድ ዝተመስረተ ሓድሽ ገንዘባዊ ፖሊሲ ዝኣወጀ ኣብ ፈለማ ሓምለ እዩ ነይሩ።
ትሕዝቶ እዚ ፖሊሲ ኣካል ናይቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዘተኣታተዎ ማክሮ ቍጠባዊ ለውጢ እዩ። ሃገራዊ ባንክ ሓድሽ ገንዘባዊ ፖሊሲ ኣብ ዘተኣታተወሉ መግለጺ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ "ትሑትን ርጉእን ኵነታት ዋጋ ንምርግጋጽ ዘመናዊ ፖሊሲ ገንዘብ ንምትግባር ይሰርሕ" ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ካብዞም ስጕምትታት እቲ ቀዳማይ፡ ገንዘባዊ ፖሊሲ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ናብ ወለድ መሰረት ዝገበረ ገንዘባዊ ፖሊሲ ንምስግጋር እዩ።
ሃገራዊ ባንኪ ፖሊሲ ወለድ 15 ሚእታዊት ክኸውን ዝወሰነ ኰይኑ "ከከም ዝቕባበን ፋይናንሳዊ ኵነታትን ልዕል ወይ ትሕት ክብል ከምዝኽእል" ምዃኑ ተጠቒሱ ኣሎ። ብመሰረት ቍጠባዊ ኵነታት ሃገራዊ ባንኪ ኣብ መግለጺኡ ነቲ ወለድ ክኽልሶ ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።
እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ባንክታት ነንሕድሕደን ክወዳደራ ከለዋ ከም መዐቀኒ ይጥቀማሉ።
ካብ ባንክ ናብ ባንክ ዝውሰድ ወለድ ምስቲ ማእከላይ ባንክ ዝህቦ 15 ሚእታዊ ፖሊሲ ወለድ ዘይቃዶ እንተዀይኑ፡ "ሃገራዊ ባንክ ነቲ ኵነታት ንምእራም ምስተን ባንክታት ዝካየድ ንግዳዊ ጨረታ ክጥቀም እዩ" ይብል እቲ መግለጺ።
ሃገራዊ ባንክ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ጨረታ ገንዘባዊ ፖሊሲ ከምዘውጽእ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ መግለጺ እዞም ጨረታታት ዝካየዱ፡ "ሃገራዊ ባንክ ካብ ስርዓተ ባንክታት ዝያዳ ገንዘብ ክእክብ ወይ ድማ ኣብ ህሉው ኵነታት ተመርኲሱ ተወሳኺ ገንዘብ ክለቅቕ ንምፍቃድ'ዩ።"
ንግዲ ችርቻሮ ንኣውፈርቲ ወጻኢ ምኽፋት
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ቦርድ ኢንቨስትመንት፡ ኣውፈርቲ ወጻኢ ኣብ ሰደድ፡ እቶት፡ ጅምላን ችርቻሮን ንግዲ ክሳተፉ ዘኽእል መምርሒ ዘውጽአ ኣብቲ ዝዛዘም ዘሎ ዓመተ 2016 እዩ።
እዞም ዓውድታት ንነዊሕ ዓመታት ንናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ተዓጽዮም’ዮም ነይሮም። እቶም ዓውድታት ንወጻእተኛታት ነጋዶ ምዕጻው፡ "ነቲ ዝድለ ዕላማ ብዝተመጣጠነ ደረጃ ኣዐዊቱ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን" ክብል መንግስቲ ኣዊጁ።
ኣብቲ እዋን ኮሚሽን ወፍሪ ኢትዮጵያን ሚኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትሕብባርን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ኣብቶም ንናይ ደገ ኣውፍረቲ ዝተኣገዱ ዓውድታት ሰፊሕ ተበጻሕነት ኣገልግሎት፡ ጽሬትን ብቕዓትን ጸገማት ኣለው" ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብፊርማኡ ዝጸደቐ መምርሒ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ክሳብ ሕጂ ዝተመዝገበ ውጽኢታት ውሱን'ኳ እንተዀነ፡ ዕላማታት እቲ ፖሊሲ ግን ከምቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ ደረጃ ከምዘይተዓወተ ይሕብር።
በዚ ምኽንያት ድማ ድልየትን ዓቕምን ንዘለዎም ኣውፈርቲ ወጻኢ እቲ ዓውዲ ምኽፋት ከምዘድሊ ይግለጽ።
ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተን ቍጠባ ኢትዮጵያ ብቐረባ ዝከታተልን ክኢላ “እቲ ዓውዲ ንናይ ደገ ኣውፈርቲ ምኽፋት ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ርግጸኛ መፍትሒ ኣይኰነን" ኢሉ።
እቲ ክኢላ ወሲኹ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ንወጻእተኛታት [ኣውፈርቲ] ክፉት ምግባር መፍትሒ ኵሉ ነገር'ዩ ዝብል ኣረኣእያ ኣዝዩ ጸገም ዘለዎ'ዩ" ኢሉ።
'ካብ ዕዳ ናብ ጸጋ?'
ኢትዮጵያ ኣብቲ ንዛዝሞ ዘለና 2016 [ግ] ካብተን ዕዳአን ክኸፍላ ዘይክእላ ሃገራት ተመዲባ ምንባራ ዝዝከር እዩ። ድሕሪ 7 ኣዋርሕ ድማ 13.5 ቢልዮን ዶላር ብሓገዝን ካልእ ኣማራጺታትን ረኺባ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ቦንድ ዓዲጉ ስለዝነበረ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 33 ሚልዮን ዶላር ወለድ ክኸፍል ነይርዎ።
ነዚ ዕዳ መሸጣ ቦንድ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ታሕሳስ 2017 ዓመታዊ ወለድ 6.625 ምኢታዊት ክኸፍል ኣለዎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዋና ልቓሕ ክሳብ ዝምለስ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ነቶም ኣለቃሕቲ ዓመታዊ ወለድ ክኸፍል እዩ።
ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኢትዮጵያ ነዚ ናይ ወለድ ክፍሊት ከምዘይትኸፍል ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኢትዮጵያ ክትከፍሎ ዝግብኣ ወለድ ዘይከፈለት፡ "ንዅሎም ኣለቃሕቲ ብማዕረ ክተተኣናግድ" እምበር ብሰንኪ ሕጽረት ባጤራ ወጻኢ ከምዘይኰነ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።
ኣብቲ እዋን ሚኒስትሪ ፋይናንስ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "[ንዅሎም ኣለቃሕቲ] ብፍትሓዊ ኣገባብ ዘይምትእንጋድ፡ ምስ ካልኦት ናይ ወጻኢ ኣለቃሕቲ ብዛዕባ ዳግመ ውደባ ዕዳ ዝግበር ዘተ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ" ክብል ኣመልኪቱ።
ኢትዮጵያ ብሃገራት ጕጅለ 20 ኣቢላ ዕዳ ናይ ምኽፋል እፎይታ ንምርካብ ዘኽእላ ምይይጥ ጀሚራ እያ። ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ብቻይናን ፈረንሳን ዝምራሕ ክለብ ፓሪስ ኣቢላ ኣብ ስምምዕ ምሽግሻግ ዕዳ በጺሓ ነይራ።
ብመሰረት እዚ ስምምዕ ኢትዮጵያ ንኣለቃሕታ ክትከፍሎ ዘገድድ ልቓሕን ወለድን ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣይክትከፍልን እያ።
እታ ሃገር ንኣለቃሕታ ኣብ ዓመት ክትከፍሎ ዘገድድ 1.5 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዕዳ ንግዚኡ ዝኣሊ እዩ።
ብዘይካ እዚ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዓለምለኸ ትካላት ፋይናንስን ፈተውቲ ሃገራትን “ብመልክዕ ሓገዝ"ን ካልእ ኣማራጺታትን 13.5 ቢልዮን ዶላር ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ።
እዚ ገንዘብ እዚ ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ምሕደራ ንምርግጋእ ዓሊሙ ካብ ዝሓለፈ ሓምለ ጀሚሩ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝትግበር ዘሎ እዩ።