ኣብ ዋዕላ 'ሕውየት ንግድን ልምዓትን ትግራይ' ዘካተዐ ዘረባ ታዬ ደንደኣ

ብሰንኪ እቲ ክልተ ዓመት መመላእታ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ዝዓነዉ ትካላት ማሕበረ-ቍጠባ ዳግም ኣብ ምህናፅን ኣብ ኣንፈታት ሕውየት ንግዳዊ ህይወትን ዝምልከት ዋዕላ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ዀይኑ፡ ገለ ኣካታዕቲ ዛዕባታት ተላዒሎም ነይሮም።
ንሚኒስትሪ ንግዲን ኢንዲስቱሪን ከምኡ እውን ሚኒስትሪ ሰላም ኢትዮጵያ ዝወከሉ ሰብ መዚ ኣብቲ ዋዕላ ብምስታፍ ኣብ ተኽእሎ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ሓሳብ ሂቦም።
ሚኒስተር ዲኤታ ኣቶ ታየ ደንደኣ፡ "ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ተዛዊረ ርእየ እየ። ብሓደ ይዅን ብኻልእ መገዲ ኣካል ናይቲ ሓደገኛ ኲናት ብምዃነይ ዓሚቝ ሕማም ይስምዓኒ" ኢሉ።
ኣብቲ ዘተ ዝተረኽበ ፕረዚደንት ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ካብ ማሕበረሰብ ንግዲን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተረኸቡ ሰባት ኣብ ኣንፈታት ዳግመ ሕውየት ቍጠባን ንግድን ትግራይ ዘቕረብዎ ሓሳብ ተደሪኹ፡ ርእይቶ ሂቡ።
ኣቶ ጌታቸው ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ፡ “ኣብዚ እዋን እዚ ኴንካ ብዛዕባ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ምዝታይ ማቻ ክመስል ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ሕውየትን ንግዲን ልምዓትን ምዝራብ ኣየድልን'ኳ እንተዘይተበሃለ: ብቐንዱ ግን ብኣሻሓት ዝቝጸር ህዝብና ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ስለዘሎ ኣብዚ ቀዳምነትን ጠመተን ሂብካ ምዝታይ ከድልየና እዩ" ኢሉ።
ኣቶ ጌታቸው ብተወሳኺ፡ ንግዳዊን ልምዓታዊን ሕውየት ክህሉ እንተዀይኑ ሎሚ'ውን ዝተዓጽወ መገዲን ቢንቶን ክኽፈት ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ‘መንገዲ ብምዕጻዉ ንዝኸስቡ ሰባት ዕድል ክንህብ ኣይግባእን’ ኢሉ።
ኣብቲ እዋን ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ‘ዘይእዉጅ’ ኵለንተናዊ ዕጽዋ ተነቢሩ ዝነበረ ዀይኑ፡ ብሰንኩ ድማ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘስዓበ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ተወካሊት ትካል ዓለምለኻዊ ስርሓት ወይዘሮ ቅድስት ጫላ ብወገና፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዳግመ ህንፀት ትካላት ፋብሪካን ኢንዱስትርን ከምዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ ሕውየት ስነልቦና እውን ጠመተ ተዋሂቡ ክስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪባ።
“ኣብዚ መዳይ ግደ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዚያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይን ልዑልን ኣገዳሲን እዩ” ክትብል ድማ ኣዘኻኺራ።

ታየ ደንደኣ እንታይ እዩ ኢሉ?
ንሚኒስትሪ ሰላም ወኪሉ ዝተዛረበ ኣቶ ታየ ዘረባኡ፡ "ይዅን እምበር ዝፈሰሰ ስለዘይሕፈስ፡ ብዛዕባ ዝሓለፈ ገዲፍና ንቕድሚት ንጠምት። ሰላምን ንግዲን ድማ ተደጋጊፉ እዩ ዝኸይድ" ኢሉ።
"ሎሚ ክንዲ ዘሕምም የሕምመና ኵሉ እቲ ዝጠፍአ ኣይምለስን። ካብዚ ንደሓር ኣብቲ ዝጠፈአ ምስቁንቋንን ምውቕቓስን ይጎድአና እምበር ነቲ ዝተረፈ ኣየድሕንን።"
ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶ/ር ዮሃንስ ተኽለ "‘ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ፡ ዝጠፈአ ጥፉእ እዩ ኣይነልዕን’ ንብል እንተዄንና፡ ስለምንታይ ደኣ ብዛዕባ ዳግመ ህንፀት ንዝቲ ኣለና" ብምባል ነቲ ሓሳብ ነቒፍዎ።
“ንዝጠፍአ ሕሉፍ እማ ተሓታትነት ክህሉ ግድን እዩ” ብምባል ርእይቶ ሂብሉ።
እቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰለማውያን ሰባት ግዳይ ዝገበረን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዘፈናቐለን ኲናት፡ ዝተሳተፉ ኣካላት ገበናት ኲናት ክዀኑ ዝኽእሉ ግህሰታት መሰላት ከምዝፈጸሙ፡ ኮሚሽን ምጽራይ ውድብ ሕቡራት ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
እቲ ኲናት ብሰለማዊ ልዝብ፡ ብውዕል ፕሪቶርያ ደው እንተበለ’ኳ፡ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ፡ እቶም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ቀጺሎም ከምዘለው፣ ብዓለምለኻዊ ዘይሻራዊ ኣካል ክምርመሩን፡ ፍትሕን ተሓታትነትን ክሰፍንን እዮም ዝደልዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ብሃገራዊ ትካላት ፍትሒ ዝካየድ ’መሰጋጋሪ ፍትሒ’ ከስፍን ምዃኑ ይገልጽ።
ርእይቶኡ ዝቐፀለ ዶ/ር ዮሃንስ ወሲኹ፡ ኣብቲ ዋዕላ መጽናዕታዊ ሓሳብ ዝሃቡ ምሁራት እውን ‘መጽናዕቶም ነቲ ኣብ ትግራይ ዝወረደ ዕንወት ዘይገልጽን፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልዊ ኵነታት ተደሪኹ ዘይተኻየደን እዩ’ ክብል ነቐፌታኡ ኣቕሪቡ።
"ህዝቢ ትግራይ ብናይ ደገ ሓይሊ ተወሪሩ ከምዘሎ ንጹር እንከሎ ብዛዕባ እዚ ኣብቲ ዋዕላ ብጩቕ ንምባል ዝደፍር በዓል ስልጣን ዘይምስማዕና እውን ኣሕዚኑና እዩ" ኢሎም ዶ/ር ዮሃንስ።

'ኵሉ ነገር ናብ ንቡር ክምለስ ዝብል ተስፋ ነይሩና'
ምክትል ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ንግዲን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ፡ ኣቶ ኣታኽልቲ ስዩም፡ ካብቶም ተሳተፍቲ ሓደ እዩ።
እቶም ዝቐረቡ መጽናዕታት፡ ከም መበገሲ ጥራይ ክውሰዱ ከምዝኽእሉ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ።
“ከም መበገሲ ክንወስዶ 'ምበር ዝተማለአ መጽናዕቲታት ኣይቀረበን። ነቲ ኵነታት ብዝበለጸ እንርደኦ ንሕና ኢና። ንሕና በዓልትና ካብ መንግስቲ እንታይ ከም ንጽበ መጽናዕቲ ክነቕርብ ኢልና ነይርና ኢና። ግን ኣይተቐበልዎን” ኢሉ።
ብፍላይ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝወረደ ዕንወትን ብርሰትን፡ ማሕበረሰብ ንግዲ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ክዘራረብ ከምዝደሊ ተዛሪቡ።
“ዕንወት ዝበጽሖም ትካላት ኣለዉ። እዚኦም ከመይ ገይርካ ይሓውዩ፡ ይከሓሱን ይተባብዑን ኢልና ምስ ፈደራላውን ክልላውን መንግስቲ ኣጀንዳ ገይርና ክንዘራረበሎም ዝግባእ ኣርእስቲ እዮም።”
ገሊኦም ብናይ መንግስቲ ልቓሕ ዝተሃነጹ ኰይኖም በቲ ኲናት ጠቕሊሎም ዝበረሱ ከምዘለዉ ብምዝኽኻር፡ በብ ዓውዱ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመስረተ ፍታሕ ክግበረሎም ይሓትት።
ከምኡ ድማ፡ ኣብቲ እዋን ኲናት፡ ኣብቲ ክልል ዝዀነ ዓይነት ንግዳዊ ምንቅስቓስ ደው ኢሉ ኣብዝሓ ነጋዳይ ኣደዳ ኪሳራን ዕዳን ስለዝዀነ፡ ወለድ ምሉእ ብምሉእ ክስረዘሉ ይግባእ ዝብል፡ ኣቶ ኣታኽልቲ ወሲኹ ኣልዒሉ።
“ስምምዕ ፕሪቶርያ ምስተገብረ ኵሉ ነገር ናብ ንቡር ክምለስ ዝብል ተስፋ እዩ ነይሩ” ዝበለ ኣቶ ኣታኽልቲ፡ "ብፍላይ ኣብ መዋሰንቲ ከባብታት ኣምሓራን ዓፋርን ሕዚ’ውን፡ ካብ ዘይስሩዓት ጕጅለታት ዝተፈላለየ ምንግልታዓት" ከምዘሎን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕበረሰብ ጸቕጢ ይፈጥር ከምዘሎን ኣረዲኡ።
"ሸፋቱ ዝበዝሕዎም ከባቢታት ስለዝዀነ፡ ፈደራል መንግስቲ ትዅረት ገይሩ ክሰርሐሉ ኣለዎ" ኢሉ።
እቲ ዋዕላ ሳይፕ ዝበሃል ዓለምለኻዊ ትካል ዘበገሶን ዝመርሖን ኰይኑ ኣብ ትሕቲ "ውሕስ ሰላም ኣብ ዝፈጥር ቍጠባዊ ሕውየት፡ ዳግመ ህንፀት፡ ምንቅስቓስ ንግዲን ኢንቨስትመንትን" ዝብል መሪሕ ቃል ዝተኻየደ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







