እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልተ ቢሊዮን ዶላር ሎተሪ ዝተዓወተ ሰብኣይ ተኸሲሱ
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ክብረወሰን ዝሓዘ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ዕጫ ሎተሪ ፓወርቦል ኣሜሪካ ዝተዓወተ ውልቀሰብ ተኸሲሱ።
ተቐማጢ ካሊፎርኒያ ኤድዊን ካስትሮ፡ ‘ተዓዋቲ እቲ ቲኬት ንሱ ዘይኰነስ ኣነ’የ’ ብዝብል ውልቀሰብ እዩ ተኸሲሱ ዘሎ።
ኤድዊን፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር እቲ ዝሓለፈ ዓመት (2022) 997.6 ሚልዮን ዶላር ናይቲ ዝተዓወቶ ዕጫ ሎተሪ ክወስዶ መሪጹ።
ሕዚ ግን ተቐማጢ ካሊፎርኒያ ዝዀነ ጆሴ ሪቨራ ዝተባህለ ውልቀሰብ፡ ኣብ ዘቕረቦ ሲቪላዊ ጥርዓን እቲ ትኬት ስለ ዝተሰረቕኹ እምበር ናይ ሽልማት ገንዘብ ናተይ ክኸውን ምተገብኦ ክብል ይጠቅስ።
ካስትሮ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርኢቶ የለን።
ሎተሪ ካሊፎርንያ ኣቐዲሙ ንሱ እቲ ግቡእ ተዓዋቲ ምዃኑ ርግጸኛ ምዃኑ ገሊጹ።
ሎተሪ ካሊፎርንያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወትሩ ነቶም ሽልማት ገንዘብ ዝሓቱ ሰባት ከም ዝምርምርን፡ "እዚ ንምግባር ኣብ ዝገብሮ መስርሕ ዝለዓለ እምነት ከም ዘለዎን" ገሊጹ ነይሩ።
ክሲ ሪቨራ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከተማ ኣልሃምብራ እዩ ቀሪቡ።
ንሱ፡ እታ ነዚ ሎተሪ ዘዐወተት ትኬት ብ7 ሕዳር 2022 ከም ዝገዝኣ - ድሒሩ ኣብታ መዓልቲ ድማ ብኻልእ ሰብኣይ ከም ዝተሰርቀት ይኸስስ። እቲ ሰራቒ ግን ካስትሮ ኣይኰነን ይብል።
እቲ ጥርዓን እታ ትኬት ብኸመይ ኣብ ኢድ ካስትሮ ክትኣቱ ከም እትኽእል ዝገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ የብሉን።
ትኬት ፓወርቦል 2 ዶላር ክኸውን እንከሎ፡ ሓደ ተዓዋቲ ድማ እቲ ዝተዓወቶ መጠን ገንዘብ ብኽልተ ኣማራጺታት ኣቢሉ ክወስዶ ይኽእል።
ሓደ፡ ምሉእ ገንዘብ ኣብ ውሽጢ 29 ዓመት ኣብ ዝፍጸም ዓመታዊ ክፍሊት ክቕበልዎ ክመርጹ ይኽእሉ።
እቲ ካልኣይ ድማ፡ መጠን እቲ ዝተዓወትካዮ ሎተሪ ብሓደ ግዜ ምውሳድ’ዩ - ዳርጋ ኩሎም ተዓወትቲ ድማ እቲ ኣቐዲሙ ዝፍጸም መስርሕ ክፍሊት ይመርጹ።
እዚ ጸወታ ብ1992 ዝጀመረ ኰይኑ ካብ 50 ግዝኣታት ኣመሪካ ኣብ 45 ግዝኣታት፣ ርእሰ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ግዝኣታት ኣመሪካ ፖርቶሪኮን ደሴታት ቨርጅንን ይካየድ።
ተዓወትቲ፡ 24 ሚኢታዊት ክሳብ 37 ሚኢታዊት ዝበጽሕ ግብሪ ፌደራል ይኸፍሉ።
10 ግዝኣታት ጥራይ ግን - ካሊፎርንያ ሓዊሱ - ኣብ ልዕሊ ካብ ሎተሪ ዝረኸብካዮ ገንዘብ ግብሪ ኣየኽፍላን።
ኣብ ከም ከተማ ኒውዮርክ ዝበላ ሓያሎ ቦታታት ድማ እቲ ተዓዋቲ ግብሪታት ቤት ማዘጋጃ ይኽፈል።