እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፕል ምስ ሳትላይት ምርኻብ ዘኽእል ኣይፎን 14 ኣላልዩ
ኣፕል፡ ብህጹጽ ምስ ሳተላይት ክራኸብን ሓደጋ መኪና ከለልን ዝኽእል ቴክኖሎጂ ዝተገጠመሉ ኣይፎን 14 ብወግዒ ኣላልዩ።
እቲ ኩባንያ ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ቀንዲ መደበሩ ኩፐርቲኖ ኣብ ዘካየዶ ጽምብል፡ ምዝርጋሕ ኣርባዕተ ዓይነት ኣይፎን 14 ዘፋለጠ ክኸውን እንከሎ፡ ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንፈለማ እዋን ምስ ዕዱማቱ ተራኺቡ።
ኩባንያ ኣፕል፡ ንስፖርተኛታት ዝኸውን ኣልትራ ዝተበሃለ ሰዓት’ውን ወግዓዊ ገይሩ።
እቲ ጽምብል ኣብ ፍርያት ሞባይላት ሓድሽ ወለዶ ኣይፎን፡ ሰዓትን መስምዒ ‘ኤየርፖድ’ን ዘተኮረ እዩ ነይሩ።
ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለዎም ኣይፎን 14 ን ኣይፎን 14 ፕላስን ንዕዳጋ ከም ዝቐርቡ እቲ ኩባንያ ኣፍሊጡ።
እዘን ሓደስቲ ሞባይላት ኣይፎን፡ ፃውዒት (ደወል) ግዜ ሓደጋ፡ ብሳትላይት ክልእካ ዝኽእላ እየን።
ብተወሳኺ፡ ዝሓልፉ ሳተላይታት ኣበይ ከም ዘለዉ ዘርእያ ኰይነን፡ ኣብቶም ሳተላይታት ብኸመይ ብትኽክል ምሕባር ከም ዝከኣል ዘርኢ ቴክኖሎጂ ዝተገጠመለን እየን።
መልእኽቲ ንምልኣኽ ድማ፡ ካብ 15 ካልኢት ክሳብ ሒደት ደቓይቕ ጥራሕ እዩ ዝወስደለን።
ዋና ተንታኒ ሲሲኤስ ቤን ዉድ፡ “ርክባት ሳተላይት ከም ዝፈጥሩ ተገይሮም ንዝተሰርሑ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ዝተገበረ ወፍሪ ክንዓቕ የብሉን” ክብል ገሊፁ።
ንሱ፡ “ኣፕል፡ ምስ ኣቕራቢ ሳተላይት 'ግሎባል ስታር' ዝተገብረ ንግዳዊ ስምምዕ፡ ምህናጽ ህጹጽ መልእኽቲ ንምሕላፍ ዘድልዩ መሰረተ ልምዓትን ምግጥጣም ሞባይላትን ዓመታት ከይወሰደሉ ኣይተርፍን” ኢሉ።
ተንታኒ ቴክኖሎጂ ፓኦሎ ፔስካቶረ ብወገኑ፡ እዚ ምህዞ “ኣጸገምቲ ኣብ ዝዀኑ ርሑቕ ከባቢታት” ንዝነብሩ ተጠቀምቲ ፅቡቕ ዜና እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
“ኣፍረይቲ ሞባይል ንኣጠቓቕማ ሳተላይት ረዚን ቦታ ሂቦም፡ ከምዚ ርክብ ሳተላይት ክጅምሩ ምርኣይ ዘተባብዕ’ዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ዘተኣማምንን ድልዱልን ርክብ ብዅሎም ተጠቀምቲ ብጣዕሚ ዝጥለብ’ዩ” ኢሉ።
ነተን በዓል 12 ፒክስል ካሜራ ዝተገጠመለን ሓደስቲ ተሌፎናት ኣይፎን ዘፋለጠ እዚ ገዚፍ ኩባንያ ቴክኖሎጂ፡ ቅልጡፍ ምንቅስቃስ ንዘለዎም ነገራት ብትሑት ብርሃን ስእሊ ምስኣል ንምኽኣል 49 ሚእታዊት ምምሕያሽ ከምዝገበረለን ኣፍሊጡ።
ኣፕል፡ ኣብቶም ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ተጠቀምቲ ኣይፎን ልዕሊ ሰለስተ ትሪልዮን ስእልታት ከም ዝሰኣሉ ይገልፅ።
ኣይፎን 14፡ ብ799 ዶላር፡ ኣይፎን 14 ፕሮ ድማ ብ999 ዶላር ዋጋ ናብ ዕዳጋ ቀሪበን ኣለዋ።
እቲ ካልእ ኣፕል ዘፋለጦ ሓድሽ ፍርያት ድማ፡ ሲሪየስ 8 ዝተበሃለ ሰዓት እዩ። እዚ ሰዓት፡ ሓደጋ መኪና ዘለሊ፣ ዑደት ወርሓዊ ጽግያትን እንቋቑሖ ዝፈርየሉ እዋን (ኦቭዩሌሽን) ዝከታተል፡ ሙቐት ሰብነት ብምልካዕ ክትትል ንምግባር ዘኽእልን ብዙሓት ሓደስቲ ቴክኖሎጂ ዝሓዘ’ዩ።