እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውሮጳ፡ ንምክልኻል ዘኽእላ ኣጽዋር ክትውንን 10 ዓመት ከምዘድልያ ይግመት
ኣውሮጳ ንርእሳ ንምክልኻል ምሉእ ብምሉእ ድልውቲ ንኽትከውን 10 ዓመት ከምዘድልያ ሓላፊ ናይቲ ዝዓበየ ትካል ምክልኻል ጀርመን [ራይንሜታል]- ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣርሚን ፓፐርገር ኣብዚ እዋን'ዚ ብፍላይ መኽዘን ተተኮስትን "ባዶ" ከምዘሎ ገሊጹ።
ንሱ ነዚ ዝገለጸ፡ ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ፡ ሓደ ዓቢ ሓድሽ መፍረይ ኣጽዋር ውግእ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምቕማጥ እምነ-መሰረት ኣብ ዝገበሮ ዑደት እዩ።
ሚኒስተር ምክልኻል ቦሪስ ፒስቶርየስን ቀዳማይ ሚኒስተር ደኒማርክ ሜት ፍረደሪክሰንን እውን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተረኺቦም ነይሮም።
እዚ ርእይቶ’ዚ ዝተወሃበ፡ ፕረዚደንትነት ኣመሪካ ንምዃን ዝነሓናሕ ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ዝሃቦ ተኣፋፊ ርእይቶ፡ ኣብ ኣውሮጳ ሓድሽ ስግኣት ድሕሪ ምፍጠሩ 'ዩ።
እቲ ኣብ ቅድሚት ኰይኑ ዝኳሻሕ ዘሎ ሕጹይ ሪፓብሊካን፡ ነቶም ግቡኦም ዘይከፍሉ ኣባላት ኔቶ ከምዘይከላኸለሎምን፡ ንዝወሩወን "ከተባብዖምን" ከምዝነገሮምን ገሊጹ።
ራይንሜታል ኣብዚ ሓድሽ መሳለጥያ ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር (274 ሚልዮን ፓውንድ) ወፍሪ ከምዝገብር ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ዓመታዊ 200 ሽሕ ዙርያ መዳፍዕ ከፍሪ ጽቢት ይግበር።
ሚስተር ፓፐርገር፡ "ኣንጻር ኔቶ ክቃለስ ዝደሊ ወራሪ" ንምድላው ነዊሕ ግዜ ከምዘድሊ ገሊጹ።
"ድሕሪ ሰለስተ፡ ኣርባዕተ ዓመት ደሓን ክንከውን ኢና - ናይ ብሓቂ ድሉዋት ክንከውን ግን 10 ዓመት የድልየና" ኢሉ።
ሚስተር ፓፐርገር ወሲኹ፡ "ኣብ ኣውሮጳ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ተተኮስቲ ከነፍሪ ኣለና" ኢሉ።
ንሱ፡ ሰፊሕ መጠን ተተኮስቲ ኣውሮጳ ናብ ዩክረይን ከምዝተላእከን፡ ንኣውሮጳ ዝኸውን ከምዘይተረፈን ገሊጹ።
"ኣብ ኲናት ክሳብ ዘለና፡ ንዩክረይን ክንሕግዛ ግድን እዩ። ድሒሩ ግን እንተወሓደ ሓሙሽተ ዓመት፡ ብሓቂ [መኽዘን ተተኮስቲ] ንምምላእ ድማ 10 ዓመት ከድልየና'ዩ" ኢሉ።
ቻንስለር ሾልዝ፡ ብዛዕባ ርእይቶ ሚስተር ትራምፕ ስክፍታ ኣለዎ ድዩ የብሉን ካብ ምዝራብ ተቘጢቡ።
ኔቶ ንኣመሪካ፡ ካናዳን ሃገራት ኣውሮጳን "ኣገዳሲ ምዃኑ ግን ፍጹም ርግጸኛ እየ" ኢሉ።
"ንሕና ንጽናዕ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ይጣበቐሉ'ዩ፡ ህዝቢ ኣመሪካ'ውን ከምኡ ከም ዝገብር ርግጸኛ'የ" ክብል ኣስዒቡ።
ፕረዚደነት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ግን፡ "ህርፋን ወረራ" ከምዘርኣየ ብምግላጽ፡ "ሰላም እንተደሊኻ፡ ነቶም ወረርቲ ብዓወት ክትዓግቶም ዘኽእል ምድላው ክትገብር ኣለካ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣመሪካ ደገፋ እንተስሒባ፡ ኣውሮጳ ንበይና ክትከይድ ድልውቲ ክትከውን ኣለዋ ማለት ድዩ ዝብል ሕቶ ብቢቢሲ ዝተሓተተት ሚስ ፍረደሪክሰን፡ ኣውሮጳ "እዚ ብዘየገድስ ንዅሉ ድልውቲ ክትከውን ኣለዋ” ኢላ።
ቻንስለር ሾልዝ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ዝወሰዶ ነጥበ መቐይሮ ዝተባህለ ፖሊሲ ወጻኢን ምክልኻልን ጀርመን ዳርጋ ክልተ ዓመቱ ኰይኑ ኣሎ።
ምስ ሩስያ ዝነበረ ፖሊሲ "ንግዳዊ ምልውዋጥ" ከም ዝፈሸለ ዝፍለጥ እዩ።
መጻርኽቲ ሃገራት፡ እታ ዝዓበየት ቍጠባ ኣውሮጳ ዝዀነት ጀርመን፡ ኣብ መዳይ ጸጥታ ዝያዳ ወሳኒ ተራ ክትጻወት ነቲ ዝጸንሐ ኣገባብ ምክልኻል ክትቅይሮን ተስፋ ኣንቢረን ነይረን።
ጀርመን፡ ኣብዚ ዓመት ንኔቶ እትገብሮ ምወላ ክብ ክብል ትጽቢት ይግበር።
ኔቶ ንኣፈጻጽማ ኣባላቱ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ካብተን 30 ኣባላት እቲ ኪዳን እተን 19 ትሕቲ እቲ ነቲ ኪዳን ከዋጽእኦ ዝግባእ መጠን ገንዘብ ከምዘዋጽኣ ኣስፊሩ እዩ፤ ካብኣተን ጀርመን፡ ኖርወይን ፈረንሳን ይርከበአን።
ነዚ መሰረት ብምግባር፡ እቲ ኣብ ውድድር መረጻ ኣመሪካ ኣብ ቅድሚት ዘሎ ኣዘራራቢ ፖለቲከኛ ዶናልድ ትራምፕ ዝሃቦ መግለጺ ስግኣት ፈጢሩ ቀንዩ'ሎ። ንሱ፡ ወጻኢታት ኔቶን ሓላፍነት ምክልኻል ኣውሮጳን ኣብ እንግደዓ ኣሜሪካ ክጸዓን የብሉን ዘመልክት መልእኽቲ እዩ ኣሕሊፉ።