ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ሎተሪ ዝበጽሖ ብሕማም መንሽሮ ዝሳቐ ስደተኛ

ኣብ ኣመሪካ ሓደ ብሕማም መንሽሮ ዝሳቐ ዘሎ ስደተኛ 1.3 ቢልዮን ዶላር ሎተሪ በጺሕዎ።

እቲ ወዲ 46 ዓመት ኣብቲ ብ7 ሚያዝያ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ግዝኣት ኦሬገን ኣብ እትርከብ ከተማ ፖርትላንድ ዝወጽአ ዕጫ ነታ ዕድለኛ ትኬት ከም ዝገዝአ ሰብመዚ ናይቲ ሎተሪ ገሊጾም።

ቸንግ ሳኤፋን፡ ግብሪ ከፊሉ ካብቲ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን 422 ሚልዮን ዶላር ኣብ ሓደ ግዜ ክወስድ መሪጹ። ዓበይቲ ሎተሪታት ንክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ኣብ ዝተናውሐ እዋን'የን ንተዓወትቲ ዝህባ። ኣብ ሓደ እዋን ክወስዱ ንዝመርጹ ግን ዳርጋ ውሑዳት እዮም።

እቲ ካብ ኤስያዊት ሃገረ ላኦስ ዝመጸ ስደተኛ ነቲ ሃንደበት ዝረኸቦ ሽሻይ ምስ በዓልቲ ቤቱን ዓርኩን ብማዕረ ክካፈል ወሲኑ'ሎ።

"ሕጂ ንስድራይ ከጸጉን ንነብሰይ ንፉዕ ሓኪም ክቘጽርን እኽእል እየ" ክብል'ውን ሓጐሱ ገሊጹ'ሎ።

"ደጊም ህይወተይ ተቐዪሩ'ሎ" ዝበለ ሳኤፋን፡ ናብ ኣምላኽ ጸልዩ ምንባሩ ንኮይን ዘተባህለ ማዕከን ዜና ተዛሪቡ።

እዚ ጸሎቱ ሰሚሩሉ ዘሎ ስደተኛ፡ ንስድራቤቱ ዝምነዮ ገዛ ብምግዛእ እቲ 'ፖውርቦል' ዝተባህለ ሎተሪ ምፍታን ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

"ደጊመ ክዕወት እኽእል'የ፡" ይብል።

ቸንግ ሳኤፋን፡ ካብቲ ተሰኪምዎ ዘሎ ሕማም መንሽሮ ንምግልጋል ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ኪሞተራፒ ክገብር ምጽንሑ ይፍለጥ።

"ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ምስ መንሽሮ ክቃለስ'የ ኣሕሊፈዮ፤ ኣብዚ እዋን እዚ'ውን ኪሞተራፒ እገብር ኣለኹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ'ውን ገይረ ነይረ. . .ስለዚ ነዚ ኵሉ ገንዘብ ዘጥፍኣሉ ግዜ ካበይ ክረክብ?" ክብል ቸክ ኣብ ዝተቐበለሉ እዋን ተዋዝዩ።

ነዚ ናይ ዕድል ዓወት ንምጉንጻፍ ምስ በዓልቲቤቱን ዓርኩን ብምዃን ካብቲ ናይ 7 ሚያዝያ ሎተሪ ፓውርቦል 20 ቲኬት'ዩ ገዚኡ።

ቍጽርታት ናይታ ዕውትቲ ትኬት 22፡ 27፡ 44፡ 52፡ 69 ኮይነን እታ ቀያሕ ፖወርቦል ድማ 9 ምንባራ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ኣብ ታሪኽ ናይቲ ሎተሪ፡ እዛ ትኬት ብዕብየታ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ትስራዕ ኰይና፡ እቲ ዝዓበየ ኣብ 2022 ዝተዋህበ 2.04 ቢልዮን ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ $2 ዶላር ጥራይ ዝውድእ ትኬታት ፓወርቦል ሎተሪ ኣብ 45 ክፍለ-ሃገራት (ስቴትስ) ኣመሪካ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ደሴታት ፖርቶሪኮን ቨርጂን ኣይላንድስን ይሽየጥ።

ምስ ምውሳኽ ዋጋ ትኬታት፡ ዓበይቲ ዕጫታት ልሙዳት እናዀኑ ይኸዱ ኣለዉ።

እቲ ጸወታ'ውን ቅሩብ ተቐዪሩ እዮ፤ ተጻወትቲ ሎተሪ ኣብ ክንዲ ካብ 1 ክሳብ 59 ቍጽርታት ዝመርጹ፡ ብመሰረት ዝተቐየረ ሕጊ ናይቲ ሎቶሪ ክሳብ 69 ክመርጹ ይኽእሉ።

ብዘይካ'ዚ፡ ነታ 'ፖውርቦል' ዝተባህለት ሻዱሸይቲ ቁጽሪ ንምምራጽ'ውን፡ ኣብ ክንዲ ካብ ሓደ ክሳብ 35፡ ካብ ሓደ ናብ 26 ዘለዉ ቍጽርታት ክመርጹ ይኽእሉ።

እዚ ድማ ነቲ ናይ ምዕዋት ተኽእሎ፡ ሓደ ካብ 175.2 ዝነበረ ናብ ሓደ ካብ 292.2 ሚልዮን ዕድላት የውርዶ።

ከም በዓል ቸንግ ሳኤፋን ዝበሉ ሰብ ዓቢ ዕድል ግን ዝተነድቀ ሓጹራት ቍጽሪ ክዓግቶም ኣይክኣለን።