ብዛዕባ ሰሜን እዚ ዝተዛረቦ ሓዊሱ፡ ሓድስቲ ክስታት ዝቐረቦ ታየ ደንዳኣ

አቶ ታዬ ደንደአ

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, አቶ ታዬ ደንደአ

ምኒስተር ዲኤታ ሰላምን ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮምያን ነበር ታየ ደንደኣ ብሰለስተ ሓደስቲ ክስታት ተኸሲሱ።

ጠበቓኡ ኣቶ ኣበራ ንጉስ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ታየ ሎሚ ሰኑይ 15 ሕዳር 2018 [ግ] ብሰለስተ ሓደስቲ ክስታት ተኸሲሱ ኣሎ።

ቤት ፍርዲ ንታየ ብዓቃቢ ሕጊ ካብ ዘቕረበሉ፡ ሰለስተ ክስታት በቶም ክልተ ነፃ ከምዝሰደዶን፡ ብሓደ ግን ገበነኛ ኮይኑ ከም ዝረኸቦን ይዝከር።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ 3 ሕዳር 2018 [ግ]፡ ንጉዳይ ታየ ዝረአየ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል-ስልጣን ነበር ካብ ዝቐረቡ ሰለስተ ክስታት ሓደ፡ ማለት ሕጊ-ኣጽዋር ብምጥሓስ ዝብል እዩ፡ ገበነኛ ኰይኑ ረኺብዎ።

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መቕጻዕቲ ንምውሳን ንሎሚ 15 ሕዳር 2018 ዓ.ም ተለዋጢ ቈጸራ ዝነበሮ ዀይኑ፡ ኣብቲ መጋባእያ ሰለስተ ሓደስቲ ክስታት ቀሪቦምሉ።

እቲ ጠበቓ ከምዝብሎ ሓደ ካብቲ ክስታት፡ "ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ዝመሳሰል" ኰይኑ፡ "ዓመጽን ስርዓት ኣልቦነትን ንምፍጣር ምልዕዓል፡ ብሕጊ ዝተመርጸ መንግስቲ ብሓይሊ ንምዕላው ምፍታንን" ዝብል እዩ።

እቲ ካልኣይ ክሲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል፡ "ናይ ሓሶትን ምድንጋርን ሓበሬታ ምዝርጋሕ" ዝብል፤ እቲ ሳልሳይ ድማ 'ገበን ሃገር ምድፋር' ዝብል ይርከቦ።

ዝርዝር ናይቶም ሓደስቲ ክስታት

ቅድሚ ሕጂ፡ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኰይኑ፡ኣብ 1996 ዓ/ም ዝወፅአ ሕጊ ገበን ዓንቀፅ 257 ንኡስ ዓንቀፅ (ሠ) ብምጥሓስ ተኸሲሱ ነይሩ፣ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ሓድሽ ክሲ ምስዚ ዝመሳሰል ምዃኑ ኣቶ ኣበራ ተዛሪቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ምስ ካልኦት ሓይልታት ብምትሕብባር መንግስቲ ንምውዳቕ ብሕቡእ ምስራሕ፡ ህዝቢ ዘለዓዕል፡ ህዝባዊ ሞራል ዝጐድእ ፕሮፖጋንዳ ብምዝርጋሕ፡መንግስቲ ብጉልበት ንምዕላው ምፍታን ዝብል ክሲ፡ ብመሰረቱ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝቐረበ ክሲ ሓደ እዩ" ኢሉ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ታየ ዝቐረበ ሓድሽ ክሲ፡ 'ሆርን ኮንቨርዜሽን' ምስ ዝተባህለ ማሕበራዊ ሚድያ ቻነል፡ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ጠበቓኡ ገሊጹ።

እቲ ሰለስተ ክፋላት ዝሓዘ ቃለ መሕትት ኣቶ ታየ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ተዘርጊሑ።

"እቲ ክሲ ዘርዚርካ ክርአ እንከሎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቀሪቡ፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ካልእ ጉዳያትን ብዝምልከት መደናገሪን ሓሶትን ሓበሬታ ሂቡ ዝብል እዩ። እቲ ካልኣይ ክሲ፡ ብፍላይ ኣብ 'ሆርን ኮንቨርዘሽን' ኣብ እትበሃል ቻነል፡ መደናገሪ ሓበሬታ ነዚሕካ" ዝብል እዩ።

እቲ ሳልሳይ ክሲ ብተመሳሳሊ፡ ምስዚ ቃለመሕትት ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ "ኣንጻር እቲ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተመርጸ መንግስቲ ወፍሪ ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እታ ሃገር ጉድኣት ኣውሪዱ" ዝብል ምዃኑ እቲ ጠበቓ ኣብሪሁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቶ ታየ፡ ነጻ ዝተባህለሎም ክሲታት፡ "ምስ ጸላኢ ብምሕባር"ን "ምክልኻል ሃገር ንምጥቃዕ ምድላው ምግባርን" ዝብል ክልተ ክስታት እዮም ነይሮም።

እቲ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ነጻ ዝተባህለሉ ክሲ፡ ቅድሚ ሕጂ ተሰሚዑን ተነጺጉን እኳ እንተነበረ፡ ዳግማይ ክስማዕ ከምዝተገብረ ድማ ይዝከር።

ብመሰረት ኣቶ ኣበራ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ሎሚ መስርሕ ፍርዲ፡14 ነጥብታት ዝሓዘ መቕጻዕቲ ናይ ምቅላል ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ካብዚ ድማ፡ ኣቶ ታየ ኣቐዲሙ ናይ ገበን ታሪኽ ከምዘይብሉን፡ ኣቦ ስድራ ምዃኑን ጠቒሱ።

ብተወሳኺ፡ "ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ጸልማት ክፍሊ ብምቕማጡ፡ ኣብ ኣዒንቱ ጸገም ጥዕና ከምዘጋጠሞ" ብምጥቃስ ካልእ ናይ ምቅላል ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ብዘይካ'ዚ፡ ቅድሚ ምእሳሩ፡ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን "ኣብ ልዕልና ሕግን መኸተ ብልሽውናን" ዝገበሮ ኣበርክቶ ተኻቲቱ።

ዓቃቢ ሕጊ ብወገኑ ኣብቲ መካበዲ መቕጻዕቲ ሓሳቡ፡ "ሚኒስተር ክልል ሰላም ኰይኑ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣጽዋር ሒዙ ከምዝተረኸበ" ብምጥቃስ፡ "ብመንጽር ምኽባር ሕጊ ኣብነት ክኸውን እናተገብኦ፡ ኣብ ክንድኡ ግን ከምዚ ገይሩ" ብምባል፡ እቲ መቕጻዕቲ ዝኸበደ ክኸውን ሓቲቱ።

ቤት ፍርዲ ብየማንን ፀጋምን ዝቐረቡ ገበን መቕልልን መኽበድን ክትዕ ንምስማዕ፡ ን23 ሕዳር 2018 [ግ] ተለዋጢ ቈጸራ ሒዙ ኣሎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል፡ ንኣቶ ታየ፡ ምክልኻል ከየድለዮ፡ ኣብ ሓምለ 2017 ዓ.ም ካብ ዝቐረቡዎ ክልተ ክስታት ነፃ ከምዝገበሮ ይዝከር።

ብተወሳኺ ምስ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ምሓዝ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት፡ ብዋሕስ ክፍታሕ ወሲኑ'ኳ እንተነበረ፡ ዓቃቢ ሕጊ ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ይግባይ ተቐባልነት ረኺቡ፡ ዋሕሱ ተሰሪዙ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ እዩ መስርሕ ቤት ፍርዲ ዝከታተል ዘሎ።

ኣቶ ታየ፡ ብዛዕባ ኵነታት ሰላም ሃገርን ኣብ መንግስቲ ዘሎ ጉዳያትን ንማዕከናት ዜና ብምዝራብ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓሳቡ ብምግላጽ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዝጸሓፎ በዓል ክልተ መስመር ደብዳበ፡ ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣለየ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጹ ሓያል ነቐፌታን ክስን ኣብ ዘቕረበላ ምሸት፡ ብሓይልታት ጸጥታ ካብ ገዛኡ ተወሲዱ ዳርጋ ዓመት ተኣሲሩ።

ካብኡ ብውሳነ ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ተፈቲሑ'ኳ እንተነበረ፡ ካብ ግንቦት 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ግን ዳግማይ ተኣሲሩ ኣሎ።