እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ ንወደብ ታጁራ ከተማሓድሮ ጅቡቲ ከም ኣማራጺ ኣቕራባ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጅቡቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ወጥሪ ንምቅላል፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ከተመሓድር ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ ከምዘላ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ምስ ቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ ፍሉይ ቃለ መሕትት፡ ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ መውፅኢ ንኽህልዋ፡ ሃገሩ ሓንቲ ካብ ወደባታ "ምሉእ ብምሉእ ከተመሓድር" ኣማራጺ ከምዘቕረበት ገሊጹ።
እቲ ኢትዮጵያ ከተማሓድሮ ከም ኣማራጺ ዝቐረበ ወደብ ታጁራ፤ ካብ ዶብ ኢትዮጵያን ጅቡትን 100 ከሎሜተር ጥራይ ርሒቑ ከም ዝርከብ ኣነጺሩ።
ኢትዮጵያ ምስታ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር እትጽውዕ ሶማሊላንድ ኣፍደገ ወደብ ክትረክብ ዘኽእል ውዕል ድሕሪ ምኽታማ ኣብ ሞንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ነጊሱ ከምዘሎ ይንገር።
ጅቡቲ ነዚ ዘሎ ወጥሪ ንምቕራፍ ነዚ ሓሳብ ከም ፍታሕ ከምዘበገሰቶ’ውን ሚኒስተር ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣነጺሩ።
ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ጅቡቲ ዝርከብ ወደብ ምሉእ ንምሉእ ከተማሓድሮ ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገለ ንኢትዮጵያ ሓሳብ ከምዘቕረበላ እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ እቲ ጅቡቲ ዘቕረበቶ ሕቶ ንመንን መዓስ ከምዝኾነን፡ ጅቡቲ ብምንታይ ቕድመ ኵነተ ነዚ ሓሳብ ከምዘቕረበቶ እቲ ሚኒስተር ኣይገለጸን።
ኢትዮጵያ’ውን ንወደብ ጅቡቲ ከተመሓድር ሕቶ ይቕረበላ ኣይቕረላ ዝኾነ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።
ይኹን’ምበር ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ቻይናን ኣፍሪቃን ብዛዕባ’ቲ እማመ ክልቲኦም መራሕቲ ክመያየጥሉ ዝኽእልሉ ዕድል ከምዝህሉ እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ብ90 ሚልዮን ዶላር ዝተሃነጸ ወደብ ታጁራ ካብ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ጀሚራ ክትጥቀመሉ ምጽናሓ ሰነዳት ይገልጹ።
ኣብ ክልል ዓፋር ዝዕደን ቢልዮናት ቶን ዝግመት ፖታሽ፡ ከምኡ’ውን ከሰልን ሓጺንን ብወደብ ታጁራ ኣቢሉ ናብ ወጻኢ ከምዝስደድ ይዝረብ።
ብፍላይ ካብ ወደብ ታጁራ ክሳብ ከተማ ቤልሆ ዝወስድ 120 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ መንገዲ ብ156 ሚልዮን ዶላር ዝተሃንጸ ምቹች ጽርግያ፡ ንተሽከርከርቲ ተመራጺ ምዃኑ ኣብ እዋኑ ተነጊሩ ነይሩ።
እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር እናኸፈልት’ያ ብወደብ ጅቡቲ ኣግልግሎት ትረክብ።
ኢትዮጵያ ንንግዳዊ መተሓላለፊ ወደብ ክትረክብን ሓይሊ ባሕራ ከተሐይልን ካብ ዘለዋ ድሌት ብዝብገስ ምስ ሶማሊላንድ ውድል ድሕሪ ምኽታማ ምስ ሶማልያ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ኣእትዩዋ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ኣብቲ ምእስ ቢቢሲ ዝገበሮ ፍሉይ ቃለ መሕተት፡ እዘን ኣብ ወጥሪ ዝርከባ ክልቲአን ሃገራት ፍልልየን ብዘተ ዝፈትሓሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ ኢሉ።
ጅቡቲ፣ ኬንያን ካልኦት ሃገራት እዚ ዞባን ነቲ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ምህዳእ ግደአን ክጻወታ ከምዝኽእላ’ውን እቲ ምኒስተር ኣመልኪቱ።
ፍልልያቶም ልኡላውነት ክልቲኤን ሃገራት ብዘኽብር መንገዲ ክፍታሕ ከምዝግባእ’ውን ኣስሚርሉ።
ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ነቲ ዞባ ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ዝበለ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ኣብዚ እዋን ብዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ የመን ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ባብ ኤል መንደብን ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት የጋጥሞም ከምዘሎ ሓቢሩ።
ጅቡቲ ርግእቲ ሃገር'ኳ እንተኾነት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ወጥሪ እንተዘይተፈቲሑ ንዓኣ’ውን ቅሳነት ዝህብ ከምዘይኮነ እቲ ሚኒስተር ስግኣቱ ገሊጹ።
ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ካብ ዘጋድድ መግለጽን ቃላትን ክቑጠባ’ውን ማዕድኡ ለጊሱ።
ብሰንኪ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ክትካታዕ ዝጸንሐት ግብጺ ምስ ሶማል ወተሃደራዊ ምትሕብባር ስምምዕ ብምፍራማ ንኢትዮጵያ ኣብ ስግኣት ሸሚምዋ ይርከብ።
ግብጺ ናብ ሶማልያ ብኽልተ ነፈርቲ ውግእ ኣጽዋር ምልኣኸን ስዒቡ ኢትዮጵያ ዘይዕገበታ ገሊጻ’ያ።
ብወተሃደራዊ ምትሕብባር ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሓደጋ ዝወደቐት ኢትዮጵያ፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕማስ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምትታት ስቕ ኢላ ከምዘይትዕዘብ ምግላጻ’ውን ይዝከር።
ብተወሳኺ መንግስቲ ሶማልያ "ምስቶም ነቲ ዞባ ክሕምሱ ዝደልዩ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ይሰርሕ ኣሎ" ክትብል ከሲሳ።
ኢትዮጵያ፡ ምስታ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ 20 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ክትረክብ ዝተፈራረመትሉ ስምምዕ ንሶማልያ ኣዝዩ ኣቖጢዑን ኣብቲ ዞባ ዓቢ ወጥሪ ምፍጣሩን ዝዝከር’ዩ።
ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ካብ ምቁራጽ ብተወሳኺ፡ ነቲ ጉዳይ ወራርን መግሃስ ልኡላውነትን’ዩ ብምባል ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ወሲዳቶ እያ።