እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታይዋን፡ ብ 'ፍቕሪ ክሳብ ሞት' ኣብ ሓደጋ’ዶ ትህሉ?
ታይዋን ኣብ ማእከል ሓደገኛ ፍቕራዊ ስሉሳዊ ኲርናዕ ተቐርቂራ ኣላ።
ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ታይዋን ጻይ ኢንግ-ወን ኣብ ኒውዮርክ ግሩም ኣቀባብላ ተገይሩላ።
ሽዑ፡ ምስ ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ኬቪን ማካርቲ ኣብ ካሊፎርንያ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም።
ደገፍቲ፡ ባንዴራታት ታይዋን ኣንበልቢሎም፤ ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ድማ ናብ ፕረዚደንታዊ ቤተ መጻሕፍቲ ሮናልድ ሬጋን ምስ ኣተዉ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ነፋሪት ብልዕሊ "ሓንቲ ቻይና! ታይዋን ኣካል ቻይና እያ!" ዝብል መወዓውዒ በሪራ።
ፕረዚደንት ጻይ ሓጺር መግለጺ ሃበት።
ዲሞክራሲ ታይዋን "ተራእዩ ዘይፈልጥ ብድሆታት የጋጥሞ ኣሎ" ብምባል፡ እታ ደሴት "ኣሜሪካ ኣብ ጐድና ምህላዋ ከም እተመስግን" ገሊጻ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ርክብ ኣመሪካን ታይዋንን "ከቢድ ጌጋ" ክብል ኰኒኑዎ።
ምብጻሕ እታ ፕረዚደንት ሃንደበታዊ ኣይኰነን።
ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝቐንዐ ዓሚቝን እናዓበየን ዝኸይድ ዘሎን ተጻባኢ ዝንባለ ኣሎ።
እዚ ድማ ንታይዋን ብእተርእዮ ዝያዳ ግልጺ ዝዀነ ደገፍ ይድረኽ ኣሎ።
ዋላ’ኳ ቻይና እንተተቘጥዐት፡ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ ነበር ናንሲ ፔሎሲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ታይዋይን ምብጻሕ ገይራ ነይራ።
እታ በይጂን ኣካል ግዝኣተይ እያ እትብላ ርእሰ ምምሕዳር ዘለዋ ደሴት፡ መግለጺ ዕብየት ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ቻይናን ዘሎ ክትዓት እያ።
“ብውልቀይ ንዑደት ፔሎሲ ኣዝየ ተቓዊመዮ ነይረ” ይብል ኣብ ታይዋን ዳይረክተር ትካል ኣሜሪካን ኢንስቲትዩት ዝነበረ ፕሮፌሰር ዊልያም ስታንቶን።
ናይዚ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ፡ “ሓደ ካብ ኣሜሪካ ላዕለዋይ ፖለቲከኛ ናብታ ደሴት ክኸይድ ምግባር፡ ብዙሕ ዓስቢ ዘይብሉ ንቻይና ምትዅታኽ ጥራይ'ዩ ነይሩ። ሳዕቤኑ ድማ ኣዝዩ ዘፍርሕ'ዩ ነይሩ” ኢሉ።
በይጂን፡ ሚሳይላት ቻይና ኣብ ልዕሊ እታ ደሴት ክውንጨፉ ምግባራ ከቢድ ስግኣት ኣንቂሉ ምንባሉ ይፍለጥ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣብ ጥሪ ኣፈኛ ባይቶ ኰይኑ ዝተመርጸ ኣባል ሪፓብሊካን ማካርቲ፡ ኣብነታት ፔሎሲ ክስዕብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ጻይ ግን እዚ ጽቡቕ ሓሳብ ከም ዘይኰነ ወሲና ይብል ፕሮፌሰር ስታንቶን።
“ኬቨን ማካርቲ ንፔሎሲ ክስዕብ ከም ዝደለየ ኣዝዩ ንጹር ነይሩ ይመስለኒ። ጻይ ኢንግ-ወን ግን 'ኣይፋልን የቐንየለይ፤ ምናልባት ኣብ ካሊፎርንያ ብሓባር ሻሂ ዘይንሰቲ፡" ኢላቶ።
ፕረዚደንት ጻይ፡ ካልእ ኣካታዒ ዑደት መራሒ ኣሜሪካ ናብ ታይዋን ዘይትደሊ ክትኸውን ትኽእል።
ቻይና ግን፡ ኣብ መንጐ ኣብ ታይዋይን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስትን ዋሽንግተን ዘለዋ ድልዱል ምሕዝነት ክብተኽ ኣይትደልን።
ስለዚ ድማ፡ እቲ ኣብ ካሊፎርንያ ዝተኻየደ ኣኼባ ማካርቲ፡ ኣሜሪካ “ኣብ ሕቶ ታይዋን ብሓዊ ትጻወት ኣላ” ዝብል መጠንቀቕታ ቻይና ብምንዓቕ፡ እቲ ርክብ "ክልተኣዊ ውድባዊ" እዩ ክብል ገሊጹዎ።
ብድሕሪኡ ዋይት ሃውስ በይጂን ነቲ ኣኼባ "ልዕሊ ዓቐን ግብረመልሲ" ምሃብ ኣይመድለያን ኢሉ።
እዚ “ትራንዚት ዲፕሎማሲ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንታይዋን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ኣውስትራልያ ፖለቲካል ሳይንቲስት ዝዀነ ዌን-ቲ ሱንግ ይዛረብ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ቻይና ንብዙሓት ወግዓውያን መሻርኽቲ ታይዋን ብዓወት ብምሃድን ቁጽሪ ናይተን ኣፍልጦ ዝህባ መንግስታት ናብ 13 ጥራይ ኣውሪዳቶ እያ።
ሱንግ፡ “እዞም ኣህጉራዊ ምብጻሕ ምስ ድሌታት ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ታይዋን ዝሰማማዕ'ዩ። ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን፡ ካልኦት ወከልቲ መርኣይታት ዓለምለኻዊ ደገፍ ን[ን] ታይዋናውያን ኣገደስቲ እዮም” ይብል።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና፡ ንፕረዚደንት ታይዋን ነበር ማ ዪንግ-ጀው ብምጽዋዕ ግብረ መልሲ ክህብ ተራእዩ።
ማ፡ ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ቻይና ተራእዩ ዘይፈልጥ ዑደት ኣካይዱ፤ እዚ ዳርጋ ንኣቦታቱ ክብሪ ንምሃብ እዩ ዝመስል። ብርግጽ ኣብ ማእከላይ ቻይና ኣብ ዝርከብ መቓብሮም በጺሑ እዩ።
እቲ ጕዕዞ ግን ፖለቲካዊ እውን እዩ።
ታይዋን፡ ኣብ 1949 ካብ እትምስረት ንደሓር ፕረዚደንት እታ ደሴት ናብ ቻይና ክዕደም እንከሎ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
"በይጂን ነቲ ኣብ ታይዋን ዘለዋ መርገጺ ከተለስልሶ ትፍትን ኣላ . . .፣ ዝያዳ ልብን ኣእምሮን ክትስዕር፡ ከምኡ'ውን ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ ጐስጓስ [2024] ምብራኽ ሃገራውነት ታይዋን ክተወግድ ትደሊ” ይብል ሱንግ።
ዑደት ፕረዚደንት ነበር ማ፡ ነዚ ንምግባር ዘድሊ "ፖለቲካዊ ሽፋን" ከም ዝሃባ የረድእ።
ማ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ በይጂን ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ “ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ መጻብቦ ታይዋን ዘለዉ ሰባት ቻይናውያን እዮም። ክልቲኦም ድማ ዘርኢ ያንን ሃጸያት ብጫን እዮም" ዝብል ዘገርም ፖለቲካዊ መደረ ኣስሚዑ።
ፕሮፌሰር ስታንቶን፡ “በይጂን ንማ ዪንግ-ጀው ጽቡቕ ትገብር ኣላ፤ ምኽንያቱ ንሱ ኢድ ምሃብ ስለ ዝውክል። ‘ኩላትና ቻይናውያን ኢና' ይብል። እዚ ንሱን ቻይናውያንን ዝሰማምዑሉ ነገር'ዩ፤ ታይዋናውያን ግን ዝሰማምዑሉ ነገር ኣይኰነን” ኢሉ።
ኣብ ስትራተጂ ማ ዘሎ ሓደጋ፡ ልዕሊ 60% ነበርቲ ታይዋን ንነብሶም ታይዋናውያን እምበር ቻይናውያን ገይሮም ከም ዘይርእዩዋ መጽናዕታት የመልክቱ።
ልዕሊ ፍርቂ ድማ ሕጂ ምስ ቻይና ኲናት ክካየድ ከም ዝኽእል ይኣምኑ።
ዕላማ ማ ድማ፡ ሰልፉ - ኩሚንታንግ (KMT) ጥራይ ታይዋን ካብቲ ኲናት ከድሕና ከም ዝኽእል ንመረጽቲ እታ ደሴት ንምእማን ምዃኑ ሱንግ ይዛረብ።
“ኣብ መንጐ ክልቲኡ ወገን መጻብቦ ታይዋን ከም ድልድል ኰይኑ ውርሻኡ ምዕቃብ’ዩ። ብውሽጣዊ ፖለቲካዊ ደረጃ ድማ ታይዋን ፕረዚደንታዊ ጐስጓሳ ትጅምር ኣላ። ስነ-መጐት ኬኤምቲ ምስ ቻይና ሰላም ከነምጽእ ንኽእል ኢና ዝብል'ዩ።”
እቲ ዓቢይ ሓርማዝ ግን እቲ እናተበላሸወ ዝመጽእ ዘሎ ዝምድና ክልተ ኣፍቀርቲ ታይዋን’ዩ - ዋሽንግተንን በይጂንን።
እቲ ዝምድና፡ ኣመሪካን ቻይናን ንሓድሕደን ኣብ 1979 ብወግዒ ኣፍልጦ ካብ ዝወሃሃባ ንደሓር ሎሚ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ዝኸፍአ ምዃኑ ሓላፊት ፕሮግራም ኤዥያ ጀርማን ማርሻል ፈንድ ኣመሪካ፡ ቦኒ ግላሰር ትዛረብ።
“ንሳቶም [በይጂን] ካብ ፕረዚደንት ባይደን ይዅን ካብ ፔንታጎን ዝቐርበሎም ዘሎ ጻውዒት ኣይቅበሉን ዘለው። ኮንግረስ ክኣ ቻይና ስግኣት ህላወ እያ ክብል ኣዊጁ።”
ንዓመታት ዋሽንግተን ነቲ ብመጠኑ ረቂቕ ዝዀነ ኵነታት ምሕደራ ኣፍልጦ ሂባቶ፤ መርገጺ በይጂን ድማ ሓደ መንግስቲ ቻይና ጥራይ እዩ ዘሎ ዝብል እዩ።
ኣመሪካ ድማ፡ ካብ 1979 ጀሚራ ምስ መንግስቲ እምበር ምስ ታይዋን ኣይኰነትን ወግዓዊ ዝምድና ዓቂባ።
ይዅን’ምበር፡ ጽንዕቲ መሓዛ ታይዋን ኰይና’ውን ጸኒሓ፤ ነታ ደሴት ንነብሳ ክትከላኸል ከም እትሕግዛ ውሕስነት ሂባ።
እቲ ስግኣት ግን ቻይና፡ ኣመሪካ ነቲ ንዝሓለፉ 40 ዓመታት ኣብ ታይዋን ሰላም ንኽቕጽል ዝሓገዘ ኩነታት ክትቅይሮ ተዳልያ ኣላ ኢላ ትኣምን ምህላዋ እዩ።
ግላሰር፡ “ፕረዚደንት ባይደን ንሺ ጂንፒንግ ታይዋን ከም መሳርሒ ይጥቀመላ ከም ዘየሎን፤ ታይዋን ካብ ቻይና ንምፍላይ ከም ዘይድግፍን ነጊርዎ እዩ” ትብል።
እንተዀነ፡ ከምዚ ዓይነት መብጽዓታት ድሕሪ እቲ ኣካታዒ መንግስታዊ ምብጻሕ ወይ ምስ መራሕቲ ታይዋን ዝግበር ወግዓዊ ኣኼባታት ብቻይና ማይ ዝዓኵት ኰይኑ ከም ዘይርአ ትገልጽ።
ስለዚ ማ ኣብ ቻይና ዑደት ክገብር እንከሎ፡ ፕረዚደንት ጻይ ድማ ኣብ ካሊፎርንያ ሻሂ ክትሰቲ እንከላ፡ ታይዋን እትደልዮ ነገር እንተሃለወ ፕረዚደንት ሺ ቴለፎን ክድውለላ ጥራይ እዩ።