እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህጹጽ ስግኣት ጥዕና ኣፍሪቃ ምዃኑ ዝተኣወጀ በዲዶ-ህበይ እንታይ እዩ? ምክልኻሉ ኸ ይከኣል ዶ?
ማእከል ምክልኻል ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሓድሽ ተርእዮ ዝርግሐ በዲዶ-ህበይ ህጹጽ ስግኣት ህዝባዊ ጥዕና ምዃኑ ብሰሉስ 13 ነሓሰ 2024 ብወግዒ ኣዊጁ። እዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሕማም ዕቱብ ኣተሓሕዛ ዘድልዮ ምዃኑ፡ ሽማግለ ሞያውያን ምክልኻል ሕማማት ኣፍሪቃ እቲ ዝተወስደ ውሳነ ብቭ፡ሉእ ድምጺ እዩ ኣጽዲቕዎ።
ቫይረስ እቲ ሕማም ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ብቕልጡፍ ይላባዕ ከምዘሎ፤ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተራ’እየ ዓሌት እቲ ቫይረስ ዝኸፍአ ምዃኑን ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ሕማም ኣብ ክፋል ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ክርአ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓመት ግን ብውሑዱ ኣብ 16 ሃገራት ኣፍሪቃ ብብዝሒ ይርአ ኣሎ። ብመሰረት ማእከል ምክልኻል ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብ 2022 ኣትሒዙ፡ ካብ 15 ሃገራት፡ 37583 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተለኽፉን፡ 1,451 ሞት ከምዝተመዝገበን ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ማእከል፡ እቲ ሕማማ ብቕልጡፍ ክላባዕን ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ክኸይድ ከምዝኽእል ብምምልካት ክታበት ብብዝሒ ክቐርብ ኣብቲ ብሰሉስ ዘውጽኦ መግለጺ ተማሕጺኑ ኣሎ።
ማይክል ማርክስ ዝተባህለ ፕሮፌሰር ሕክምና ካብ ዘ ለንደን ስኩል ኦፍ ሃይጂን ኤንድ ትሮፒካል ሜዲሲን (ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “እቲ ለበዳ ናብ ዓለማዊ ዝርግሐ ክመርሕ ይኽእል’ዩ፡” ብምባል፡ ን ከም በዓል ዶሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝኣመሰላ ሃገራት ንምሕጋዝ ዓለማዊ ሓገዝ ክግበር እዋኑ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
እቲ ፕሮፌሰር ኣተሃሒዙ፡ “እቶም ኣብ ኣውሮጳ ዘለና ናብ ሃገራትና ከይኣቱ ስለዝሰጋእና ጥራይ ግብረመልሲ ክንህብ ኣይግባእን” ኢሉ። “እቲ ትዅረት ብቐንዱ ነቶም ኣብ ሓደጋዘለዉ ኣህዛብን ምሕጋዝን፡ ክታበትን ክንክን ጥዕናን ከምዝረኽቡ ምግባርን ክኸውን ኣለዎ።
“ዓለማዊ ስክፍታ ዘንቀሎ ህጹጽ ኵነታት ህዝባዊ ጥዕና ምእዋጅ፡ ጸጋታት ናብ ኮንጐ ክውሕዝ ዘኽእል መሳርሒ እንተዀይኑ፡ ድንቂ እዩ፡” ኢሉ።
ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ቍጽሪ መልከፍቲ በዲዶ-ህበይ (ሞንኪፖክስ - ኤምፖክስ) እናወሰኸ ብምምጽኡ ህጹጽ ስጕምትታት ጥዕናን ጎስጓሳት ምንቃሕ ህዝብን ክተካይድ ተገዲዳ’ላ።
ሰበስልጣን ነቲ ለበዳ ንምግታእን ማሕበረሰቦም ካብቲ ሕማም ንምክልኻልን ኣብ ምጕያይ ይርከቡ። ብሓፈሻ እቲ ዞባ ኣብ ልዑል ጥንቃቐ ይርከብ።
ዩጋንዳ ክልተ ሓደስቲ መልከፍቲ ከምዘረጋገጸት ድሕሪ ምግላጻ ናብተን ኣቐዲሙ ዝተረኣየለን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ - ኬንያ፡ ሩዋንዳን ብሩንዲን ተጸምቢራ።
ጸብጻብ ማእከል ምክልኻል ሕማማት ኣፍሪቃ (ሲዲሲ) ከምዘመልክቶ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ቍጽሪ ዝተለኸፉ ሰባት ብሓደ ዕጽፍን ፈረቓን ዝወሰኸ ኰይኑ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ድማ ዳርጋ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዓብዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብቲ ንምክልኻል ኮቪድ ተታሒዙ ዝጸንሐ ገንዘብ እቲ ኣስታት 10.4 ሚልዮን ዶላር ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ለበዳ በዲዶ-ህበይ ንምምካት ክውዕል ንማእከል ምክልኻል ሕማማት ኣፍሪቃ ኣጽዲቝሉ ኣሎ።
መብዛሕትኦም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉን ዝሞቱን ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ እዮም። ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 8000 ሰባት በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ክዀኑ እንከለዉ ልዕሊ 300 ሰባት ድማ ሞይቶም።
ኣብ ኮንጐ ብራዛቪል ሓላፊት ህጹጽ ምላሽ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ፊዮና ብራካ “ካብ መጀመርታ 2024 ኣትሒዙ ኣብ 11 ሃገራት ናይቲ ዞባ መልከፍቲታት ተመዝጊቦም ኣለው” ትብል።
"እቲ ዝሰፍሐ መልከፍቲ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጐ ኰይኑ፤ ካብቲ ሓፈሻዊ ነቲ 96 ሚእታዊት ይሕዝ” ክትብል ገሊጻ።
ብሩንዲ ብበዲዶ-ህበይ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዘለውዋ ካብ እትገልጽ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ሩዋንዳን ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃን እውን ክልተ ሰባት በቲ ኣዝዩ ተላባዒ ሕማም ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ኬንያ’ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ እታ ሃገር ብዝርከብ መሳገሪ ዶብ ኣቢሉ ካብ ዩጋንዳ ናብ ሩዋንዳ ኣብ ዝግዕዝ ዝነበረ ገያሻይ እቲ መልከፍቲ ከምዝተረኸበ ወግዓዊ ገይራ’ላ።
እዚ ድማ ምስፍሕፋሕ እዚ ቀታሊ ዓይነት ሕማም ስክፍታታት ክፈጥር ምኽንያት ክኸውን ገይሩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ እውን በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ዘመዝገበት ኰይና ሰለስተ ሰባት ሞይቶም።
ክኢላታት ጥዕና፡ እቲ ቫይረስ ባህርያቱ ይቐያይር ከምዘሎ ብምግላጽ ኣብዚ እዋን ኣብ ከም ኣብ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ዝተዋፈራ ጕጅለታት ይርአ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።
እቲ ሕማም ብኣካላውን ጾታውን ምትንኻፍ እዩ ዝዝርጋሕ።
በዲዶ-ህበይ (ኤምፖክስ) እንታይ እዩ?
በዲዶ-ህበይ ቅድሚ ሕጂ ሞንኪፖክስ ብዝብል ይፍለጥ ነይሩ። ምስ ‘ስሞልፖክስ’ ዝመሳሰል ግን ከኣ ትሑት ክብደት ዘለዎ ብቫይረስ ዝመሓለፍ ሕማም እዩ።
ከም ሰዓል፡ ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት ከምኡ’ውን ካብ ገጽ ናብ ካልእ ክፍሊ ኣካላት ዝዝርጋሕ ዕንፍሩር ዝኣመሰሉ ምልክታት የስዕብ።
በዲዶ-ህበይ ኣብ መንጐ ሰብ ምስ ሰብ ብዝህሉ ርክብ ዝመሓላለፍ ኰይኑ፡ ብመርመራታት ላቦራቶሪ ቁስሊ ቆርበት ይረጋገጽ።
ብዓቢኡ ክልተ ዓይነታት ቫይረስ በዲዶ-ህበይ ኣለዉ። ‘ኤምፒቪኤክ ክለድ 2ቢ’ ከምኡ’ውን ‘ኤምፒኤክቪ ክለድ 1’ ብዝብል ይፍለጡ።
ኣብ 2022 ዘጋጠመ ዓለማዊ ለበዳ ብሰንኪ እቲ ‘ኤምፒቪኤክ ክለድ 2ቢ’ ዝበሃል ዓይነት ዝተበገሰ እዩ ነይሩ። እቲ ሕጂ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጐ ዝተረኣየ ግን ኣዝዩ ተላባዕን ሓደገኛን ‘ኤምፒኤክቪ ክለድ 1’ ከምዝዀነ ተመራመርቲ ይገልጹ።
ብድሆታት ኣብ ምምካት በዲዶ-ህበይ
መልከፍቲ በዲዶ-ህበይ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጐ ብፍላይ ኣብታ ኣብ ደቡብ-ኪቩ እትርከብ ናይ ዕደና ማእከል ዝዀነት ከተማ ካሚቱጋ እዩ ብስፍሓት ተራእዩ።
እቲ ከባቢ ቀጻሊ ዋሕዚ ነጋዶ፡ ኢደ ጥበበኛታት፡ ክኢላታት ዕደናን ካልኦት ነጋዶን ዝረኣየሉ ማሕበረሰብ እዩ።
ኣብ ካሚቱጋ ኣብ ዝርከብ ህዝባዊ ማእከል ሕክምና በዲዶ-ህበይ ክሰርሕ ዝጸንሐ ዶክተር ስቲቨን ቢለሞ ኪትዋንዳ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ምንቅስቓስ ሰባት ከምዘሻቕሎ ይዛረብ።
"እቲ ሕማም ክላባዕ ዝገብር ዘሎ ብከላ ጾታዊ-ርክብ እዩ። ናብዚ [ኣብ ካሚቱጋ] ዝመጽእ ህዝቢ ድማ ናይ ምጥንቃቕ ልምዱ ድኹም እዩ። ናብ ጎማ፡ ሩዋንዳ - ጊሰኒ፡ ቡጁምቡራን ካልእን ከኣ ይንቀሳቐሱ" ይብል።
ካሚቱጋ ንጡፍ ለይታዊ ህይወት [ውዕዉዕ እንዳ መስተ ወይ ለይታዊ ተልሂት] ዘለዋ ንግዳዊት ማእከል ኰይና፡ ብባራት ዝመልአትን ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ ብብዝሒ ዝርከባላን እያ።
ዶክተር ኪትዋንዳ ከም ዝበሎ፡ እቶም ቀዳሞት ተርእዮታት ኣብቶም ናብቲ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ዝካየደሉ ከባቢታት ብተደጋጋሚ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ዕደና ዝተመዝገበ ብምንባሩ፡ ገለ ኣባላት ማሕበረሰብ እቲ ሕማም “ዘይእሩም ስነ-ምግባር” ንምቕጻዕ ካብ ኣምላኽ ዝመጽአ “መለኮታዊ መርገም” ምዃኑ ክኣምኑ ምኽንያት ኰይኑ’ሎ።
ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ በዲዶ-ህበይ ማለት ሕማም ሓላፍነት ዘይስምዖም ወይ ግብረ-ፍኑዋት ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ፤ ከም ዘሕፍር ሕማም ድማ ይቝጸር።
እዚ ምግላል ከኣ ሰባት ሕክምናዊ ሓገዝ ንኸይደልዩ ዝግድብ ብምዃኑ ከይተፈለጠ ንኽመሓለፍ ይገብር።
እቲ ቫይረስ ብዙሕ ከይተፈለጠ ብፍላይ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ወይ ፋይቶት ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፍጽሙ ደቂተባዕትዮ እዩ ዝላባዕ ዘሎ።
“ኣብ ካሚቱጋ እከሊት ሰበይቲ እከለ ወይ እከለ ሰብኣይ እከሊት ዝበሃል የለን። ዝዀነ ሰብ ምስ ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ ክራኸብ ይኽእል እዩ፤ እቲ ሰብ ገንዘብ እንተሃልይዎ” ይብል ዶክተር ኪታዋንዳ።
ብዙሓት በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ውልቀሰባት እውን ኤችኣይቪ ዘለዎም ስለዝኾኑ እዚ ድማ ነቲ ረኽሲ ከጋድዶ ይኽእል።
ሰብመዚ ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብፍላይ ኣብ ገጠር ከባብታት ነቲ ቫይረስ ንምክትታል ይጽገሙ እዮም ዘለው።
እንታይ ክግበር ይከኣል?
ከም ህዝባዊ ርክባት፡ መርመራ፡ ሕክምና፡ ክትትል ምትንኻፍ ከምኡ’ውን ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዝበሉ መሰረታውያን ስጕምትታት ጥዕና ኣብ ምምካት በዲዶ-ህበይ ኣገደስቲ እዮም።
ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጐ ኣተሓባባሪ መጽናዕቲ በዲዶ-ህበይ ሊያንድረ ሙሩላ ማሲሪካ፡ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ዝግበረሎም ዶባት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ብድሆታት ምክልኻል እቲ ሕማም ምዃኑ ይዛረብ።
“ኣብ ዶባት ዝዀነ ቍጽጽር የለን። ካሚቱጋ ክልተ ዶባት ዘለዋ ኮይና፡ ሰባት ካብዚ ናብ ሩዋንዳን ብሩንዲን ይግዕዙ" ይብል።
እቲ ቫይረስ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 20 መዓልታት ኣብ ዘሎ ግዜ ዝምዕብል ኰይኑ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እቲ ቍስሊ ኣብ ከባቢ ብልዕቲ ጥራይ እዩ ዝረአ። እዚ ንምርኣዩ ኣጸጋሚ ስለዝገብሮ ኣብ ዶብ ምርመራ ምክያድ ወሳኒ ምዃኑ ማሲሪካ ይዛረብ።
ሕጂ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጐ ዘሎ ኵነታት ብደረጃ ማሕበረሰብ ዝርአ ምልባዕ እዩ። ነፍሰጾር ኣደታትን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ዝያዳ ተቓላዕቲ እዮም።
ኣብታ ሃገር ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት ሓዊሱ ብዙሓት ህጻናት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ። ኣብ ገለ ነፍሰጾራት እውን ምውራድ ጥንሲ ተራእዩ። ገለ ሕሙማት ከኣ ኣብ ኣዒንቶም፣ ቆርበቶምን ብልዕቶምን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጸገማት ኣጋጢምዎም።
ህጹጽ ጻውዒት ክታበት
እቲ ቫይረስ እናተዘርግሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ክኢላታት ጥዕና ኵለመዳያዊ ወፍሪ ክታበት ክካየድ ይጽውዑ ኣለዉ።
ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጐን ደቡብ ኣፍሪቃን ክታበት ናይ ምርካብ መስርሕ ክጅምራ እንከለዋ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ክታበት ኣይበጽሐን ዘሎ።
ኣመሪካን ጃፓንን ክታበት ከም ዝህባ ቃል ኣትየን እኳ እንተነበራ ገና ኣብ ትጽቢት ይርከብ።
"እቲ ክታበት የለን፤ ሰባት ግን ይሞቱ ኣለዉ" ይብል ተመራማሪ በዲዶ-ህበይ ማሲሪካ።
ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጐ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ክልተ ዓይነት ክታበት ክትጥቀም መደብ ከምዘለዋ ኣፍሊጣ ነይራ። ሃገራዊ በዓል መዚ ቍጽጽር ነዞም ክታበታት ክግምግሞም ጀሚሩ'ኳ እንተሎ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ጥቕሚ ኣይወዓለን።
ኣብ ኮንጎ ብራዛቪል ሓላፊት ህጹጽ ምላሽ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ፊዮና ብራካ፡ ትካላ ምክትታል ንምሕያልን ኣገባብ ዝርግሐ ሓበሬታ ንምምሕያሽን ኣብ መንጐ ሃገራት ጻዕርታት የሐይል ከምዘሎ ትዛረብ።