ወተሃደራዊ ሽርክና ግብጽን ሶማልያን፡ ስለምንታይ’ዩ ንኢትዮጵያ ድቃስ ዝኸልኣ?

ግብፂ ናብ ሶማልያ ብኽልተ ነፈርቲ ኣጽዋር ውግእ ምልኣኻ ስዒቡ፡ ኣብቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪ ነጊሱ’ሎ።

ኣብ መንጎ ግብጽን ሶማልያን ዝተኸተመ ወተሃደራዊ ስምምዕ ስዒቡ እዩ፡ ብሰሉስ 21 ነሓሰ 2016 ዓ.ም [ግ] ክልተ ኣጽዋር ዝጸዓና ሲ-130 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቃድሾ ኣትየን።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝዛዘም፡ ኣብ ሶማልያ ንዝካየድ መሰጋገሪ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ (ATMIS) ዝትክእ ሓድሽ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት 10 ሽሕ ሰራዊት ግብጺ ከዋፍር መደብ ኣሎ።

ምስ ሶማልያ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ንዘላ ኢትዮጵያ፡ እዚ ምዕባለታት ድቃስ ዝኸልእ ኰይኑ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፡ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳራት ከምዘለዎ ዝንገረሉ ኣልሸባብ ንምምካት ንዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ቀንዲ መሻርኽቲ ሶማልያ ኮይና እያ ጸኒሓ።

ኢትዮጵያ፡ ንወተሃደራዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ስዒቡ፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዘርግ ስጉምትታት ስቕ ኢላ ከምዘይትሪኦ ኣፍሊጣ ኣላ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ሶማልያ "ምስቶም እዚ ዞባ ከይረጋጋ ዝደልዩ ሓይልታት ደገ ሓቢሩ ይሰርሕ ኣሎ" ክትብል ከሲሳ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማልያ፡ ንመግለጺ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ኩሉ ሰብ ዝዘርኦ ይዓጽድ፡ ኢትዮጵያ ድማ ኣውያት ደው ከተብል ኣለዋ" ኢሉ።

እዚ ድማ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣዝዩ ምንቁልቋሉ ዘመልክት እዩ።

ኢትዮጵያን ሶማልያን ንምንታይ ኣብ ግጭት ኣለዋ?

ኣብ 1991፡ ኤርትራ ብወግዒ ሃገር ምስ ኮነት፡ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር'ያ ኮይና።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ምስታ ናጻ ሃገር ምዃና ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ 20 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ን50 ዓመታት ንምክራይን፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽን ስምምዕ ፈሪሙ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ብወገና፡ ኣብ ዓለም ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ዝሃበት ቀዳመይቲ ሃገር ክትከውን ምዃና ሰበስልጣን ሶማሊላንድ ይገልፁ።

ሶማሊላንድ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ካብ ሶማልያ ተፈልያ እኳ እንተሃለወት፡ ናጽነታ ግን ብሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ኣይረኸበን።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ከም ዝህቡ ብወግዒ ኣይገለጹን፡ ኣብ ክንድኡ ንከም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ ኣፍረቲ ትካላት ብርኪ ክንህብ ኢና ኢሎም ኣለዉ።

እዚ ስምምዕ፡ ነታ ንሶማሊላንድ ከም ኣካል ግዝኣታ እትቖጽራ ሶማልያ ኣቘጢዑ ይርከብ።

ተንታኒ ፖለቲካ ጆናታን ፈንቶን ሃርቪ፡ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ብኸምዚ ኣገባብ ኣፍልጦ ምሃባ፡ ካልኦት ሃገራት'ውን ኣፍልጦ ዝህባሉ መንገዲ ክኸፍት ከምዝኽእል ሻቕሎት ፈጢሩሎም ኣሎ ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ናይ ሰደድ ንግዲ ምስ ጅቡቲ ንዓመታት ክትሰርሕ ዝፀንሐት ኰይና፡ ጅቡቲ ንቁጠበኣ ክፀልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ከምዘለዋ’ውን ተንተንቲ ይፈልፁ።

ኣብቲ ዞባ ዘሎ ወጥሪ ንምቅላል፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ 100% ክትጥቀመሉ ክፈቅድ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።

ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ንቢቢሲ ፎከስ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ወደብ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ 100 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ወደብ ታጆራ ክኸውን'ዩ" ኢሉ።

ቅድም ክብል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ጅቡቲ፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ክትህብ ተሓቲታ ድልውቲ ከምዘይኰነት ገሊፁ እዩ።

ሶማልያ፡ ምስ ሶማሊላንድ ዝተገብረ ስምምዕ ክሳብ ዘይፈረሰ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ንምቅላል ብሽምግልና ቱርኪ ዝተገብረ ክልተ ዙርያ ድርድር ዛጊድ ውፅኢታዊ ኣይኰነን።

ምትእትታው ግብፂ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ስግኣት

ሶማልያ፡ ምስታ ብሰንኪ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቅርሕንቲ ዘላ ግብፂ ወተሃደራዊ ስምምዕ ምእታዋ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ንመሰጋገሪ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ (ATMIS) ዝትክእ ሓዱሽ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጣ።

ኢትዮጵያ ንሓያሎ ዓመታት ሰራዊታ ዘበርከተትሉ መሰጋገሪ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ (ATMIS) ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ ተልእኾኡ ከምዝዛዘምን ኩነታት ጸጥታ ንመንግስቲ ሶማልያ ከምዘረከቦን ተገሊጹ።

ይኹን’ምበር ኣብ ሶማልያ ጸጥታዊ ክፍተት ከይፍጠር፡ ገለ ሃገራት ካብ 10 ሽሕ ዘይበዝሕ ወተሃደራት፡ ልዑል ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ክዋፈር ምዃነን ይጥቀስ።

ሶማሊያ፡ ኣሽሓት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ቅድሚ ምዝዛም እቲ ተልእኾ ሰላም ክወፅኡ ምዃኖም ኣብ መግለጺታታ ኣፍሊጣ ምህላዋ ዝዝከር እዩ።

ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝኣተወቶ ናይ ባሕሪ ርክብ ስምምዕ እንተዘይሰሪዛቶ፡ ኩሎም ኣብ ትሕቲ መሰጋገሪ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃን ክልተኣዊ ስምምዕን ዓስኪሮም ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ከምዝወጹ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝሓለፈ ሰሙን ኣጠንቂቑ።

ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ኣትሚስ ኣስታት 3 ሽሕ ወተሃደራት፣ ምስ ሶማልያ ብዝገበረቶ ክልተኣዊ ስምምዕ ድማ ክሳብ 7 ሽሕ ወተሃደራት ኣብታ ሃገር ኣዋፊራ ኣላ።

ንሓያሎ ዓመታት ንጸጥታ ሶማልያ ሰራዊት ዘዋፈርት ኢትዮጵያ፡ እታ ሃገር ነቲ ዝኸፈለቶ መስዋእቲ ዘነኣእስ ተግባር ከምዝዀነ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ፡ እታ ሃገር ንመጥቃዕቲ ጅሃዳውያን ተቓላዓይ ከምዝገብራ ኣብ ትካል ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ተመራማሪ ክሪስቶፈር ሆክኒ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ወሲኹ ድማ ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ሶማልያ ክወፍር ተሓሲቡ ዘሎ ሰራዊት ግብጺ፡ ንኢትዮጵያ ስግኣት ከምዝፈጥር ሓቢሩ።

ግብጺ ዓቢ ግድብ ህዳሴ ከም ናይ ህላወ ሓደጋ ከም እትርእዮ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ እንከላ፡ ሃገራዊ ጸጥታ ኣብ ሓደጋ እንተወዲቑ "ስጉምትታት" ከም እትወስድ ኣቐዲማ ኣጠንቂቓ ነይራ።

ንግብፅን ኢትዮጵያን ዘተፋንን ዘሎ ግድብ

ህንፀት እቲ ግድብ ካብ ዝምስረት ኣትሒዛ ክትቃወም ዝፀንሐት ግብፂ፣ ኢትዮጵያ ንረብሓን መሰልን ታሕተዎት ሃገራትን ድሕንነት ማይን ኣብ ግምት ከየእተዎት ትንቀሳቐስ ኣላ ክትብል ትኸስስ።

ግብጺ፡ ካብቲ ክትረኽቦ ዝፀንሓት መጠን ማይ ብ2 ሚእታዊት እንተነክዩ፡ ኣስታት 81 ሽሕ ሄክታር መስኖ ዝለምዕ መሬት ክትስእን ከምእትኽእል ትዛረብ።

ኣስታት 86 ሚእታዊት ንማይ ሩባ ኣባይ እገተዋፅእ ኢትዮጵያ፡ እቲ ግድብ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕጽረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምምላእን 60 ሚእታዊት ህዝባ ንምርባሕን ከምዘድልያ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ምምላእ ማይን ዓመታዊ ደረጃ ማይ ዓቢ ግድብ ህዳሰን ዝተኻየደ ስሉሳዊ ድርድር፡ ዛጊድ ውፅኢት ኣየምፀአን።

እቲ ናይ መወዳእታ ዘተ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይዚ ዓመት’ዚ እዩ ተኻይዱ።

ወጥሪ እተን ሃገራት ክሳብ ክንደይ ዘሻቕል እዩ?

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ግብጽን ሶማልን ዝተገብረ ወተሃደራዊ ስምምዕ "ታሪኻዊ" ክብል ገሊጽዎ።

ምናልባት ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ንኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ከም ስግኣት እትርእያ ግብጺ፡ ነዚ ከም ፅቡቕ ዕድል ክትምዝምዞ ትኽእል እያ።

ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኢንተርናሽናል ኢንስቲትዩት ስትራቴጂካዊ መፅናዕቲ ቀርኒ ሓሰን ካነንጀ፡ ብሰንኪ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምስ ወተሃደራዊ ስምምዕ ግብፅን ሶማልያን ናብ ግጭት ከስዕብ ከምዝኽእል ገሊፁ።

ብተወሳኺ ሰራዊት ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ዶብ ሶማልያ ጐፍንጓፍ እንተተራኺቦም ናብ "ግጭት" ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ይዛረቡ።

ብኣንጻሩ ሶማሊላንድ፡ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ ኣብ ጎድና ደው ከምዘይትብል ኣፍሊጣ ኣላ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ ምውፋሩ፡ ንምርግጋእን ጸጥታን ሶማልያን መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘተሓሳስብ እዩ ኢሉ።

ኢትዮጵያ፡ ንዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ኲናት ንሕድሕዳ ተረግሩጋ ከም ዝፀንሐት ይዝከር።

ሶማልያ ገና ካብቲ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ ትሓዊ ኣላ፡ እንተኾነ ግን ማእከላይ መንግስቲ ገና ምስ ኣልሸባብ ይጋጮ ኣሎ።

ብመሰረት ተንተንቲ፡ ክልቲአን ሃገራት ካልእ ኲናት ክገብራ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ኣይኰናን።

ዶክተር ካነንጀ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ግጭት እንተተፈጢሩ፡ ካልኦት ተዋሳእቲ ብምስሓብ ንዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝያዳ ክበትዖን ኣህጉራዊ ንግዲ ክጸልዎን ከምዝኽእል ይገልጽ።

ኣብ ዓመት ብውሕዱ 17 ሽሕ መራኽብ ብካናል ሱዌዝ ይሓልፋ፡ እዚ ማለት ድማ 12 ሚእታዊት ናይቲ ብቐይሕ ባሕሪ ዝኸይድ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ዝግመት ንግዳዊ መስመር ዓለም ማለት ምዃኑ መረዳእታ ይሕብር።

ብተወሳኺ ከም በዓል ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቱርኪን ዝኣመሰላ ሃገራት ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ሽርክነት ብምፍጣር ዓብላልነት ክረኽባ ይጽዕራ ኣለዋ።

ቱርኪን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ክልቲአን ሃገራት ንምዕራቕን ኣብ ስምምዕ ዝበጽሕሉ መንገዲ ንምስራሕን ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ይርከባ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ወደብ በርበራ ሶማሊላንድ ብዙሕ ወፍሪ ዝገበረት ኰይና፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ድማ ፅልዋ ክትፈጥር ትኽእል እያ።