እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢሮብ እንታይ ትመስል?
ነዞም ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ትግራይ፡ ኣብ ከባብታት ኢሮብ ዝተስኣሉ ስእልታት ተኣንገዱ።
ዳውሃን: ማእኸል ከተማ ወረዳ ኢሮብ እያ። ትርጉም ስያመኣ ድማ፡ ዳው (ድምፂ) ሃን (ፀባ) ማለት እዩ።
ኣብ ከተማ ዓሊቴና ዝርከብ፡ ዝኽሪ ቅርፂ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ። ጣልያናዊ ኣቡነ ያዕቆብ፡ ብ 1837 ዓ.ም ኣብ ዓሊቴና ቤት ትምህርቲ ቁምስና ዘካተተ ገዳም ዝሃነፁ ሃይማኖታዊ ኣቦ እዮም።
ንፈለማ እዋን ብካቶሊካውያን ፈለስቲ ዝኣተወ ተኽሊ በለስ ዝተተኸለሉ ከባቢ ዓሊቴና
ኣብ ቤተ መጽሓፍቲ ቤት ትምህርቲ ልደታ ማርያም ዓሊቴና፡ ብ 23 ቋንቋታት ዝተሰናድኡ መጽሓፍቲ ይርከቡ።
ኣብ ወረዳ ኢሮብ ጥቓ ዳውሃን ብስዊዘርላንዳዊ ገባር ሰናይ ዶ/ር ብሩኖ ዝተሃነፀ ግድብ ዓሳቦል
ኣብ ኢሮብ ነቲ ሓፅቢ ብዝሃነፁ ዶ/ር ብሩኖ ዝውነን ዓሳቦል መዕረፊ ኣጋይሽ (ሎጅ)
ኣብ ቤት ትምህርቲ ልደታ ማርያም ዓሊቴና ዝርከቡን ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀሩን ናውቲ ዘበናዊ ሙዚቃ (ትራምፔትን ፒያኖን)
ብጣልያናዊ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ብ1837 ዓ.ም ብዘይ ጭቃን ስሚንቶን ብእምኒ ጥራሕ ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ልደታ ማርያም ዓሊቴና።