እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማልያ ምስ ‘ታሪኻዊ ጸላኢት’ ተሻሪኻ 'ዘይግቡእ ንጥፈታት' ትፍጽም ኣላ - ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ጎረቤት ሃገር ሶማልያ ምስ ‘ታሪኻዊ ጸላኢት’ ኢትዮጵያ ተሻሪኻ፡ ኣብቲ ዞባ ዘይግቡእ ንጥፈታት ትፍጽም ከምዘላ ወቒሱ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ቀዳም 3 ጳጉሜ 2016 ዓ.ም [ግ] ኣብ ስነ-ስርዓት መበል 47 ዓመት ምምስራት ምብራቕ እዚ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ "እቲ ንልምዓት ኢትዮጵያ ዝዕንቅፍ ዘሎ ታሪኻዊ ጸላኢና፡ ፈታዊ ሶማላውያን መሲሉ ታሪኻዊ ዕላምኡ ንምዕዋት ይንቀሳቐስ ኣሎ" ኢሉ ."
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ መደረኡ ‘ታሪኻዊ ፀላኢ’ ኢትዮጵያ ዝበሎ ሓይሊ ብስሙ ኣይፀርሐን።
እንተዀነ እዚ መደረ ዝስማዕ ዘሎ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተበጽሐ ወተሃደራዊ ስምምዕ ስዒቡ፡ ግብፂ ሰራዊታ ናብ ሞቃድሾ ምስ ሰደደትን ኣብ’ቲ ዞባ ወጥሪ ኣብ ዝነገሰሉን እዋን እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢኣ ኣቢላ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ምውፋር ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ ንህድኣትን ድሕነትን ሶማልያ ኰነ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓደጋ ምዃኑ ገሊጻ።
ግብጺ ብወገና፡ ኣብ ሩባ ኣባይ ኣለኒ እትብሎ ብጽሒት ማይ ንምርግጋጽ፡ "ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምትታት ካብ ምውሳድ ንደሓር ከምዘይትብል" ዘጠንቅቕ ደብዳበ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሰዲዳ ኣላ።
ግብጺ ኣብ ሶማልያ ንዝካየድ መፃኢ ስርሒታት ዓቃብ ሰላም [መተካእታ እቲ ሕዚ ኣብ ባይታ ዘሎ]፡ ሰራዊታ ኣብቲ ከባቢ ከተዋፍር ዘቕረበቶ ሕቶ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃን በታ ሃገርን ተቐባልነት ምርካቡ፡ ንኢትዮጵያን ርእሰ-ምሕደራ ንዘርኣወጀት ሶማሊላንድን ሕማም ርአሲ ኰይኑ ኣሎ።
ክልቲአን ሃገራት ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ በሪ ዘውህብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ሰነድ-ሓበራዊ-መረዳድኢ ምፍርራመን ስዒቡ፡ ኣብ መንጐ ኣዲስ ኣበባን መቋዲሾን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪታት እናሓየለ መፂኡ ኣሎ።
እዚ ክስተት ብወገኑ፡ ነታ ብፍላይ ምስ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ተኣሳሲሩ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ቅርሕንቲ ዝፀንሐት ግብፂ፡ ናብቲ ዞባ ጐቲቱ ዘምፀአ ይመስል።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፤ ኣብ ታሪኽ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየዱ ኲናታት ብምዘኽኻር፡ "ንሶማልያ ዘመሓድሩ መራሕቲ ንጸላእቲ ኢትዮጵያ ካብ ርሑቕ እናጐተቱ፡ እቶም ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት እናተዋግኡ ክነብሩ የደልዩ” ክብል ወቒሱ።
ብርሃኑ ጁላ፡ ሰበስልጣን ሶማልያ "ናይ ምስፍሕፋሕ ፖሊስ ንምትግባር" ተደጋጋሚ ጻዕሪ ወራር ከም ዝፈሸለ፡ እዚ ድማ ነታ ሃገር ‘ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ዕንክሊል’ ክትኣቱ ከምዝገበራ ተዛሪቡ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዝተዳኸመ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ንምድጋፍን ኣንጻር ግብረሽበራውያን ጉጅለታት ንምቅላስን ሰራዊታ ናብ ሶማልያ ከምዝሰደደት ኣዘኻኺሩ።
"ነቲ ህይወቱ ኣንጻር ግብረሽበራዊ ዝተቓለሰ ሰራዊት ‘ሰራዊት ጸላኢ’ ኢሎም ክኹንኑ ክትሰምዕ ግን ዘሕፍር'ዩ"።
"ብጌጋ ስልሒት፡ ኣብ ምትንዃይ እንተተዋፊሮም፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ክንስዕሮም ድልውነትና ብዝለዓለ ደረጃ ከነሐይል ክላቦ እፈቱ" ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ መንጐ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ‘ኲናት’ ዘስምዕ ቃላት እናተመላለሱ ዝቐነዩ ዀይኖም፡ እዚ ኢታማጆር ሹም ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ምብራቕ ኣንፈት- ኣብ ከተማ ሃርር ዘስመዖ መደረ እቲ ወጥሪ እናኸረረ ይኸይድ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።