እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስለያ እስራኤል፡ መራኸቢ ራድዮታት ሕዝቦላህ ብኸመይ ኣብ ኢዶም ተፈንጂረን?
ዕጡቕ ጉጅለ ሊባኖስ ሕዝቦላህ፡ 'ፔጀር' ተባሂለን ዝፍለጣ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ዝሕግዛ መራኸቢ ራድዮታት ቅድሚ ምፍንጃረን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ከምዝተጠቕሙለን ክልተ ኣባላት ሞሳድ (ስለያ እስራኤል) ነበር ኣቃሊዖም።
እተን ገመድ ኣልቦ መራኸቢ ራድዮታት፡ ዝሓለፈ መስከረም ናይዚ ዓመት ኣብ ጁባታት ሕዝቦላህ እንከለዋ ሃንደበት ብእስራኤል ተጻዊደን ተፈጂረን።
እዞም ክልተ ኣባለት ሞሳድ ነበር፡ ንሲቢኤስ ኒውስ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣሽሓት ዝዀና መራኸቢ ራድዮታት ኣብ እስራኤል ከምዝተሰርሓ ከየፍለጡ ንሕዝቦላህ ኣታሊሎም ከምዝሸጡሎም ሓቢሮም።
በቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ቆሲሎም። እስራኤል ንኣባላት ሕዝቦላህ ጥራይ ዒላማ ንምግባር ዝተጻወደ ምዃኑ እኳ እንተገለጸት፡ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ምዃኖም ሰበስልጣን ሊባኖስ ገሊጾም።
ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከኣ ነቲ መጥቃዕቲ " ገበን ኲናት'ዩ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ እስራኤልን ሕዝቦላህን ብሰንኪ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዝነበረ ኩናት ኣብ ግጭት እዮም ጸኒሖም።
ኣብ መስከረም 2024፡ ሕዝቦላህ ተቆጻጺርዎ ኣብ ዝነበረ ከባቢታት ብኣሽሓት ዝቑጸራ መራኸቢ ራድዮታት ኣብ መላእ ሊባኖስ ብሓንሳብ ተፈንጂረን።
ብሰንኪ እቲ ነትጒ ከኣ ነተን ራድዮታትን ዝጥቀሙለን ዝነበሩን ኣብ ጥቓኦም ዝጸንሑ ሰባትን ቆሲሎምን ሞይቶምን። ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ሊባኖስ ድማ ራዕድን ስንባደን ፈጢሩ።
ንጽባሒቱ ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ ካልኦት መራኸቢ ራድዮታት ተፈንጂረን፤ ካልኦት ኣማኢት ሰባት'ውን ተቐቲሎምን ቆሲሎምን።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ናይቲ ፍጻሜ፡ እስራኤል፡ ኣብቲ ናይ ፔጀርስ መጥቃዕቲ ኢድ ከምዘለዋ ከምዝተኣመነ ማዕከናት ዜና እስራኤል ጸብጺበን ነይረን።
እቶም ክልተ ኣባላት ስለያ ነበር፡ ምስ መሻርኽቲ ፈነወ ቢቢሲ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ዝርዝር ናይቲ ስርሒት ኣካፊሎም።
ሓደ ካብቶም ሚካኤል ብዝብል ናይ ስለያ መጸውዒ ስሙ ዝፍለጥ ኣባል፡ ሞሳድ ኣብ ውሽጢ እተን ናይ ራድዮ መራኸቢታት( ዎኪ-ቶኪ) ኣብቲ ባተሪአን ዝነቱግ ባእታ ከምዝተጻወደ ኣረዲኡ። እተን ሬድዮታት ከኣ ብልምዲ ኣብ ኣፍ ልቢ ናይቶም ዝሕዙወን ሰባት ከምዝቑለፋ ኰይነን ከምእተሰርሓ ገሊጹ።
ንሱ ከምዝሓበሮ፡ ሕዝቦላህ ብገርሁ፡ ቅድሚ 10 ዓመት ካብ ሓደ ናይ ሓሶት ኩባንያ ልዕሊ 16 ሽሕ ዎኪ-ቶኪ ''ብርትዓዊ ዋጋ" ዓዲግወን።
"ናብ እስራኤል ዝመርሕ መንገዲ ዘይብለን ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ብምፍጣር ንምእማኑ ዘጸግም ተኽእሎታት ጌርና ነቲ ቀረብ ሰንሰለት ንረብሓና ለዊጥናዮ" ይብል ማይክል።
"ዘየለ ዓለም ፈጢርና። ንሕና ኣፍረይቲ፡ ጻሓፍቲ፡ ዳይረክተራት ከምኡ'ውን ተዋሳእቲ ኮይንና፤ ነቲ ዓለም ከኣ ከም መድረኽና ቀይርናያ።
"እቲ ስርሒት ቅድሚ ክልተ ዓመት ብሰፊሑ ናብ ኩለን ፔጀራት/መራኸቢ ራድዮታት ኣስፊሕናዮ" ክብል'ውን ንሲቢኤስ ገሊጹ።
ሞሳድ፡ ኣብቲ እዋን ሕዝቦላህ ካብ ጎልድ ኣፖሎ (Gold Apollo) ዝተባህለ ታይዋናዊ ኩባንያ መራኸቢ ራድዮታት ይገዝእ ከምዝነበረ ሓበሬታ ረኺቡ ክብል ሓቢሩ።
እቲ ቀንዲ ኩባንያ ከይተረድኦ፡ ካልእ ስኑዕ "ጎልድ ኣፖሎ ኩባንያ" ብምምስራት፡ ብዘይ ኣፍልጦ እታ ቀንዲ ኩባንያ ነተን ብነታጒ ዝተጻወዳ መራኸቢ ራድዮታት ክሰርሕ ተመስሪቱ።
ሲቢኤስ ከም ዝበሎ፡ ሞሳድ ኣብ ውሽጢ መራኸቢ ራድዮታት ነቲ ተጠቃሚ ጥራይ ክጎድእ ዝኽእል ሓያል ነታጒ ኣጻዊዶም።
"ዝተሓተ ዕንወት ከምዘስዕብ ንምርግጋጽ ከኣ ንኹሉ ብዙሕ ግዜ ፈቲናዮ" ይብል እቲ ኣባል ስለያ።
ሞሳድ ኣብተን ራድዮታት ህጹጽ መልእኽቲ ከምዝመጽአ ዘምስል ድምጺ ጻውዒት ከም ዝመረጸሉ'ውን ገሊጹ።
ገብርኤል፡ እቲ ትካል ንሕዝቦላሕ ኣታሊሉ ነተን ፔጀራት ንምግዛእ፡ ናይ መወዓውዒ ፊልምታትን ብሮሹራትን ክሰርሕን ኣብ ኢንተርነት ከካፍልን ከምዝገበረ ገሊጹ።
"ካባና ክገዝኡ ከለዉ፡ ካብ ሞሳድ ይገዝኡ ከምዘለዉ ምንም ሓበሬታ ኣይነበሮምን'' ኢሉ።
"ከም ፊልም፡ ብድሕሪ መጋረጃ ንኹሉ ንሕና ኢና ንቆጻጸሮ ነይርና" ይብል ነቲ ኩነታት ከረድእ ከሎ።
ሕዝቡላህ ኣብ መስከረም 2024 ካብተን ዝተጻወዳ ራድዮታት ኣስታት 5 ሽሕ ከምዝዓደገ ሲቢኤስ ሓቢሩ።
ሞሳድ፡ ሕዝቦላህ ብዛዕባ እተን መራኸቢታት ጥርጣረታት ክሕድር ምስ ጀመረ ድማ እቲ ነትጒ ካብ እስራኤል ከምዝፍንጀር ገይሮሞ።
እቲ ኣብ ሱፐርማርኬታት ከይተረፈ፡ ብሓንሳብ ዘጋጠመ ነትጒ ኣብ መላእ ሊባኖስ ዓቢ ስንባደ ፈጢሩ።
ሆስፒታላት ብቑሱላት መሊኣን፣ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ሰንኪሎም።
ገብርኤል፡ ሓያሎ ሰባት ኣብ ቅድሚ እቲ ሽዑ መራሒ ሕዝቦላህ ዝነበረ ሓሰን ናስራላህ ግዳይ ከምዝኾኑ "ወረ" ከምዝነበረ ገሊጹ።
ድሕሪ መዓልታት፡ ሕዝቦላህ ገና በቲ መጥቃዕቲ እናተናወጸ እንከሎ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዕላማታት እቲ ጉጅለ ጽዑቕ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ኣየር ጀሚራ። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ሊባኖስ ብመሬት ወራር ኣካይዳ።
ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ሓያል ዕንወትን ክሳራን ከኣ ክልቲኦም ወገናት ብ26 ሕዳር ናይ ተኹሲ ምቁራጽ ስምምዕ ተፈራሪሞም።
ሊባኖስ ነቲ መጥቃዕቲ ብትሪ ክትኩንኖ እንከላ፡ ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ድማ እቲ ኣገባብ መጥቃዕቲ፡ "ዓለማዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ሕጊን ዝጥሕስ'ዩ" ኢሉ።