እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍራዪ ኣይፎን ፎክስኮን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ከፍሪ እዩ
ምሕርፋፍ ርክብ ኣሜሪካን ቻይናን ዘሻቐሎ ኣፍራዪ ኣይፎን ኩባንያ ፎክስኮን፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ምፍራይ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኩባንያ የንግ ሊዩ፡ እቲ ዝመርሖ ኩባንያ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተታት ዓመታት ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ናብ ምፍራይ ከም ዝዓቢ ኣፍሊጡ።
የንግ ሊዩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እዚ ኩባንያ ታይዋን፡ ምሕርፋፍ ርክብ ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ንዘምጽኦ ሳዕቤን ንርእሱ ከዳሉ ኣለዎ ኢሉ።
እቲ ወዲ 67 ዓመት ሓላፊ ኩባንያ ፎክስኮን፡ “መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ንሰላምን ምርግጋእን ቀዳምነት ክህቡ ነተስፉ” ኢሉ።
እንተዀነ ከም ዋና ኣካያዲ ስራሕ ንግዳዊ ትካል፡ “ዝኸፍአ ነገር እንተጋጢሙ’ኸ ኢለ ክሓስብ ኣለኒ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ፡ ቻይና ነታ ኣካል ግዝኣተይ እያ ኢላ ትሓስባ ታይዋን ካብ ዓለም ዓጺኻ ምጽናሕ ከጋጥሙ ካብ መንጐ ዝኽእሉ ሓደ ሕማቕ ፍፃመ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል።
ንሱ፡ “መደብ ቀጻልነት ስራሕቲ ንግዲ” ብዝምልከት ኩባንያ ፎክስኮን ምስ ፍርያቱ ዝዛመዱ ምሽጥራዊ ሰነዳት ካብ ቻይና፡ ናብ ሜክሲኮን ቬትናምን የግዕዝ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብ 1974 [ኣ ኣ] ዝተመስረተ ፎክስኮን ወይ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ሆን ሃይ፡ ዓመታዊ 200 ቢልየን ዳላር ብምርካብ፡ ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዉ ገዘፍቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ’ዩ።
ፍርያታት ኣፕል ዝኾኑ ሞባይላት ኣይፎን፡ ኮምፒዩተራት ኣይማክ ብምፍራይ ዝፍለጥ እዚ ኩባንያ፡ ምስ ማይክሮሶፍት፡ ሶኒ፡ ዴልን ኣማዞንን እውን ሓቢሩ ይሰርሕ።
ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ታይዋን መደበሩ ገይሩ፣ ፍርያታቱ ኣብ ኣሜሪካ ዲዛይን ብምግባር፡ ኣብ ቻይና ኣፍርይዪ ናብ መላእ ዕዳጋ ዓለም ከቕርብ ጸኒሑ።
ይዅን’ምበር ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጆ፡ ርክብ ዋሽንግተንን ቤይጂንን ድሕሪ ምሕርፋፉ፡ ኣብ መዋጥር እዩ ጸኒሑ።
ኣብ ንግዳዊ ኵናት ዝኣተዋ ኣሜሪካን ቻይናን፡ ኣብ ጉዳይ እታ ዋና መደብር ፎክስኮን ዝዀነት ታይዋን እውን ይተሃላለኻ እየን።
ታይዋን ንነብሳ ከም ልኡላዊት ሃገር እያ ትቘጽራ። ናይ ባዕላ ሕገ-መንግስቲ፡ ብዲሞክራስያዊ መገዲ ዝተመረጹ መራሕትን ካብ 300 ሽሕ ዘይንእስ ሰራዊትን ኣለዋ።
ከም ዝተነጸለት ኣካል ግዝኣታ ገይራ ትወስዳ ቻይና፡ ኣገዳሲ እንተዀይኑ ብሓይሊ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ከም ተእትዋ እያ ትገልጽ።
ኣሜሪካ ብወገና፡ ታይዋን ንርእሳ ክትከላኸል ትሕግዛ። ነዚ ክትገብር ዘገድድ ሕጊ እውን ኣለዋ።
ንግዳውን ፖለቲካውን ወጥሪ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ ዞባ፡ ንግዳዊ ንጥፈታቱ ዘቀላጥፍ ዘሎ ፎክስኮን፡ ምስ ኵለን ሃገራት ስርሑ ከቕጽል ከም ዝኽእል ሰብሞያ ይግምግሙ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፎክስኮን፡ እቲ ኩባንያ ኣብ ኵለን ሃገራት ሰራሕተኛታት ቈጺሩ የስርሕ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እተን ሃገራት ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዝኾኑ ዜጋተተን ንምድጋፍ ክብላ፡ ኣብቲ ኩባንያ ኣሉታዊ ፅልዋ ከየሕድራ ተስፋ ይገብር።