ኢራን እትቕልሶ ኪዳን 'ቀለበት እሳት' ንእስራኤል ኣብ ከመይ ኣሎ?

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ ብኢራን ዝድገፍ መንግስቲ ሶርያ ምውዳቝ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓደ ካብ ጸለውቲ ኪዳናት ኰይኑ ዝጸንሐ 'ኣክሲስ ኦፍ ረዚስታንስ' [ኪዳን መኸተ] ዓቢ ጽፍዒት እዩ።

ኣብ ሓምሻይ ዓመት ዝኽሪ ሞት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ሃንደስቲ እቲ ኪዳን ዝነበረ ቓስም ሱለይማኒ፡ ቢቢሲ ፐርሽያ ነቲ ጥምረት ዳህሲሱ ኣሎ፤

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንትነት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ባቕዳድ ዒላማ ኰይኑ ዝተቐትለ እዩ - ቓስም ሱለይማኒ።

ንሱ ኣዛዚ ናይቲ ንስርሒታት ወጻኢ ሓላፍነት ዝስከም ጨንፈር ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ፍሉይ ኣሃዱ ቕዱስ ኰይኑ፡ ቀንዲ ሃንዳሲ ዞባዊ ጽልዋን ወተሃደራዊ ስትራተጂን ኢራን ነይሩ።

ቓስም ብድሮን ኣሜሪካ ብ3 ጥሪ 2020 ቅድሚ ምቕታሉ፡ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ፡ ብዛዕባ "ብብዝሒን ብዓይነትን ምስፍሕፋሕ ሓይልታት መኸተ" ንኣዘዝቲ ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ምስጢራዊ መደረ ሂቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ክቕተል ምዃኑ ዝገመተ ክመስል፡ ብዛዕባ'ቲ ንልዕሊ ክልተ ዕቝድ ንሓይልታት ቕዱስ ዝነበሮ መሪሕነት ሰፊሕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

"ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ንሓይልታት ጥምረት መኸተ ብብዝሕን ብዓይነትን ኣማዕቢሉዎ'ሎ፤ ካብቲ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከብ 2ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ናብ ፍርቂ ሚልዮን ትርብዒት ኪሎሜተር ኣስፊሕዎ" ክብል መዲሩ።

ቀጺሉ፡ "ሓለዋ ሰውራ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት መኸተ ግዝኣታዊ ምትእስሳር ፈጢሩ እዩ፤ ኢራን ምስ ዒራቕ፡ ዒራቕ ምስ ሶርያ፡ ንሶርያ ድማ ምስ ሊባኖስ ኣራኺቡወን ኣሎ። ሎሚ፡ ብመኪና ጌርካ ካብ ቴህራን ክሳብ ደቡባዊ ከባቢታት በይሩት ብቐሊሉ ክብጻሕ ዝኽእል ኰይኑ ኣሎ፡" ኢሉ።

እቲ ኣብ ኢራን ከም ቀንዲ ዓወት ቓስም ሱለይማኒ ዝርአ ኪዳን ሓይልታት መኸተ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ሓያሎ ዓበይቲ ክሳራታት ኣጋጢምዎ እዩ።

ንማእከላይ ምብራቕ ዝቕይር ሓሳብ

ዞባዊ ምስፍሕፋሕ ኢራን፡ እቲ ኣንጻር ኣመሪካን እስራኤልን ክምክት ዝተላዕለ ሊባኖሳዊ ሓይሊ ሺዓ ንኽምስረት ዝሓገዘትሉ 1980ታት እዩ ዝጅምር።

ጸኒሑ፡ እቲ ኣብ 2003 ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ዝፈጸመቶ ወራር፡ ኣብ 2011 ዝነቶገ ቀውዒ ዓረብ፡ ከምኡ'ውን ከም ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ ዝኣመሰሉ ኣኽረርቲ ምንቅስቓሳት ሱኒ ምቕልቃሎም፡ ኣብቲ ዞባ ዝፈጠሮ ዘይምርግጋእ፡ ኢራን ጽልዋኣ ከተሐይል ዓቢይ ዕድል ፈጢሩላ እዩ።

ምውፋር ሓይልታት ኢራን ኣብ ሶርያ፡ ህላወ ዕጡቓት ጕጅለታት ሺዓ ኣብ ዒራቕን ሊባኖስን፡ ካብ ዶባት ኢራን ክሳብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪን ክሳብ ዶባት እስራኤል ዝዝርጋሕ ግዝኣታዊ ምትእስሳር ክትፈጥር ክኢላ እያ።

ፕሮፌሰር ዳኒኤል ሶቤልማን ኣብ የሩሳሌም ዩኒቨርሲቲ እብራይስጥ፡ ቅድሚ ወራር ኣመሪካ ንዒራቕ ኣብ 2003፡ ኣብቲ ኢራንን ትቈጻጸሮ ዘላ ዞባታት ምድራዊ ኮሪደር ምፍጣር ዝብል ሓሳብ ግብራዊ ከምዘይነበረ ይገልጽ።

ኣተሓሒዙ፡ "ኲናት ዒራቕ፡ ንኢራን ካብ ዒራቕ ንሶርያ፡ ካብኡ ድማ ብቐጥታ ናብ ሊባኖስ ከተራኽብ ኣኽኢሉዋ እዩ" ይብል።

"እዚ ብሓቂ መሰረታዊ እዩ፤ ምኽንያቱ ኣብ ሊባኖስ ዝዓስከረ ሕዝቦላህ ሰንደቕ ዞባዊ ፕሮጀክት ኢራንን እምነ ኩርናዕ ኪዳን ሓይልታት መኸተን እዩ።"

የመን እውን ብኲናት ሓድሕድ ዓንያ፡ ርእሰ ከተማኣን ብዙሓት ወሰንቲ ከተማታትን ኣብ ትሕቲ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ምልሻታት ሑቲ ወዲቐን እየን።

ንእስራኤል ዝኸበበ 'ቀለቤት እሳት'

"ኪዳን መኸተ" ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ መንጐ ጕጅለታት ሺዓ - ብቐንዱ - ከምኡ'ውን ከም ፍልስጤማውያን ውድባት ሓማስን እስላማዊ ጅሃድን ዝኣመሰሉ ገለ ጕጅለታት ሱኒ እስላምን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጽልዋ ምዕራባውያንን እስራኤልን ንምብዳህ ዝዓለመ ዞባዊ ምሕዝነት ፈጢሩ እዩ።

እዚ፡ ብከም በዓል ሕዝቦላህ ኣብ ሊባኖስ፣ ምሊሻታት ሺዓ ኣብ ዒራቕ፣ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ የመን፡ ከምኡ'ውን ቅድሚ ሕጂ ንመንግስቲ ባሻር ኣል ኣሳድ ኣብ ሶርያ ዝሓቘፈ ኪዳን፡ ከም ኣገዳሲ ጂኦፖለቲካዊ መዘውር ኢራን ኰይኑ ኣገልጊሉ።

መንግስቲ ኣሳድ ብርግጽ፡ ብዘይደገፍ ናይዚ ኪዳን ኣመና ኣቐዲሙ ክወድቕ ምኸኣለ ነይሩ።

ኪዳን መኸተ፡ ንእስራኤል ዝኸበበ "ቀለቤት እሳት" ብምምስራት ቀንዲ መሳርያ መኸተ ኢራን ኣንጻር እስራኤልን ኣሜሪካን ኰይኑ።

ኣሜሪካ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ጆርጅ ቡሽ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዘካየደቶ ኲናት፡ ምስቲ ምምሕዳር ኦባማ ንውዕል ኑክሊየር ኢራን ንምሕላው ክብል ምትእትታው ኢራን ኣብ ሶርያ ሸለል ምባሉ ተደሚሩ፡ ዞባዊ ሓይሊ ቴህራን ክድልድል ዕድል ከፊቱ እዩ።

እዚ ድማ ተደማሚሩ ኢራን ጽልዋኣ ከተስፍሕን፡ ኪዳን መኸተ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከተደልድልን ኣኽኢልዋ።

ኣብ እዋን ፕረዚደንትነት ትራምፕ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ዝነበረ ጆን ቦልተን፡ ኢራን ጐድኒ ጐድኒ ምስፍሕፋሕ ኪዳን መኸተ፡ ወተሃደራዊ ሓይላ ንምሕያል ዝገበረቶ ጻዕሪ ዕዉት ምንባሩ ይገልጽ።

"ኢራን፡ ነቲ ቓስም ሱለይማኒን ሓይሊ ቕዱስን ስትራተጂ 'ቀለቤት እሳት' ኣንጻር እስራኤል ኢሎም ዝጽውዕዎ ኪዳን መኸተ ንምፍጣር፡ ኣዝዩ ሓያልን ዕቱብን ጻዕሪ እያ ኣካይዳ" ይብል።

"ኣብዚ ጻዕሪ፡ ምስ ምፍጣርን ምሕያልን ሕዝቦላህ ኣብ ሊባኖስ ዝጀመረ፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ቢልዮናት ዶላራት ኣውፊሮም ኢለ እግምት፤ ነዚ ምስ መደባት ኑክሊየርን ባሊስቲክ ሚሳይላትን ኢራን ኣወሃሂድና ምስእንርእዮ፡ ገዚፍ ጥሙሕ ዝነበሮን ኣገደስቲ ዓወታት ዝመዝገበን እዩ።"

ምንቍልቋል ጽልዋ ኢራን

ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ቓስም ሱለይማኒ ክቕተል ብዘሕለፎ ትእዛዝ፡ ንምንቍልቋል ጽልዋ ኪዳን መኸተ መገዲ ጸሪጕ።

ኣብዚ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ዝምለሰሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ ኢራን ኣብ ውሽጢ ዕስራ ዓመታት ኣብ ዝደኸመ ቍመናኣ ትርከብ።

ኣብ እዋን ቀዳማይ ፕረዚደንትነት ትራምፕ ፕረዚደንት፡ ካብቲ ዓለምለኻዊ ስምምዕ ኑክሊየር ምውጻእን ተሪር እገዳታት ምሕላፍን ዘጠቓልል፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን "ዝለዓለ ጸቕጢ" ዝብል ወፍሪ ተግቢሩ እዩ።

እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኢራን ርኡይ ፋይናንስያዊ ጸቕጢ ኣስዒቡ፤ ምስ ሞት ቀንዲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ቓስም ሱለይማኒ ተደሚሩ ድማ፡ ዞባዊ ተራ ኢራን ኣብ ምድኻም ዓቢይ ኣበርክቶ ገይሩ።

ድሕሪ'ቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈነዎ መጥቃዕቲ፡ ዓቢይ ብድሆታት ስዒቡ እዩ።

ሞት መራሕቲ ሓማስን ምዕናው ወተሃደራዊ ሓይሉ ኣብ ቓዛን፡ ምስ ቅትለት መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስረላህ ኣብ በይሩት ከምኡ'ውን ብዙሓት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጕጅለታት ሺዓን ዒላማ እስራኤል ምዃኖምን ስዒቡ፡ ሓይሊ መኸተ ኢራን ኣንጻር እስራኤል ከም ዝተዳኸመ እዩ ዝግምገም።

ልምሰት ወተሃደራዊ መሓውር ሕዝቦላህ፡ እቲ ኣገዳሲ ዞባዊ ጽልዋ ኢራን፡ ኣብ ዝተናውሐ ናብ ረብሓ እስራኤል ኣሰጋጊርዎ ይብል ዶክተር ዳኒኤል ሶቤልማን።

"ሕዝቦላህ፡ ንነዊሕ ዓመታት ንነብሱ ከም ዝሓየለ ኣካል ናይቲ ኪዳን መኸተ ገይሩ እዩ ክርኢ ጸኒሑ" ይብል።

"ሕጂ ብዛዕባ ቀጻልነት ናይዚ ኪዳን ምዝታይ ኣገዳሲ እዩ።"

ንሱ ወሲኹ፡ "ኪዳን መኸተ ነቲ ሚዛን ሓይሊ ናብ ረብሓ ኢራን ክቕይር ክኢሉ ነይሩ እዩ፤ ሕጂ ግን እቲ ኵነታት ምሉእ ብምሉእ ተገልቢጡ'ሎ" ይብል።

ብኻልእ ሸነኽ፡ እቲ ብደገፍቲ ኢራን ከም ዓንዲ መጽለሊ ዳስ ኪዳን መኸተ ክግለጽ ዝጸንሐ ስርዓት ኣል ኣሳድ ምውዳቝ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኪዳን ከቢድ መጽፋዕቲ ኣውሪዱ እዩ።

ጆን ቦልተን፡ "እቲ ዝዀነ ሰብ ዘይተጸበዮ ውድቀት ኣሳድ፡ ንኢራን ዓቢ ስዕረት'ዩ - እዚ ዘጠራጥር ኣይኰነን" ይብል።

"ንሕዝቦላህ'ውን ዓቢ ስዕረት'ዩ፤ ምኽንያቱ እቲ ካብ ኢራን ብምድሪ ኣቢሉ ዝበጽሖም ዝነበረ ቀረብ ሚሳይላትን ኣጽዋርን ካልእ መሳርሒታትን ተዓጽዩ'ሎ።"

ብተወሳኺ፡ "ስለዚ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ዘይተኣደነ ጸቕጢ እስራኤል ዝርከብ ሕዝቦላህ፡ ሕጂ ከቢድ ሕጽረት ቀረባት የጋጥሞ ኣሎ" ይብል።

መጻኢ ኵነታት እቲ ኪዳን መኸተ

ኣብዚ እዋን ኢራን፡ ብዙሓት ኣዘዝትን መራሕትን ኪዳን መኸተ ከሲራ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ መሻርኽታ ዘተኣሳስር ምድራዊ ግዝኣታት ስኢና ኣብ ጽንኵር ኵነታት ትርከብ።

ኣብ ጐድኒ ምሊሻታት ሺዓ ዒራቕ እቲ ኣብ የመን ዝርከብ ሓይሊ ሑቲ፡ ኣብቲ ዞባ ዝተረፈ እንኮ መማዝንቲ ሓይሊ ኢራን እዩ።

እንተዀነ እዚ ሓይሊ'ዚ እውን ካብ ኣሜሪካን እስራኤልን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ይወርዶ ኣሎ።

ኢራን፡ ዝገበረቶ ወፍሪ ቢልዮናት ዶላራትን ከምኡ'ውን ኣብ ሶርያን ካልእ ዞባታት ግጭትን ዝፈሰሰ ደምን ብዘየገድስ፡ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ዓቢ ዞባዊ ሓይሊ ዝቝጸር ዝነበረ ኪዳን ከቢድ ብድሆታት ኣጋጢምዎ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ፡ ኣብ መንጐ ኢራንን ኣመሪካን ዝዀነ ስምምዕ እንተዘይተበጺሑ፡ ኣታዊታት ነዳዲ ኢራን ንምድራትን፡ ንምልሻታት ሺዓ ካብቲ ምዕሪት ንምውጋድን ስግኣታቱ ምሉእ ብምሉእ ንምቕንጣጥን ንቻይናን ዒራቕን ከፈራርሕ ይኽእል እዩ ።

ኣብዚ፡ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዝህወጸሉ ዘሎ ኵነታት፡ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመይኒ፡ ኣብ ታሕሳስ "ኣብ ልዕሊ ተቓውሞ ዝያዳ ጸቕጢ ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ዝያዳ ሓይሊ ድርኺት እዩ ዝፍጠር" ኢሉ።

ኣያቶላህ ወሲኹ "ስፍሓት ናይቲ መኸተ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ክዝርጋሕ'ዩ" ኢሉ።

መደረኡ፡ ኢራን ነቲ ጥምረት ዳግም ንምህናጽን ዝተኸስረ ግዝኣታዊ መላግቦታት ንምምላስን ክትገብሮ እትኽእል ጻዕርታት ዝእምት እዩ።

ኣብ ሰራዊት እስራኤል ሓላፊ ስለያን ክኢላ ጸጥታዊ ስግኣታትን ዝነበረ ኢብራሂም ሌቪን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ጥምረት መኸተ መንፈስ ምፍዳይ ሕነ ሕጂ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ከምዘሎን፡ መራሕቱ ድማ ነቲ ዝነበሮም ቍመና ንምምላስ ክጽዕሩ ምዃኖምን ይእምት።

ለቪን ከም ዝብሎ፡ ሶርያ ብመጠኑ "ጠፊኣ" እኳ እንተሃለወት፡ "ኢራን ምስ ሶርያ ዘለዋ ርክብ ዳግማይ ክትምስርት ክትፍትን ትኽእል እያ፤ እዚ ድማ ንኸም በዓል ጀላኒ መራሒ ኣ'ሻም ኣ'ታሕሪር ዝኣመሰሉ መራሕቲ ዳግማይ መሬት ሶርያ ንምጥቃም ፍቓድ ክትረክብ እማመታት ከተቕርበሎም ትኽእል እያ" ይብል።

ዶክተር ሶቤልማን፡ እዚ እዋን ንፖለቲካዊ ምህዞታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ወሳኒ መድረኽ ምዃኑ ይኣምን።

"ምናልባት ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ንምፍታሕ ዕድል ኣሎ" ይብል።

"ፖለቲከኛታትን ሃንደስቲ ፖለቲካን ነዚ እዋን ክግንዘብዎን፡ ሳዕቤናት ኲናት ክግምግሙን ኣብቲ ዞባ ዝሓሸ መጻኢ ንምፍጣር ዘኽእል ኣማራጺ መንገድታት ክድህስሱ ዝኽእሉሉ እዋን ሕጂ'ዩ።"