ሞሳድ፡ ዓወታትን ፍሽለታትን ትካል ስለያ እስራኤል

ኣባላት ሕዝቦላህ ዝጥቀሙለን ፔጀርን ካልኦት መሳርሒታት ርክብን ናብ ተንቀሳቐስቲ ነተጕቲ ተቐይረን ኣለዋ።

ካብ ምዕቡል ምክትታል እስራኤል ንምህዳም ከም ውሑስ መሳርሒ ተሓሲበን ኣብ ኢድ ተጠቀምተን ተፈንጂረን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶምን ሓያሎ ኣሽሓት ድማ ቆሲሎምን።

መንግስቲ ሊባኖስ ንእስራኤል በቲ መጥቃዕቲ ክኸስስ እንከሎ ሕዝቦላህ ድማ ሕነ ንምፍዳይ ተሓንዩ’ሎ።

እስራኤል ነቲ ክሲ ዛጊት መልሲ ኣይሃበትሉን፤ እንተዀ ገለ ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ካቢነኣ ንሚኒስተራት ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝዀነ ይዅን ህዝባዊ መግለጺ ካብ ምሃብ ክቝጠቡ መምርሒ ከምዝሃበት ጸብጺበን።

እስራኤል ወትሩ ንንጥፈታት ሕዝቦላህ ብቐረባ ትከታተሎ’ያ፤ እዚ ድማ እቲ ስርሒት ኣካል ናይቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝካየድ ዘሎ ግጭት ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብር።

እስራኤል ፈጺማቶ እንተዀይና እዚ ካብቶም ኣዝዮም ዘገርሙን ጽልዋ ዘለዎምን ስርሒታታ ክስራዕ እዩ፤ ምስ ዝኽሪ ሕሉፍ ተልእዀታት እስራኤልን ብፍላይ ድማ ሃገራዊ ስለያ ሞሳድን ዝምልከት ዳግማይ ዘዘኻኽር ፍጻመ’ዩ ክኸውን።

ዓወታት ሞሳድ

ሞሳድ ብርክት ዝበሉ ዕዉታት ስርሒታት ከምዘካየደ ይንገር። ገለ ካብቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ዝዀኑ ነዞም ዝስዕቡ ምዝርዛር ይከኣል፤

ሃድን መኮነን ናዚ ኣዶልፍ ኣይክማን

ኣብ 1960 መኮነን ናዚ ኣዶልፍ ኣይክማን ካብ ኣርጀንቲና ንምጭዋይ ዝተገበረ ስርሒት ካብቶም ፍሉጣት ዓወታት ስለያ ሞሳድ ሓደ እዩ።

እቲ ቀንዲ ሃንዳሲ ጭፍጨፋ እስራኤላውያን ዝዀነ ኣይክማን፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ መዳጐኒ መዓስከራት ናዚ ንዝነበሩ ኣይሁድ ብምጭፍጫፍ ተሓታቲ እዩ ነይሩ። ኣብ ግዜ ካልኣይ ኲናት ዓለም 6 ሚልዮን እስራኤላውያን ከምዝተቐተሉ’ዩ ዝንገር።

ኣይክማን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ይንቀሳቐስ ስለዝነበረ ከይተማረኸ ተሪፉ ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ኣርጀንቲና ሰፊሩ ነበረ።

14 ኣባላት ሞሳድ ዝሓቘፈት ጕጅለ ስለያ ሞሳድ ካብ ኣርጀንቲና ጨውያ ናብ እስራኤል ኣምጺኣቶ። ኣብኡ ተፈሪዱ ኣብ መወዳእታ ድማ ተቐቲሉ።

ስርሒት ኢንተበ

ኣብ ዩጋንዳ ዝተኻየደ ስርሒት ኢንተበ፡ ሓደ ካብቶም ዕዉታት ወተሃደራዊ ተልእኾታት እስራኤል ተባሂሉ ይግለጽ።

ሞሳድ ስለያዊ ሓበሬታ ክህብ እንከሎ፡ ሰራዊት እስራኤል ድማ ነቲ ስርሒት ኣካይዱ።

ሓይልታት ኮማንዶ እስራኤል ካብ ተልኣቪቭ ብኣቴንስ ኣቢላ ናብ ፓሪስ ካብ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት 100 ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ብዕውት ኣገባብ ኣድሒኖም። እታ ነፋሪት 103 እስራኤላውያን ዝርከብዎም ኣስታት 250 ተሳፈርቲ ጽዒና ነይራ።

እቶም ጨወይቲ - ክልተ ኣባላት ግንባር ሓርነት ፍልስጤምን ክልተ ጀርመናውያን ተሓባበርትን - ነቲ ኣብራሪ ናብ ዩጋንዳ ብሓይሊ ክበርር ገይሮም።

እዚ ድማ ሰለስተ ጅሆ ዝተታሕዙ፡ እቶም ጨወይቲ፡ ሓያሎ ወተሃደራት ዩጋንዳን፡ ከምኡ’ውን ዮናታን ነታንያሁ ሓው ናይ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁን ሞት ኣስዒቡ።

ስርሒት ኣሕዋት

ብዘይተለምደ ናይ ምትላል ተግባር፡ ኣብ መጀመርታ 1980ታት፡ ሞሳድ ብመምርሒ ቀዳማይ ሚኒስተር መናሒም በጊን ንሓደ ናይ ሓሶት መዘናግዒ ማእከል ከም መሸፈኒ ተጠቒሙ፡ ልዕሊ 7 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ብሱዳን ኣቢሉ ናብ እስራኤል ኣሰጋጊሩ።

ሱዳን ጸላኢትን ኣባል ሃገራት ዓረብ ሊግን ስለ ዝነበረት፡ ብሕቡእ ዝንቀሳቐሱ ጉጅለ ወኪላት ሞሳድ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን መዘናግዒ ቦታ ኣቝሞም ከም መደበር ይጥቀሙሉ ነይሮም።

ቀትሪ ከም ሰራሕተኛታት ሆቴል ተመሲሎም ብለይቲ ካብ ጐረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ብሕቡእ ተጓዒዞም ዝመጹ ኣይሁድ ብኣየርን ባሕርን ካብ ሃገር የውጽኡ ነበሩ።

እቲ ስርሒት እንተወሓደ ንሓሙሽተ ዓመት ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ኣብ ዝተቓልዓሉ እዋን ድማ ወከልቲ ሞሳድ ኣምሊጦም።

ጭውያ ኦሎምፒክ ሙኒኽ

ኣብ 1972 ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ጸሊም መስከረም ኣብ ኦሎምፒክ ሙኒኽ ክልተ ኣባላት ጋንታ ኦሎምፒክ እስራኤል ቀቲሉ ንካልኦት ትሽዓተ ድማ ጨውይዎም።

ድሒሮም እቶም ዝተጨወዩ ሰባት ፖሊስ ምዕራብ ጀርመን ኣብ ዘካየዶ ፍሹል ፈተነ ምድሓን ተቐቲሎም። ብድሕሪኡ ሞሳድ ማሕሙድ ሓምሻሪ ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ኣባላት ውድብ ሓርነት ፍልስጤም ዒላማ ገይሩ።

ደሓር ድማ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ኣፓርታማኡ ኣብ ቴለፎን ብዝተተኽለ ነታጒ ተቐቲሉ።

ሓምሻሪ በቲ ፍንጀራ እግሩ ስኢኑ ኣብ መወዳእታ ድማ ብዘጋጠሞ ማህሰይቲ ሞይቱ።

ያሕያ ኣያሽን እታ ትፍንጀር ቴለፎንን

ኣብ 1996 ኣብ ተመሳሳሊ ስርሒት፡ ኣብ ሓማስ ቀንዲ ቀማሚ ቦምባ ዝዀነ ያሕያ ኣያሽ፡ ኣብ ሞቶሮላ ኣልፋ ሞባይል 50 ግራም ነታጒ ብምምላእ ተቐቲሉ።

ኣብ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ፍሉጥ መራሒ ዝዀነ ኣያሽ፡ ቦምባታት ኣብ ምስራሕን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት እስራኤል ዝተራቐቐ መጥቃዕቲ ኣብ ምውዳብን ብዘለዎ ክእለት ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ድማ ቀንዲ ትዅረት ትካላት ጸጥታ እስራኤል ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ተደለይቲ ሰባት እስራኤል ገይርዎ።

ኣብ መወዳእታ 2019 እስራኤል ኣብ ዝተወሰኑ ዝርዝራት ናይቲ ቅትለት ተነቢሩ ዝነበረ እገዳታት ስለዘልዓለቶ ቻነል 13 ቲቪ እስራኤል ድማ ኣያሽ ምስ ኣቦኡ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ቴለፎን ጻውዒት ቅዳሕ ኣመሓላሊፋ።

ቅትለት ክልቲኦም ሓምሻሪን ኣያሽን፡ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ንቅትለት ምጥቃም ዝብል ነዊሕን ዝተሓላለኸን ታሪኽ ዘጕልሕ እዩ።

ማሕሙድ ኣልማብሁህ፡ ተሓኒቑ ሞይቱ

ኣብ 2010 ኣብ ሓማስ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መራሒ ዝነበረ ማሕሙድ ኣልማብሁህ ኣብ ዱባይ ተቐቲሉ።

ኣብ መጀመርታ ተፈጥሮኣዊ ሞት ዝመስል እኳ እንተነበረ፡ ፖሊስ ዱባይ ኣብ መወዳእታ ነቲ ናይ ምክትታል ተንቀሳቓሲ ስእሊ ድሕሪ ምምርማሩ፡ ነታ ጕጅለ ቅትለት ከለልዩ ክኢሎም።

ድሒሩ ፖሊስ፡ ኣል-ማብሁህ ብኤሌክትሪክ ተሓኒቝ ከምዝተቐተለ ኣፍሊጡ።

እቲ ስርሒት ብሞሳድ ከምዝተዋደደ ዝተጠርጠረ ኰይኑ፡ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዲፕሎማስያዊ ቁጥዐ ኣስዒቡ።

ዲፕሎማሰኛታት እስራኤል ግን ሞሳድ ምስቲ መጥቃዕቲ ዝተኣሳስር መርትዖ ከምዘየለ ይገልጹ።

ይዅን እምበር፡ ምስቲ እስራኤል ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት "ዘይንጹርነት" ንምዕቃብ እትኽተሎ ፖሊሲ ዝሰማማዕ እዩ።

ፍሹል ፈተነታት ቅትለት

ሞሳድ፡ ብዙሕ ዕዉት ስርሒታት እኳ እንተካየደ ፍሉጣት ፍሽለታት እውን ኣጋጢሞምዎ እዮም።

ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ ኻልድ መሽዓል

ሓደ ካብቲ ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ቅልውላው ዘስዓበ ስርሒታት፡ እስራኤል ኣብ 1997 ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓማስ ኻልድ መሽዓል ኣብ ዮርዳኖስ መርዚ ተጠቒማ ክትቀትሎ ዝገበረቶ ፈተነ እዩ።

ወኪላት እስራኤል ምስ ተታሕዙ፡ እቲ ተልእኾ ፈሺሉ። እስራኤል ህይወት መሽዓል ንምድሓን ጸረ-መርዚ ከተቕርብ ተገዲዳ።

እቲ ሽዑ ሓላፊ ሞሳድ ዝነበረ ዳኒ ያቶም ንመሽዓል ንምሕካም ናብ ዮርዳኖስ ተጓዒዙ።

እዚ ፈተነ ቅትለት እዚ ኣብ መንጐ ዮርዳኖስን እስራኤልን ዝነበረ ዝምድና ብዓቢኡ ኣሐርፊፍዎ።

መራሒ ሓማስ ማሕሙድ ኣልዛሃር

ኣብ 2003 እስራኤል ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ገዛ መራሒ ሓማስ ማሕሙድ ኣልዛሃር ዒላማ ብምግባር መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይዳ።

ኣልዛሃር ካብቲ መጥቃዕቲ'ኳ እንተደሓነ፡ ውጽኢቱ ግን በዓልቲ ቤቱን ወዱ ኻልድን ምስ ካልኦት ሓያሎ ሰባት ሞት ኣስዒቡ።

እቲ መጥቃዕቲ ቦምባ መንበሪኡ ምሉእ ብምሉእ ከምዘዕነዎን፡ኣብ ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብሩሉ ከባቢታት ዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዘስዕቦ ከቢድ ሳዕቤን ዘጉልሕ እዩ።

ጉዳይ ላቮን

ኣብ 1954 ሰበስልጣን ግብጺ ነቲ ብስርሒት ሱዛና ዝፍለጥ ስርሒት ስለያ እስራኤል ኣፍሺሎምዎ።

እቲ ዝፈሸለ ውጥን፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ መትረብ ስወጽ ዓስኪሩ ዝነበረ ሓይልታታ ክትቅጽል ጸቕጢ ንምግባር ኣብ ግብጺ ኣብ ዝርከባ ትካላት ኣመሪካን እንግሊዝን ቦምባታት ምትካል እዩ ነይሩ።

እቲ ፍጻመ ብስም ናይ ሽዑ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ፊንሃስ ላቮን ዝተሰየመ ጉዳይ ላቮን ተባሂሉ ክጽዋዕ ጀመረ።

ኣብ ውጥን እቲ ስርሒት ተሳቲፉ ከምዝነበረ ይእመን።

ሞሳድ ገለ ኣዕናዊ ስለያዊ ውድቀት ከምዘጋጠሞ እውን ይግለጽ።

ኲናት ዮም ኪፑር

ብ 6 ጥቅምቲ 1973 ግብጽን ሶርያን ንሓውሲ ደሴት ሲናይን ጎላንን ዳግማይ ንምቍጽጻር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፈጸማ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዮም ኪፑር ዝበሃል መዓልቲ ዕርቀ ሰላም ኣይሁድ ዝተፈጸመሉ ግዜ፡ ኣብተን ናይ መጀመርታ መዓልታት ናይቲ ውግእ ንእስራኤል ካብ ትጽቢታ ወጻኢ ክትከውን ገይርዋ ነይሩ።

ግብጽን ሶርያን ንእስራኤል ብኽልተ ግንባራት ኣጥቂዐን።

ሓይልታት ግብጺ ንመትረብ ስወጽ ክሰግሩ ዝኸኣሉ ኰይኖም ሓይልታት ሶርያ ድማ ንሓይልታት እስራኤል ኣጥቂዖም ናብ ጎላን ኣትዮም።

ሕብረት ሶቭየት ንሶርያን ግብጽን ሎጅስቲክስ ኣቕሪባ፡ ኣመሪካ ድማ ንእስራኤል ህጹጽ መስመር ቀረብ ኣቕሪባ።

እቲ ውግእ ደው ክብል ዝጽውዕ ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ስዒቡ፤ እቲ ኲናት ብ25 ጥቅምቲ ተዛዚሙ።

መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ 2023

ድሕሪ ዳርጋ 50 ዓመታት እስራኤል መሊሳ ብሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ተሰናቢዳ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሓማስ ኣብተን ኣብ ጥቓ ዶብ ቓዛ ዝርከባ ከተማታት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 መጥቃዕቲ ፈጺሙ።

ሞሳድ ነቲ መጥቃዕቲ ምግማት ዘይምኽኣሉ ከም ዓቢ ፍሽለት ዝቝጸር ኰይኑ፡ ብመሰረት ተንተንቲ፡ ኣብ ፖሊሲ ኣቐዲምካ ምክልኻል እስራኤል ድኽመት ከምዘሎ ዘንጸባርቕ’ዩ።

እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ እስራኤል ገሊጾም። ካልኦት ኣስታት 251 ድማ ጅሆ ኰይኖም ናብ ቓዛ ተመሊሶም።

ንመጥቃዕቲ ሓማስ ምላሽ ንምሃብ እስራኤል ኣብ ምድረበዳ ቓዛ ኲናት ጀሚራ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ሞይቶም፡ መብዛሕትኦም ሲቪላት ምዃኖም ድማ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ሓቢሩ።