እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓንቲ ኣደን ወዳን በዲዶ ህበይ ተረኺቡ - ብኸመይከ ይመሓላለፍ?
ምኒስተር ጥዕናን ትካል ጥዕና ማሕበረሰብን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ሞያሌ ሓደ ዕሸል ብሕማም በዲዶ ህበይ (Mpox) ከም ዝተለኽፈ ኣፍሊጦም።
በቲ ሕማም ተለኺፎም ተባሂሎም ካብ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ዝተወሰደ ቅምሶ ዝተገብረ መርመራ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ሓደ ወዲ 21 መዓልቲ ዕሸል ተረኺቡ፡ ኣዲኡ እውን ነቲ ቫይረስ ተቓሊዓ።
ምንጪ ናይቲ ቫይረስ፡ ናብ ጎረቤት ሃገር ኬንያ ተጓዒዙ ዝነበረ ኣቦ እቲ ህጻን ከም ዝዀነ ይጥርጠር።
እቲ ሰብ ዝተጓዕዘሎም ከባቢታትን ምስቲ ሰብ ምትንካፋት ዝነበሮምን ሰባት ብምልላይ ክትትል ይካየድ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ህጻንን ኣዲኡን፡ ተወሺቦም ዘድሊ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከም ዘሎን ብኸቢድ ንህይወቶም ኣብ ዘየስግእ ኵነታት ከም ዝርከቡን ኣፍሊጦም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ነሓሰ ኣብታ ሃገር ኣብ ክልል ሶማሌ ወረዳ ቐብሪበያ በቲ ቫይረስ ዝተጠርጠረ ሰብ ተረኺቡ፡ ኣብ መወሸቢ ኣትዩ ምንባሩ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ካብዚ ኣብ ክልል ኦሮምያ ሞያሌ ዝተረኽበ ዕሸል ወጻኢ፡ ኣብታ ሃገር በዚ ሕማም ከም ዝተለኽፈ ዝተረጋገጸ ወይ ዝተፈልጠ ሰብ የሎን።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት፡ ማእከላት ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ (CDC)፡ ኣብ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዝነበረ ሕማም በዲዶ ህበይ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ 'ሓደገኛ ስግኣት ጥዕና' ክብል ኣዊጁ ነይሩ።
እዚ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝረአ ዘሎ ቫይረስ፡ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተራእየ ዝያዳ ሓደገኛ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ እቲ ዝረአ ዘሎ ቫይረስ ሓዱሽ ዓይነት ስለ ዝዀነ እዩ ተባሂሉ።
በዲዶ ህበይ፡ ብሰንኪ ቫይረስ ዝመጽእ ኰይኑ፡ እዚ ቫይረስ ኣብ ጕጅለ ቀለልቲ ቫይረሳት ዝምደብ እዩ።
እቲ ቫይረስ ፈለማ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ እኳ እንተ ነበረ፡ ድሒሩ ግን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላለፍ ጀሚሩ።
እዚ ሕማም ኣብ ከም ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝኣመሰላ ኣብ ዕሙር ጫካታት ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ካብ ዝረአ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብዞም ከባቢታት በብዓመቱ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት በዚ ሕማም ዝልከፉ ኰይኖም፡ ኣማኢት ድማ ህይወቶም ይስእኑ።
ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ቈልዑን በዚ ሕማም ብዝያዳ ይጥቅዑ።
ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፡ ብበዲዶ ህበይ ዝተለኸፉ ልዕሊ 500 ሕሙማት ካብ ማእከላት ሕክምና ሃዲሞም ምጥፈኦም ሻቕሎት ፈጢሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ሕማም በዲዶ ህበይ እንታይ እዩ?
በዲዶ ህበይ ብኽልተ ቀንዲ ዓይነታት ቫይረስ ዝመሓላለፍ እዩ።
"ክላድ 1" ዝበሃል ዓይነት ቫይረስ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብሰፊሑ ይርከብ፤ "ክላድ 1ቢ" ድማ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ኰይኑ፡ እናተላበዐ ዝመጽእ ዘሎ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ።"
ብመሰረት ጸብጻብ ኣፍሪቃ ሲዲሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ጥሪ ክሳዕ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝነበረ ሸውዓተ ኣዋርሕ፡ ልዕሊ 14,500 ሰባት ብሕማም በዲዶ ህበይ ከም ዝተለኽፉን ልዕሊ 450 ሰባት ድማ ከም ዝሞቱን ኣፍሊጡ።
96 ሚእታዊት ካብቶም ሕሙማት ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተመዝገበ ኰይኑ፡ ካብኡ ንደሓር ድማ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ብሩንዲ፡ ኬንያ፡ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ተዘርጊሑ።
ኣብ 2022፡ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ዝመጽአ "ክሌድ II" ዝበሃል ቅልል ዝበለ ዓይነት ሕማም ድማ ኣብ መላእ ዓለም ለበዳ ኣስዒቡ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ሕማም፡ ኣብ ኤውሮጳን እስያን ተቓሊዐን ዘይፈልጣ ሃገራት ሓዊሱ፡ ናብ ኣስታት 100 ሃገራት ተዘርጊሑ ከም ዝነበረ ይዝከር።
እቲ ለበዳ ግን ነቲ ሕማም ተቓላዕቲ ዝዀኑ ሰባት ብምኽታብ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣእትዩ።
ምልክታት ናይቲ ሕማም
ብቫይረስ ዝመሓላለፍ በዲዶ ህበይ ናይ መጀመርታ ምልክታት ሰዓል፡ ሕማም ርእሲ፡ ሕበጥ፡ ከምኡ'ውን ቃንዛ ሕቖን ጭዋዳታትን ይርከቡዎም።
ድሕሪ እቲ ሰዓል፡ ሓፈው (ሽፍታ) ይረአ፣ ካብ ገጽ ጀሚሩ ናብ ዝተረፈ ኣካላት ይዝርጋሕ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣእዳውን ጫፍ እግርን እዩ ዝረአ።
እቲ ኣብ ኣካላት ዝረአ ዓበቕ ኣዝዩ ዘሕክኽ ኰይኑ፡ ብዝተፈላለየ ደረጃታት ምዕባለ ይሓልፍ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ሕበጥን ቍስልን የስዕብ።
እቲ ቍስሊ እውን ክሓዊ ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ በሰላ ክገድፍ ይኽእል እዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሕማም ኣብ ውሽጢ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ሰሙን ባዕሉ ይገድፍ።
እቲ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ ብኸቢድ እንተ ተጐዲኡ፡ እቲ ቍስሊ ኣብ ምሉእ ኣካላት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍን ዓይንን ኣካላት መፍረን ከቢድ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል እዩ።