ሕዝቦላህ፡ ብዛዕባ ኣብ ጁባ ሰባት ዝተፈንጀሩ 'ፔጀር' መራኸቢታት እንታይ ንፈልጥ?

ኣብ ሊባኖስ፡ 'ፔጀር’ ተባሂሎም ዝፍለጡ፡ ሕዝቦላህ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ዝጥቀመሎም መራኸቢ ራድዮታት ድሕሪ ምፍንጃሮም፡ ሞትን መጕዳእትን ስዒቡ ኣሎ።

በቲ ስርሒት፡ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ኣብቲ ዝሰዓበ ካልኣይ መጥቃዕቲ ድማ ብውሕዱ 20 ሰባት ከምዝሞቱ፡ ኣሽሓት ሰባት ተሃሪሞም፡ መብዛሕትኦም ብኸቢድ ከምዝቘሰሉ ይዝረብ።

ሕዝቦላህ፡ ነታ ከም ጸላኢት ዝርእያ እስራኤል'ኳ እንተኸሰሰ፡ እቲ ዝተሓላለኸ መጥቃዕቲ ብኸመይ ከምዝተፈጸመ ግን ንጹር ኣይኰነን።

ሰበስልጣን እስራኤል ግን ርእይቶ ኣይሃብሉን።

እቲ ፍንጀራታት መዓስን ኣበይን እዩ ተፈጢሩ?

ፔጀር ንእሽቶ ገመድ-ኣልቦ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒ ኰይኑ፡ ድምጽን መልእኽቲ ጽሑፍን ንምልውዋጥ ዝሕግዝ መሳርሒ እዩ።

ብዙሓት፡ እናተንቀሳቐስካ ክትከታተል ስለ ዝኽእልን ‘ፔጀር’ ክጥቀሙ ይመርጹ።

ሰሉስ 7 መስከረም 2017፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ዝዀነት ቤሩትን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገርን ከባቢ ሰዓት 9፡45 ድሕሪ ቀትሪ እዩ እቲ ፍንጀራታት ኣጋጢሙ።

መሰኻኽር ዓይኒ፡ ድምጺታት ርችትን ተዅስን ዝመስሉ ንኣሽቱ ፍንጀራታት ቅድሚ ምስምዖም፡ ካብ ጁባታት ሰባት ትኪ ክወጽእ ከምዝረኣዩ ይዛረቡ።

ካሜራ ጸጥታ ሓደ ሱፐር ማርኬት፡ ኣብ ጁባ ሓደ ዝዕድግ ዝነበረ ሰብኣይ ፍንጀራ ከምዘጋጠመ ኣርእዩ።

ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ፍንጀራ፡ እቶም ካልኦት ፍንጀራታት ንኣስታት ሓደ ሰዓት ከምዝቐጸሉ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

መሰኻኽር ዓይኒ ከም ዝሕብርዎ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብዙሓት ዝተጐድኡ ሰባት ኣብ መላእ ሊባኖስ ናብ ዝርከባ ሆስፒታላት ክኸዱ ጀሚሮም፡ እዚ ድማ ምድንጋር ፈጢሩ።

እቶም ‘ፔጀራት’ ብኸመይ ተፈንጂሮም?

ሕዝቦላህ ኣብ ዙርያ ድሕነቱ ኣዝዩ ምኩሕ ትካል እዩ ነይሩ። እንተዀነ እዚ መጥቃዕቲ ሰፊሕ ስንባደ ከምዝፈጠረ ተንተንቲ ይዛረቡ።

ገሊኦም፡ ባትሪ ናይቶም ፔጀራት ካብ መጠን ንላዕሊ ረሲኖም እቶም መሳርሒታት ከምዝተፈንጀሩን ይገልጹ።

እንተዀነ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብምዃኑ፡ ክውንነቱ ኣዝዩ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ እዩ ይብሉ።

እቲ ፍንጀራ ምስቲ ልዑል ምርሳን ናይተን ባትሪታት ዝዛዘመድ ከምዘይኰነ ይዛረቡ።

ገለ ተንተንቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ቀረብ-ሰንሰለት [supply chain attack] ዝብገስ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረቡ።

እዚ ድማ እቶም ‘ፔጀራት’ ኣብ እዋን ምፍራይ ወይ መሸጣ ብዝተሰርሐ ውዲት ከምዝዀነ ግምታት የስዕብ።

ኣብ ዓውዲ ድሕንነት ሳይበር፡ መጥቃዕቲ ቀረባት እናዓበየ ጥራይ ዘይኮነስ ከቢድ ስክፍታ እውን ይፈጥር ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰርሰርቲ ኣብ መስርሕ ምፍራይ ገለ መሳርሕታት ኢድ-ኣእትዮም ክዀኑ ከምዝኽእሉ እዩ ዝግመት።

እዞም መጥቃዕትታት ግን፡ ምስ ሶፍትዌር ዝተኣሳሰሩ እዮም ዝመስሉ። ብዝቐርብ ንብረት ዝግበር መጥቃዕቲ፡ ኢድ-ምእታው ስለዘድሊ፡ ነቲ ንብረት ተጠቒምካ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ትሑት እዩ።

እዚ ብሓቂ ናይ ቀረብ-ሰንሰለት-መጥቃዕቲ እንተዀይኑ፡ ነቶም ፔጀር ንምርካብ ብድሕሪት ዓቢ ስዉር- ስርሒት ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ክኢላ ሰራዊት ብሪጣንያ ነበር፡ እቶም መሳርሒታት ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ ኣካላት ዝተሰረቱ ካብ 10 ክሳብ 20 ግራም ዝበጽሕ ልዑል ደረጃ ዘለዎም ነተጒቲ ተቐቢሮም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እቶም ግዳያት እንታይ ንፈልጥ?

ምስ ሕዝቦላህ ቅርበት ዘለዎ ምንጪ፡ ንኣጃንስ ፍራንስ-ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቶም ዝተቐትሉ ክልተ ደቂ ኣባላት ፓርላማ ሕዝቦላህ ምዃኖም ሓቢሩ። ጓል ሓደ ኣባል ሕዝቦላህ እውን ከም ዝተቐትለት ገሊጾም።

ካብቶም ዝቘሰሉ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ሊባኖስ ሞጅታባ ኣማኒ ይርከብዎም፤ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ እቲ ጉድኣት ንእሽቶ ምዃኑ ገሊጸን።

እንተዀነ፡ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስራላህ በቲ ፍንጀራ ከምዘይተጐድአ ሮይተርስ ምንጭታቱ ጠቒሱ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ህዝባዊ ጥዕና ሊባኖስ ፍራስ ኣብያድ ዝበዝሐ መጕዳእቲ ኣብ ኣእዳውን ገጽን ምዃኑ ገሊጹ።

"መብዛሕትኡ እቲ መጕዳእቲ ኣብ ገጽ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓይንን ኣእዳውን ኰይኑ፡ ገሊኦም ድማ ኣጻብዕቶም ተቘሪጾም" ክብል ንቢቢሲ ኒውስ ሃወር ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።

"መብዛሕትኦም ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ዝመጹ ሰባት ሲቪላዊ ክዳውንቲ ዝለበሱ ስለዝዀኑ፡ ኣባላት ሕዝቦላህ ወይ ካልኦት ጕጅለታት ምዃኖም ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

“ብዕድመ ዝደፍኡ ወይ ኣዝዮም ንኣሽቱ ዝዀኑ ሰባት እውን ንርኢ ኣለና። ብዘሕዝን መንገዲ ህጻውንቲ፣ ገሊኦም ድማ ሰብ ሞያ ጥዕና እዮም።”

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ፡ ካብ ሊባኖስ ወጻኢ ኣብ ጐረቤት ሃገር ሶርያ ብዝተፈጸመ ተመሳሳሊ ፍንጀራ 14 ሰባት ከምዝቘሰሉ ሓቢሩ።

መን እዩ ተሓታቲ?

ክሳብ ሕጂ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን። ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስን ሕዝቦላህን ናብ እስራኤል ኣንፊቶም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናጂብ ሚካቲ፡ እቲ ፍንጀራ "ምግሃስ ልኡላውነት ሊባኖስን ብዝዀነ መለክዒ ገበንን'ዩ" ኢሉ።

ሕዝቦላህ ነቲ መጥቃዕቲ ንእስራኤል ብምኽሳስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ሃገር "ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ብዝፈጸመቶ ገበናዊ መጥቃዕቲ ምሉእ ብምሉእ ተሓታቲት እያ" ኢሉ።

"እዚ ተንኮለኛን ገበነኛን ጸላኢ ዋጋኡ ክረክብ'ዩ" ብምባል ኣፈራሪሑ ኣሎ።

ሰበስልጣን እስራኤል ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ርእይቶ ኣይሃቡን፤ እንተዀነ መብዛሕትኦም ተንተንቲ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ እታ ሃገር ከም ዘላ ይሰማምዑ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ላንካስተር ኣቦ መንበር ኣህጉራዊ ዝምድናታት ፕሮፌሰር ሳይሞን ማቦን፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እስራኤል ንዒላማታት ጸላእታ ንምጥቃዕ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ናይ ምጥቃም ድሕሪ-ባይታ ከምዘለዋ ንፈልጥ ኢና።"

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ቻታም ሃውስ ዝሰርሕ ሌና ኻጥብ ድማ፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ እስራኤል ኣብ መርበብ ሕዝቦላህ ሰሊዃ ኣትያ ከምዘላ ዘመልክት እዩ፡ ኢላ።

ንምንታይ እዩ ሕዝቦላህ ፔጀር ዝጥቀም?

ፔጀር፡ መልእኽቲ ብጽሑፍ ይዅን ብድምጺ ዝቕበልን ዘመሓላልፍን ገመድ ኣልቦ መሳርሒ ቴሌኮሙኒኬሽን እዩ።

ሞባይል ተሌፎን ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝዀነ፡ ሕዝቦላህ ሞባይላት ምጥቃም ካብ ነዊሕ እዋን ኣቋሪጹ ኣሎ።

እስራኤል ንሰራሒ ቦምባ ሓማስ ያሕያ ኣያሽ ክትቀትል ተንቀሳቒሳ ተሌፎኑ ክተፈንጅር ዝኸኣለት ኣብ 1996 እዩ ነይሩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ሕዝቦላህ ምጥቃም ሞባይል ንዒላማታት እስራኤል ሓደጋ ምዃኑ ካብ ነዊሕ ከምዝተገንዘበ የርኢ።

ሓደ በዓል ስልጣን ሕዝቦላህ ንኣሶሸይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ፔጀራት ፍጹም ሓደስቲ ምዃኖምን ቅድሚ ሕጂ በቲ ጕጅለ ኣብ ጥቕሚ ከምዘይወዓሉን ገሊጹ።

ተንታኒት ሲኣይኤ ነበር ኤሚሊ ሃርዲን፡ "እቲ ፍጻመ ንሕዝቦላህ ኣዝዩ ዘሕፍር'ዩ" ኢላ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "መጠን ጉድኣት እቲ መጥቃዕቲ ኣካላዊ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንመላእ መሓውር ጸጥታኦም ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ" ኢሉ።

"ካብቲ ምስ እስራኤል ዘካይድዎ ወግእ ምልስ ኢሎም፡ ዕሙቕ ዝበለ ውሽጣዊ መርመራ ክገብሩ ዘገድድ ምዃኑ እዩ ዝረአየኒ።"

እቲ ወጥሪ ክጋደድ ይኽእል ዶ?

ሕዝቦላህ ምስታ ኣብቲ ዞባ ምስ እስራኤል ዓይንን ሓመድን ዝዀነት ኢራን ጥቡቕ ርክብ ኣለዎ።

እቲ ጕጅለ ምስ እስራኤል መጠናዊ ግጭት ከካይድ ጸኒሑ’ዩ፤ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ እስራኤል ተደጋጋሚ ሮኬታትን ሚሳይላትን ክትኵስ ጸኒሑ።

ብሰንኪ እቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝጸንሐ ስግረ-ዶባዊ ግጭት፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ብዙሓት ነበርቲ ካብቲ ዶብ ከባቢ ተመዛቢሎም።

እቲ ፍንጀራ ዘጋጠመ ካቢነ ሚኒስተራት እስራኤል፡ እቶም ነበርቲ ብሰላም ናብ ቦታኦም ንምምላስ ምስ ወሰነ ድሕሪ ሰዓታት እዩ።

ብሰኑይ፡ ትካል ውሽጣዊ ጸጥታ እስራኤል፡ ሕዝቦላህ ንሓደ በዓል ስልጣን ነበር ንምቕንጻል ዝገበሮ ፈተነ ከምዝፈሸሎ ገሊጹ።

ክልቲኦም ወገናት ምሉእ ኲናት ከይፍጠር ቀይሕ መስመር ከይሰግሩ ከምዝጥንቀቝ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

እንተዀነ፡ ሕዝቦላህ ነዚ ናይ ሕጂ ‘ሳይበራዊ’ መጥቃዕቲ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ምስ ኣፈራርሐ፡ እቲ ኵነታት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ከይከውን ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።