እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕማም በዲዶ ህበይ ስለምንታይ'ዩ ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ?
ሕማም በዲዶ ህበይ ስለምንታይ'ዩ ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ?
ማእከል ምክልኻል ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሓድሽ ተርእዮ ዝርግሐ በዲዶ-ህበይ ህጹጽ ስግኣት ህዝባዊ ጥዕና ምዃኑ ብሰሉስ 13 ነሓሰ 2024 ብወግዒ ኣዊጁ። እዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሕማም ዕቱብ ኣተሓሕዛ ዘድልዮ ምዃኑ፡ ሽማግለ ሞያውያን ምክልኻል ሕማማት ኣፍሪቃ እቲ ዝተወስደ ውሳነ ብምሉእ ድምጺ እዩ ኣጽዲቕዎ።