እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕዝቦላህ፡ ትሽዓተ ሰባት ዝቐተለን ኣሽሓት ዘቝሰለን ፍንጀራ መራኸቢታት ብእስራኤል ዝተፈጸመ ድዩ?
ኣባላት ሕዝቦላህ ንርክባት ዝጥቀምሎም ብኢድ ዝተሓዙ 'ፔጀራት' መሳርሒታት ርክብ ብምፍንጃሮም፡ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ትሽዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ኣፍሊጡ።
ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ሊባኖስ፡ ካብቶም ኣብ በይሩትን ካልኦት ዞባታትን ዝተጐድኡ 2800 ግዳያት ሓደ እዩ።
ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ፡ እተን መራኸቢታት ኣባላትን ኣሃዱታትን ትካላት ሕዝቦላህ ከም ዝዀና ብምግላጽ፡ ሸሞንተ ተቓለስቱ ከም ዝሞቱ ኣረጋጊጹ።
እቲ ጕጅለ፡ ንእስራኤል “ብገበናነዊ መጥቃዕቲ” ብምኽሳስ፡ “ግቡእ መቕጻዕቲ” ከም ዝወስድ ተሓንዩ። ሰራዊት እስራኤል ርእይቶ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኰነን።
ካቢነ ጸጥታ እስራኤል፡ ቅድሚ እቶም ፍንጀራታት ሰዓታት ኣቐዲሙ፡ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ብውሑስ መገዲ ንኽምለሱ፡ ሕዝቦላሕ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝፍጽሞም መጥቃዕትታት ምግታእ ዕላማ እቲ ኲናት’ዩ ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኲናት ቓዛ-እስራኤል ካብ ዝውላዕ ንነጀው፡ ኣብ ዶብ እስራኤል ሊባኖስ መዓልታዊ ምልውዋጥ ተዅሲ ይካየድ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት፡ እዞም ኣብ ሊባኖስ ተኸሲቶም ዘለዉ ሓደስቲ ምዕባለታት “ብፍሉይ ኣብ ኣመና ተለዋዋጢ ኵነታት ይኽሰቱ ብምህላዎም፡ ኣዝዩ ዘሻቕል’ዩ” ኢሉ።
ብዙሓት ሊባኖሳውያን በቲ ብሰሉስ ምሸት ዘጋጠመ ፍንጀራ ኣብ ስምባደን ዘይምትእማንን ስለ ዝጠሓሉ፡ ንመጠንን ባህርን እዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ክስተት ክርድእዎ ኣይከኣሉን።
ሕዝቦላሕ፡ ሰዓት 15፡30 [ግዜ እቲ ከባቢ] እተን ሞባይል ተሌፎናት ከይጥለፋ ወይ ኣብ ክትትል ከይኣትዋ ብዝብል ንመራኸቢ ዝጥቀመለን ፔጀራት (መራኸቢታት)፡ ኣብ በይሩት ካልኦት ከባቢታትን ከም ዝተፈንጀራ ገሊጹ።
ሓደ ናይ ደሕንነት ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብ ሱፐርማርኬት ዝነበረ ሓደ ውልቀሰብ ጁባኡ ወይ ሳንጣኡ ከቢድ ምፍንጃር ከም ዝነበረ ኣርእዩ። ኣብቲ ምስሊ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ መሬት ወዲቑ ክሳቐን ሰባት ክሃድሙን የርኢ።
ድሕሪ ሰዓታት ግን፡ ኣምቡላንሳት ብብዝሒ ግዳያት ተጨናኒቐን ናብ ሆስፒታላት ይጓየያ ነይረን። ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ፡ 200 ግዳያት ኣብ ዘሰክፍ ኵነታት ከም ዝርከቡ ገሊጹ። ኣብ ቀጽሪ ሆስፒታላት፡ ኣዝማድ ግዳያት ደሃይ መቕርባቶም ንምስማዕ ብተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ።
ኣብ በይሩት ከባቢ ኣሽራፊህ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ኤልኤዩ፡ ንቀንዲ መእተዊ ብምዕጻው ብዝሒ ዝኣትዉ ሰባት ነክዩ ኣሎ። ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ማእከል፡ “ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ገሊኦም ጉድኣታት ኣመና ዘሰክሑ’ዮም” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
መብዛሕትኦም ዓይነት መጕዳእቲ ኣብ ሕቘ፡ ገጽ፡ ዓይንን ኢድን ዘጋጠሙ’ዮም ዝበለ ሰራሕተኛ እቲ ማእከል፡ ገሊኦም ግዳያት ኵሉ ኣጻብዕቶም ከም ዝሰኣኑ ሓቢሩ።
በዓልቲ ቤት ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ሊባኖስ፡ ሞጅታባ ኣማኒ በቲ ቀዳማይ ምፍንጃር “ቀሊል ጉድኣት” ከም ዘጋጠሞን “ኣብ ደሓን ኵነታት” ከም ዝርከብን ገሊጻ።
ቤት-ጽሕፈት ሚድያ ሕዝቦላህ ድማ፡ በዞም ምፍንጃራት ሂወት ሸሞንተ ኣባላቱ ከም ዝሓለፈ ኣፍሊጡ።
“ናብ እየሩሳሌም ኣብ ዝወስድ መንገዲ ከም ዝተሰውኡ” ካብ ምግላጽ ብዝዘለለ፡ ብዛዕባ እቲ ቦታን ኵነታትን ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።
ነቲ ጕጅለ ቅርበት ዘለዎ ምንጪ፡ ወዲ ኣባል ባይቶ ሕዝቦላህ ዝዀነ ዓሊ ዓማርን ካልእ ጓል 10 ዓመት ውላድ ኣባል ሕዝቦላህን፡ ኣብ ሽንጥሮ ‘በቃ’ ካብ መንጐ ዝተቐተሉ ከም ዝዀኑ ንኤኤፍፒ ገሊጹ።
ኣብታ ሕዝቦላህ ኣብ ጐድኒ ሓይልታት መንግስቲ ኰይኑ ዝዋግአላ ዘሎ ሶርያ ድማ፡ 14 ሰባት በዚ ምፍንጃር ከም ዝቘሰሉ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ሓቢሩ።
ሕዝቦላህ ብሰሉስ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ነዚ ገበናዊ መጥቃዕቲ ምሉእ ብምሉእ ንእስራኤል ተሓታቲት ንገብር” ኢሉ።
“እዛ ከዳዕን ገበነኛን ጸላኢት፡ ነዚ እከይ መጥቃዕቲ ግቡእ መቕጻዕቲ ክትረክብ’ያ” ብምባል ተሓንዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ራጂብ ሚካቲ፡ ነዞም ፍንጀራታት እስራኤል ተሓታቲት ከም ዝዀነት ብምሕባር፡ “ከቢድ ጥሕሰት ልኡላውነት ሊባኖስ’ዩ፤ ብዅሉ መለክዒታት ገበን’ዩ” ብምባል ኰኒኑ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ድማ፡ “ንግብረ-ሽበራውነት እስራኤል” ከም ዝቃወም ተዛሪቡ።
መሻርኽቲ እስራኤል ዝዀነት ኣመሪካ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዋላ ሓደ ተሳትፎ ከም ዘይብላ ብምግላጽ፡ ኢራን ንወጥርታት ከይተጋድድ ጸዊዓ።