እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህጻናት ኢትዮጵያ፡ ተዘክሮኦም ኣብ ግጭት ብስእሊ ይገልጹ
እዮብ መርጊያ፡ ብሰንኪ'ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ግጭታት ተመዛቢሎም፡ ደብረብርሃን ኣብ ዘለዉ ግዜያዊ መዓስከራት ዝነብሩ ዘለው ህጻናት፡ “ገዛና ኣበይ እዩ?” ብዝብል ሓሳብ ተዘክሮታቶም ንኽነግርዎን ብስእሊ ንኽገልጹን ሓቲቱ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ሕድሕድን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተኻየዱ ግጭታትን ዘስካሕክሑ ነገራት ተፈጺሞም እዮም።
ኣብ አሜሪካ ዝነብር እዮብ፡ እቲ ህጻናት ዝሰኣልዎም ልዕሊ 900 ስእልታት ዝሓዘ ፕሮጀክት፡ ንቐጻሊ ኣብ ዝገብሮ መጽናዕቲ እታው ከምዝኾኖ ይሕብር።
እቶም ህጻናት ካብ ዝሰኣልዎም ስእልታት እቲ ሓደ፡ ዕጡቓት ንሓንቲ ኣደ ክቐትልዋ ከለዉ ደው ኢሎም ዝዕዘቡ ህጻናት የርኢ።
ኣብዚ ፕሮጀክት ካብ ዝተሳተፉ ህጻናት ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብ ወለጋ ዝተመዛበሉ እዮም።
እዮብ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሕድሕድ ዝምልከት'ውን ተመሳሳሊ ፕሮጀክት ኣካይዱ ነይሩ።
ንሱ፡ “እዞም ህጻናት ገዛኦም ክቃጸል ከምኡ’ውን ወለዶም፡ ኣዝማዶምን ጐረባብቶምን ክቕተሉ፡ ክጠምዩን ክመዛበሉን ዝረኣዩ እዮም” ይብል።
“እቶም ህጻናት ዝሰኣልዎም ስእልታት፡ ቋንቛ፡ ፖለቲካ፡ ማሕበራውን ባህላውን ደረታት ዝሓለፉ እዮም። እዞም ስእልታት ናብ ገዛእ ርእስና ንኽንምለስ ዕድል ከምዝህቡና ይሓስብ” ክብል ተስፋኡ ይገልጽ።
ወሲኹ፡ እቶም ህጻናት ንዝሰኣልዎም ስእልታት ብምርኣይ ብናይ ምዝካር ክእለቶም ከምዝተገረመ ይሕብር።
ኣብ ከተማ ደብረብርሃን ተወሊዱ ዝዓበየ እዮብ፡ ኣብቶም መዓስከራት ዝነብሩ ልዕሊ 45 ሽሕ ተመዛበልቲ፡ ዝስተ ማይ፡ ሕክምናን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባትን ከምዘይብሎም ብምግላጽ በቲ ኵነታት ከምዝሓዘነን ይዛረብ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ እቶም ህጻናት ብዝተፈላለዩ ሕማማት ዝተሃሰዩ እዮም። ስለዝዀነ’ውን ምስ ቤተሰቡን ፈተውቱን ብምትሕብባር ዝከኣሎ ሓገዝ ኣወፍዩ'ሎ።
“ንሕና፡ ሓገግቲ፡ ወሰንቲን መራሕትን ካብቶም ህጻናት ትምህርቲ ክንወስድ ይግባእ” ብምባል ስነጥበብ ሰባት ኣብ እዋን ኲናት ዘሕልፍዎ ላዕልን ታሕቲን ዝገልጽሉ ሓደ መገዲ ከምዝዀነ ይሕብር።
ገሊኦም ንፕሮፖጋንዳ ዘውዕልዎ'ኳ እንተዀነ፡ እዞም ህጻናት ግን ዝረኣይዎን ዝተሰምዖም ስምዒትን እዮም ገሊጾምሉ።
እዮብ፡ እቶም ህጻናት ዝሰኣልዎም ስእሊታት ኣብ ላስ ቬጋስ ከምኡ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ህዝባዊ ምርኢት ንምቕራብ ቅድመ-ምድላው ኣብ ምግባር ይርከብ።
ነቲ ፕሮጀክት ዝምልከት ዶክመንታሪ ፊልም፡ ኣብ ጳጉሜን ናብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሂዩማን ራይትስ ዋች፡ ከምኡ’ውን ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘቕርብ ንቢቢሲ ገሊጹ’ሎ።