እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ክወረና ዝሓስብ ኣቐዲሙ 10 ግዜ ይሕሰበሉ' ኣብይ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ንሃገሩ ክወርር ዝወጠነ ኣካል ነዚ ቅድሚ ምፍጻሙ "10 ግዜ ክሓስብ" ከምዘለዎ ብምግላጽ ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ከምዝወሃቦ ኣጠንቂቑ።
ዘረባኡ ንስም ዝዀነት ሃገር ዝጠቅስ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ሶማልያን ግብጽን ዘሎ ወጥሪ እናበረኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ ዝብሎ ዘሎ።
ሶማልያ፡ ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ምስታ ንርእሳ ነጻ ሃገር ምዃና ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣብ ጥሪ ዝፈረሞ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ተግባር “መጥቃዕቲ” ክትብል ምግላጻ ይዝከር። ከም ግብረ-መልሲ ድማ ምስ ግብጺ ዘለዋ ወተሃደራዊ ዝምድና ክተጥብቘ ጀሚራ።
ሶማሊላንድ ቅድሚ 30 ዓመታት ካብ ሶማልያ'ኳ እንተተፈለየት ሞቓድሾ ግን ከም ኣካል ግዝኣታ እያ ትቘጽራ።
ግብጺ’ውን ነቲ ኣብ ሩባ ኣባይ (ኒል) ዓቢ ግድብ ንምህናጽ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ዝተወሰነ ውሳነ ምስ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ኣብ ምስሕሓብ ምህላዋ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጐ መንግስታት ካይሮን ሞቓድሾን ወተሃደራዊ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሙ፡ ናብ ሶማልያ ሰራዊት ክትልእኽ መደብ ከምዘለዋ ይግለጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ብሰንበት ‘መዓልቲ ልኡላውነት ኢትዮጵያ’ ኣብ ዝተኸበረሉ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሃገሩ ጎንጺ ንምፍጣር ዝዀነ ውጥን ከምዘይብላ ሓቢሩ’ሎ።
ይዅን እምበር "ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ዘለዉ" ክፈልጥዎ ዝግባእ "ነቶም ክወርሩና ዝፍትኑ ነሕፍሮምን ንምክቶምን ምዃንና እዩ" ኢሉ።
"ንኢትዮጵያ ክወርር ዝሓሰበ ኣካል ሓንሳብ ጥራይ ዘይኮነስ 10 ግዜ ክሓስብ ኣለዎ። ምኽንያቱ ንሕና ኢትዮጵያውያን እንፈልጦ ሓደ ዓቢ ነገር [ከመይ] ነብስና ንከላኸል ዝብል እዩ" ክብል ወሲኹ።
እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፡ ወደብ ንምርካብ ዘኽእላ ስምምዕ ምስ ሶማሊላንድ ምፍርራማ ንሶማልያ ኣቘጢዕዋ’ሎ።
ሶማሊላንድ ብድሕሪ’ቲ ስምምዕ፡ ገለ ክፋል ገማግም ባሕሪ ንሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስሃበት መንግስቲ ኣብይ ድማ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ብምሃብ ፈላማይ ከምዝኸውን ምግላጻ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክልተ ሲ-130 ዝዓይነተን ወተሃደራዊ ነፈርቲ ግብጺ ናብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ድሕሪ ምእታወን ከኣ ወጥሪ እቲ ዞባ ተጋዲዱ’ሎ።
ግብጺ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክሳብ 5 ሽሕ ወተሃደራት ናብቲ ከም ሓድሽ ዝውደብ ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ክትልእኽ መደብ ከምዘለዋ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ካልኦት 5 ሽሕ ወተሃደራት ድማ ብተናጸል ከምእተዋፍር ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብታ ሃገር ጭካነ ዝመልኦ ናዕቢ ዘካይድ ዘሎ ኣልሸባብ ንምምካት ንመንግስቲ ዝሕግዝ ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ 2007 ጀሚሩ ኣብ ሶማልያ ይርከብ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣካል ናይቲ ሓይሊ እኳ እንተዀነ፡ ሶማልያ ግን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክስሕብ ከም ዝግደድ’ያ ኣፍሊጣ።
ግብጺ፡ እታ 85 ሚእታዊት ማያት ፈለግ ኣባይ (ኒል) ዝውሕዘላ ኢትዮጵያ ተህንጾ ዘላ ዓቢ ግድብ፡ ካብቲ ሩባ ንእትረኽቦ ማይ ኣብ ሓደጋ ከምዘውድቘ ብምግላጽ’ያ ትኸስስ።
ህዳሰ ብዝብል ዝጽዋዕ መመንጨወ ጸዓት ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ፕሮጀክት ግድብ ሃይድሮኤሌክትሪክ ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኤሌክትሪክ ንዘለዋ ድልየታት ንምምላእ ኣገዳሲ ገይራ እያ ትርእዮ።