እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቦይንግ፡ ብሰንኪ ስክፍታ ጽፈት ስራሕን ኣድማን ልዕሊ 17 ሽሕ ስራሕ ይዓጹ
ኣመሪካዊ ትካል ኣፍራዪ ነፈርቲ ቦይንግ፡ ኣስታት 17 ሽሕ ስራሕቲ ክዓጺ ከም ዝዀነ ተገሊጹ። እቲ ትካል ብሰንኪ ኣብ ስራሕቱ ኣጋጢምዎ ዘሎ ጉዳያት ፍርያቱ ክደናጐ’ዩ።
ፈጻሚ ስራሕ ቦይንግ ኬሊ ኦርትበርግ፡ ንሰራሕተኛታት ኣብ ዝለኣኾ ኢሜይል፡ ስራሕ "ፈጸምቲ ስራሕ፡ ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን" ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ገሊጹ።
እቲ ትካል ኣብ ስራሓቲ ፍርያት ኣጽዋርን ወተሃደራዊ መሳርሒታትን ክሳራ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ዘጠንቀቐ ኰይኑ ናይታ 777X ነፋሪቱ ወዲኡ ዘቕርበሉ መዓልቲ’ውን ብሓደ ዓመት ክደናጐ ገይሩ’ሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን 33 ሽሕ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ የካይዱ ዘለው ኰይኖም፡ ኣብ ጽርየት ፍርያት ነፈርቲ እቲ ኵባንያ ተደጋጋሚ ስክፍታት ይቐርበሉ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ኣድማ እቶም ሰራሕተኛታት ድማ፡ ፍርያት 737 ማክስ ዝተባህለት ነፋሪትን 767 ከምኡ'ውን 777 ጀታትን ደው ክብል ገይሩ ኣሎ።
ኦርትበርግ ኣብቲ ንሰራሕተኛታት ዝጽሓፎ ኢሜይል፡ እቲ ትካል "ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ" ቁጽሪ ሰራሕተኛታቱ ከጐድል ምዃኑ ገሊጹ።
"ኣብ ዝመጽእ ሰሙን፡ ሓለፍትኹም፡ እዚ ንትካልኩም እንታይ ማለት ምዃኑ ዝርዝር ሓበሬታ ክህቡኹም'ዮም። ቢዝነስና ዘለዎ ኩነታትን ካብኡ ንምሕዋይን እንገብሮ ቀጻሊ ጻዕሪ ተረርቲ ስጕምቲታት ዝሓትት እዩ"።
ቦይንግ፡ ሰራሕተኛታት ካብ ምንካይ ብተወሳኺ ብሰንኪ ንሰሙናት ዝቐጸለ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ዝተፈጥረ ጸቕጢ፡ 777X ዝተባህላ ነፈርቲ ዘረክበሉ ግዜ ከም ዘናውሖ ሓቢሩ።
“ናይ መጀመርታ ፍርያትና ኣብ 2026 ክነቕርበሎም ከም ዝዀንና ንዓማዊልና ሓቢርናዮም ኢና”።
ኣብ ቦይንግ ኣስታት 33 ሽሕ ሰራሕተኛታት ዝሓሸ ደሞዝ ክረኽቡ ብምጥላብ ንሓደ ወርሒ ዝቐጸለ ኣድማ ምክያዶም ኣካታዒ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ መንጐ ቦይንግን ማሕበር ሰራሕተኛታትን ክካየድ ዝቐነየ ድርድር ብዘይ ፍረ ምብታኑ ስዒቡ መሪሕ ተደራዳሪ ናይቲ ማሕበር ጆን ሆልደን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኰይንና ንነዊሕ ግዜ ምጽንሓና ዘይተርፍ’ዩ። እዚ ድማ ኣባላትና ይርድእዎ’ዮም” ኢሉ።
ፍርያት እቲ ትካል ዝዀነት ነፋሪት ቦይንግ 737-MAX ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ምውዳቓ ስዒቡ ቦይንግ ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ቁጽጽር ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ከም ዝርከብ ይፍለጥ።