እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሎተሪ ምስ ተዓወትኩም እንታይ ከምዘድልየኩም ትፈልጡ'ዶ?
ኣብዚ ቐረባ እዋን ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝተዋህለለ፡ ናይ ሚልዮናት ዕጫ ሎተሪ ዝተዓወተ ኣመሪካዊ ብቕጽበት ቢልየነር ኮይኑ’ሎ።
እታ 1.35 ቢልዮን ዶላር ኣዋህሊላ ዝጸንሐት ንዝሓለፈ 25 ዕጫታት ተዓዋቲ ከይረኸበት ዝጸንሐት ማዕከን (ጃክፖት) ስለዝተዓወተላ እዩ ብሓንሳብ ቢልዮነር ኮይኑ። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ሎተሪ ካልኣይ ዝዓበየ ሽልማት እዩ።
እሞ እዚ ሽሙ ዘይተፈለጠ ተዓዋቲ በቲ ዝረኸቦ ሃብቲ እንታይ እዩ ክገብር ዘለዎ?
ኣማኻሪ ሃብትን፡ ጸሓፊ ‘ዘ ሳደን ዌልዝ ሶሉሽን’ ዝተባህለ መጽሓፍን ሮበርት ፓግልያሪኒ፡ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ብሃንደበት ዝተረኸበ ሃብቲ ናብ ዘላቒ ሃብቲ ንምቕያር፡ ክግበር ዝግበኦ 12 ነጥብታት ከምዘለው ይምዕድ።
ፓግሊያሪኒ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቅድም ቀዳድም ብዛዕባ ሕጊ፣ ግብርን ፋይናንስን ዘማኽር ጉጅለ ክንረክብ ይግባእ ይብል።
ድሕሪ ምዕዋት ሎተሪ ርክባትና ጸቡቕ እንተዘይኮይኑ፡ ጭንቀትን ጸቕጥን ከጋጥመና ስለዝኽእል ጥዕና ኣእምሮና ዝከታተል (ቴራፒስት) ምርካብ እውን ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል።
ብድሕሪኡ፡ ከምቲ ገዝኡ ሸይጡ ዕድኡ ንክኸፍል ውሑዳት ሰዓታት ምስ ተረፎ፡ ተዓዋቲ ናይ 10 ሚልዮን ሩፒ (125 ሽሕ ዶላር) ሎተሪ ዝኾነ ህንዳዊ፡ ዝኾነ ዕዳ እንተጸኒሑኩም ክፈሉ።
ዕዳኹም ብምልኡ ምስ ከፊልኩም፡ ዕዳ (ሊያብሊቲ) ዘይኮነስ ንብረት (ኣሰት) ፍጠሩ።
“ንብረት (ኣሰትስ) ምጥራይ ማለት፡ ገንዘብ ዘምጽኡ ወፍሪታት ወይ ዋጋኦም እናወሰኸ ዝኸይድን ወኒንካዮም ገንዘብ ዘምጽኡን ማለት እዮ” ይብል ፓግሊያሪኒ። “ጽቡቕ መንበሪ ገዛ እንተገዚእኻ፡ ወርሓዊ ኣታዊ ትረኽበሉ ኢኻ።”
ኣብ ከም ኣክስዮን ትካላት፣ ቦንድን፡ ናይ ህንጻ ኣባይትን ዝግበር ወፍርታት እውን ጸቡቕ እዩ።
ግን ከኣ ሃብቲ ዘይኮነስ ዕዳ ኣብ ዘምጽኡ ወፍርታት ከይንሳተፍ ክንጥንቀቕ ከምዘለና ፓግሊያሪኒ የጠንቅቕ። ንኣብነት ባዶ መሬት ምግዛእ ጸገም እዩ ይብል።
ኣብ 2009 ወዲ 23 ዓመት ኒል ዋንለስ 230 ሚልዮን ዶላር ምስተዓወተ፡ ኣብ ሳውዝ ዳኮታ 50 ሽሕ ኤከር መሬት ገዚኡ። እንተኾነ ዋንለስ ዝበዝሕ ግዚኡ ኣብ ካናዳ ከሕልፍ ስለዝደለየ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ነቲ መሬት ብ 37.5 ሚልዮን ዶላር ሸይጥዎ።
ዋላኳ ነቲ መሬት ብዕጽፊ እንተሸጦ፡ ፓግሊያሪኒ ግን ጽቡቕ ወፍሪ ከምዘይኮነ እዩ ዝገልጽ።
ዋንለስ፡ ገንዘቡ ኣብ ናይ ኣክስዮን ዕዳጋ ወይ ኣብ መንበሪ ህንጻ ኣውዒልዎ እንተዝነብር ዝበለጸ መኽሰብ ምረኸበ ነይሩ በሃላይ እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን ሎተሪ ምዕዋት ህይወት ዝቕይር እኳ እንተኾነ፡ ክሳብ መወዳእታ ዘዝልቕ ግን ኣይኮነን። ንመብዛሕትኦም ውሑድ መጠን ዘለዎ ሎተሪ ዝዕወቱ ሰባት፡ እቲ ዝሓሸ ሓሳብ ግን ካልእ እዩ።
ኣንድሪውን ፓውላን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሓደ ሚልዮን ፓውንድ ምስተዓወቱ፡ ኣቐዲሞም ኣብ ናይ ምግቢ ስራሕ ተዋፊሮም ስለዝነበሩ ናብኡ ንክምለሱ ኣብ ናይ ዓሳ ንጥፈታት እትሕግዞም መኪና ገዚኦም።
እቲ ገንዘብ ክሳብ ጡረታ ዘንብሮም ዘይምዃኑ ዝገልጽ ፓግሊያሪኒ፡ ኣብ ዝኽእልዎ ስራሕ ገንዘብ ኣውፊሮም ኣታዊ ንምርካብ ምፍታኖም ጽቡቕ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ 2011 ናይ 19 ሚልዮን ሎተሪ ዝተዓወቱ ጆንን በዓልቲ ቤቱ ሊንዳን ብሽም ወለዶም፡ 200 ሽሕ ዶላር ብምውፋይ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ብ1940 ዝተመስረተ መዕረፊ መካይን ናብ መጸባበቒ ቀዪሮምዎ።
“ስለዚ [ሎተሪ እንተበጺሑካ] መኪና ክትገዝእ ትኽእል፤ ቤተሰብ ክትሕግዝ ትኽእል፤ መሓዙት ክትሕግዝ ትኽእል፤ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢ ክትጓዓዝ እውን ትኽአል” ይብል ፓግሊያሪኒ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ነቲ ገንዘብ ትርጉም ኣብ ዘለዎ መዓላ ምውዓል እዩ።