መንሽሮ ብልዕቲ፡ ምጕንዳብ ዘስዕብ ንዓለም ዘሰክፍ ዘሎ ብዝሒ

ኣብ 2018 ሓደ ጆ (ስሙ ዝተቐየረ) ዝተበሃለ ብራዚላዊ ጥሮተኛ ኣብ ብልዕቱ ዘጋጠሞ ቍስሊ እንታይ ምዃኑ ክርዳእ ኣይከኣለን።

"እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ናብ ክሊኒካት ክኸይድ ጀሚረ፡ ኵሎም ሓካይም ግን ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን ቆርበትን ዝተኣዘዙለይ መድሃኒትን ምዃኑ ነጊሮምኒ" ይብል እቲ ወዲ 63 ዓመት።

መድሃኒት ተዋሂብዎ፤ እቲ ቍስሊ ግን እናወሰኸ ከይዱ። ኣብ ሓዳሩ ጽልዋ ከሕድር ጀሚሩ፡ ጾታዊ ህይወት ጆን በዓልቲ ቤቱን ድማ እናነከየ ከይዱ።

"ከም ኣሕዋት ኴንና" ይብል።

ብድሕሪኡ’ዩ እቲ ቍስሊ እንታይ ከምዝዀነ ክፈልጥ ወሲኑ።

ጆ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ናብ ሕክምና ተመላሊሱ። ገሊኦም ተወሳኺ መድሃኒት ይእዝዝሉ፤ ገሊኦም ድማ ሓደስቲ መርመራ ባዮፕሲ ክገብር ይነግርዎ። መፍትሒ ክረክብ ኣይከኣለን።

ኣብ 2023 ግን ጆ መንሽሮ ብልዕቲ ከምዘለዎ ተፈሊጡ።

"ንስድራይ ኣዝዩ ደስ ዘይብል ስግንጢር እዩ ነይሩ፤ ካብኡ ንላዕሊ ድማ ገለ ክፋል ብልዕተይ ክቝረጽ ነይርዎ። ርእሰይ ዝተቘርጸ ኰይኑ ተሰሚዑኒ" ይብል።

"ሰባት ዋዛ ክመስሎም ስለ ዝኽእል ክትዛረበሉ ዘይትኽእል ዓይነት መንሽሮ'ዩ።"

መንሽሮ ብልዕቲ ሳሕቲ ዘጋጥም’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ መላእ ዓለም ግን ተርእዮታትን መጠን ሞትን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ጆ ዝርከበላ ብራዚል፡ ካብተን ዝለዓለ መጠን ተርእዮ ዘለወን ሃገራት እያ፤ ካብ 100 ሽሕ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ 2.1 የጋጥም።

'ፍርሒ መጥባሕቲ'

ኣብ መንጐ 2012ን 2022ን እቲ ኵነታት ዘለዎም 21 ሽሕ ሰባት ከምዝነበሩ ሚኒስትሪ ጥዕና ብራዚል ይሕብር። እዚ ድማ ልዕሊ 4000 ሞት ኣስዒቡ’ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ 6,500 ኣካላቶም ክቝረጽ ተገዲዶም እዮም - እዚ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ መዓልቲ ሓደ ማለት እዩ።

ኣብ ብራዚል ኣብታ ዝደኸየት ግዝኣት ማራንሃኦ፡ ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ መጠን ተርእዮ ኣለዋ፤ ካብ 100 ሽሕ ደቂ ተባዕትዮ 6.1 እቲ ሕማም የጋጥሞም።

ምልክታት መንሽሮ ብልዕቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ብልዕቲ ብዘይሓዊ ቁስሊ ዝጅምር ኰይኑ ብርቱዕ ጨና ዘለዎ ፈሳሲ ይህልዎ።

ብኣጋኡ ምስ ዝፍለጥ፡ ብመጥባሕቲ ምእላይ ቁስሊ፡ ራድዮቴራፒን ኬሞቴራፒን ዝኣመሰሉ ሕክምናታት ናይ ምሕዋይ ተኽእሎኡ ልዑል እዩ።

እንተዘይተሓኪሙ ግን፡ ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ምቍራጽ ብልዕቲ፡ ምናልባት’ውን ካልኦት ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ከም ፍረነብሲ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል።

ጆ ኣብ ጥሪ ብኸፊል ኣካላቱ ከምዝተቘርጸን ኣጸጋሚ እዋን ከምዝነበረን ይዛረብ።

"ክገጥመና እዩ ኢልና ፈጺምና ዘይሓሰብናዮ ነገር'ዩ፡ ምስ ዘጋጥም ድማ ንሰባት ክንነግሮም ኣይንኽእልን" ይብል።

"መጥባሕቲ ፈሪሐ ነይረ፡ ካልእ ኣማራጺ ግን ኣይነበረን። ድሕሪ መጥባሕቲ ኣብተን ቀዳሞት ሰሙናት ዝነበረ ስምዒት ናይ ጓሂ እዩ ነይሩ፤ ክኽሕዶ ኣይክእልን እየ። ክፋል ብልዕትኻ ዘይምህላው ዘስካሕክሕ'ዩ።"

ገለ ሕሙማት ፍጹም ምቝራጽ ኣካላት ይግበረሎም እዚ ድማ ህይወቶም ዝቕይር እዩ።

ኣብ ሳኦ ፓውሎ ኣብ ዝርከብ ማእከል መንሽሮ ኤሲ ካማርጐ ካብ ክፍሊ ዩሮሎጂ ዝሰርሕ ቲያጎ ካሜሎ ሞራኦ፡ "ኣብ ጉዳይ ከፊል ምቝራጽ ሽንቲ ብመትሎ ኣቢሉ ምውጻእ ይቕጽል" ይብል።

"እንተዀነ፡ ኣብ ምሉእ ምቝራጽ፡ እቲ ሽንቲ ዝወጸሉ ኣፍደገ ናብ ፈንዶት ወይ ናብ ኣብ መንጐ ኣስኪትን መሃንቱስን ክግዕዝ ይግበር፡ እዚ ድማ እቲ ሰብ ንኽሸን ኣብ ሽቓቕ ኮፍ ክብል የድልዮ።"

ብመሰረት ክኢላታት፡ ምስ መንሽሮ ብልዕቲ ዝተኣሳሰሩ ሓያሎ ረቛሒታት ሓደጋ ከምዘለዉን፡ ብፊሞሲስ (ስጡም ቆርበት) ከምኡ’ውን ምትካኽ ሽጋራን ካብቶም ቀንዲ እዮም።

ካብ ማሕበር ዩሮሎጂ ብራዚል ማውሪስዮ ደነር ኮርደይሮ፡ ውልቃዊ ጽሬት እውን ናይ ሓባር ኣበርክቶ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ።

"ወዲ ተባዕታይ ነቲ ቆርበት ብግቡእ ከጽርዮ ምስ ዘይክእል፡ ዝእከብ ነዝዒ የፍሪ" ይብል። "እዚ ንረኽሲ ባክተርያ ኣዝዩ ምቹእ ሃዋህው ይፈጥር።"

"እዚ ብተደጋጋሚ እንተተፈጢሩ፡ ንመልክዕ እቲ ሕበጥ ሓደጋ ይኸውን።"

ከምኡ'ውን ጽሬት፡ ቀጻሊ ረኽሲ ቫይረስ ፓፒሎማ ሰብ (HPV)፡ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ረቛሒታት ሓደጋ'ዩ" ይብል። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ኤች.ፒ.ቪ ናብ ኣፍን ብልዕትን ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ከባቢታት መንሽሮታት ከስዕብ ይኽእል።

ኮርደይሮ፡ ክታበት ኤች.ፒ.ቪ ክሳብ 90 ሚእታዊት መንሽሮ ብልዕቲ ክከላኸል ይኽእል’ዩ።

ብዛዕባ እቲ ክታበትን ኣድማዕነቱ ግጉይ ሓበሬታ ስለ ዘሎ፡ ጥርጣረታትን ወፍርታት ክታበት እውን ዘይምግበር ግን ነቲ ክታበት ዝወስዱ ሰባት ሒደት እዮም።

መንሽሮ ብልዕቲ ኣብ ብራዚል ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ዓለም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ መንጐ 2008ን 2012ን ዝለዓለ ተርእዮ መንሽሮ ብልዕቲ ኣብ ዩጋንዳ፡ ብራዚልን ታይላንድን ክህሉ እንከሎ እቲ ዝተሓተ ድማ ኣብ ኩዌት ከምዝነበረ መጽናዕትታት የመልክቱ።

"ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ክሳብ ሕጂ ዝለዓለ ተርእዮን ሞትን መንሽሮ ብልዕቲ እኳ እንተተሰከማ፡ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣውሮጳ ግን እቲ ተርእዮ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ" ክብል ብሌወን ፉን ቲያን ቲያንን ካብ ዩኒቨርሲቲ ሱን ያት-ሰን ቻይና ዝምራሕ ጕጅለ ተመራመርቲ ረኺቡ።

ዓለምለኻዊ መዝገብ መንሽሮ፡ ኣሃዛት መንሽሮ ብልዕቲ እናወሰኹ ከምዝኸዱ ይገልጽ። ኣብ 2050 ድማ ብልዕሊ 77 ሚእታዊት ክብ ከምዝብል ይግምት።

እዚ ለውጢ ብዓቢኡ ምስ ዕድመ ምድፋእ ህዝቢ ክተሓሓዝ ከምዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ፣ እቲ ዝለዓለ ተርእዮ ኣብ ደቂ 60ታት ዕድመኦም ከምዘጋጠመ እውን ይዛረቡ።

ኮርዴሮ እዚ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ምክልኻል ከምዝከኣል’ዩ ዝገልጽ።

“ኣብ ኵሉ ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ መዓልታዊን ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ብልዕቶም ብማይን ሳሙናን ክሕጸቡ ኣገዳሲ'ዩ" ይብል።

ብተወሳኺ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ኮንዶም ምጥቃም ነቲ ሓደጋ ከምዝንክዮ ይጠቅስ።

ጆ ኣብዚ እዋን ናይ መወዳእታ ውጽኢት መርመራኡ ይጽበ ኣሎ፤ እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክረኽቦ እዩ። "እዞም ፈተናታት ክሓዊ ምዃነይ ከምዘርእዩ ርግጸኛ እየ" ይብል።