እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቦይንግ እታ ቅድሚ 6 ዓመት ዝወደቐት ነፋሪት ኢትዮጵያ ጸገም ኤሌክትሪክ ከምዝነበራ ሓቢኡ ተባሂሉ
ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ 737 ማክስ 8 ቅድሚ እቲ ሓደጋ ናይ ኤሌክትሪክ ጸገም ከም ዝነበራ ዘርእይ ሓበሬታ ቦይንግ ከም ዝሓብአ ሓደ ኣካያዲ እቲ ኩባንያ ነበር ኣቃሊዑ።
ፋውንዴሽን ድሕንነት ኣቬሽን ንዝተባህለ ጉጅለ ዝመርሕ ኣካያዲ ናይቲ ኩባንያ ጨንፈር ዋሽንግተን ነበር- ኤድ ፐርሰን፡ እታ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ተሓምሺሻ ን 157 ተሳፈርቲ ሞት ጠንቂ ዝዀነት ነፋሪት ጸገም ኤሌክትሪክ ከም ዝነበራ እቲ ኩባንያ ይፈልጥ ምንባሩ እዩ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣብ ትሑት ብራኸ ኣብ እትበረሉ እዋን ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ክትከውን ተኽእሎ ከምዘሎ ይፈልጡ ነይሮም ኢሉ።
እቲ ፋውንዴሽን፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ስራሕ ዘለዋ ልዕሊ 1000 ነፈርቲ ቦይንግ ብሰንኪ ፀገም ኤሌክትሪክ ሓደጋ ከጋጥመን ከምዝኽእል’ውን ኣጠንቂቑ።
ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ድሕሪ ምብጋሳ ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ ዝወደቐት ነፋሪት ጸገም ኤሌክትሪክ ከምዘጋጠማ እዩ ዝግለጽ።
እታ ነፋሪት ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ እዋን ሓዳስ ሞዴል ቨርዥን 737 ማክስ እያ ነይራ።
ኣቐዲማ ኣብ ኢንዶነዥያ ተመሳሳሊት 737 ማክስ 8 ዝዓይነታ ነፋሪት ተሓምሺሻ 189 ሰባት ሃሊቖም እዮም።
ወሃቢ ቃል ቦይንግ፡ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ-በረራ ቍ. 302 ድሕሪ ምውዳቕ፡ "ምሉእ ብምሉእ ተሓባቢሩን ንምርመራ ምሉእ ሓበሬታ ሂቡን" ምባሉ ዝዝከር እዩ።
"እቶም መርመርቲ ትካላት ተወሳኺ ሓበሬታ ክህቡና ንጽበ ኣለና" ክብል'ውን ወሲኹ ገሊጹ።
ክልቲኦም ሓደጋታት ቦይንግ ኣብ ዝሰርሖ ስርዓት ቍጽጽር በረራ ('ፍላይት ኮንትሮል ሲስተም') ብዘጋጠመ ጸገም ዝተፈጠሩ ምዃኖም እዩ ዝንገር።
ቦይንግ ኣብቲ MCAS (Maneuvering Characteristics Augmentation System) ዝበሃል ናይ በረራ መቈጻጸሪ ሶፍትዌር ጸገም ከምዘጋጠሞን፡ እዚ ድማ ነታ ነፋሪት ንምቅቍጽጻር ተደጋጋሚ ፈተነታት እኳ እንተተገብረላ ናብ መሬት ቁልቁል ኣፋ ክትድፋእ ከምዝገበራ ተገሊጹ።
እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ዝወደቐት ነፋሪት ምፍራይ ዝምልከት ብሰራሕተኛታት ቦይንግ ሸሊኾም ዝወጽኡ ብርክት ዝበሉ ሰነዳት ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዘርጊሑ ኣሎ።
እቶም ልዑል ቴክኒካዊ ዝርዝራት ዝሓዙ ሰነዳት፡ እታ ነፋሪት ኣብ እዋን ምፍራይ ዘጋጠማ ጸገማት ዝገልጹ እዮም።
ካብቶም ኣብቲ ሰነዳት ዝተቓልዑ ጉዳያት፡ ሕጽረት ንብረት ኤሌክትሪክ፡ ብዘይግቡእ ዝተተኽሉ ገመዳት ኤሌክትሪክ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ልዕሊ ዓቐን ጸቕጢ ብምግባር፡ ጉድለት ዘለዎ ንብረት ዳግማይ ምትካል ዝብሉ ይርከብዎም።
ቅድሚ እቲ ሓደጋ ኣብ ዝነበሩ ሰሙናትን ኣዋርሕን እታ ነፋሪት እዚ ምብልሻው ኤሌክትሪክ ከጋጥማ ምጽንሑ ይግለጽ።
እቲ ሰነድ ብተወሳኺ፡ እታ ነፋሪት ናብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ በጽሐት ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ተመሳሳሊ ጸገም ከምዘጋጠማ ይሕብር።
ብፍላይ እታ ነፋሪት ኣብ ትሑት ብራኸ ኰይና ኣብ እትበረሉ እዋን ብሰንኪ እዚ ጉድለተት ሓደጋ ከጋጥማ ዝኽእል ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ ምንባሩ እቶም ሰነዳት የቓልዑ።
እቲ ኩባንያ ግን መሰረታዊ ጉድለት ብቕዓት ዘለወን ነፈርቲ ምፍራይ ከምዝቐፀለ ይንቀፍ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ኢንዱስትሪ ኣቬሽን ዘጋጠሙ ኣዕናዊ ሓደጋታት፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ማዕጾ ቦይንግ ማክስ መንገዲ ኣየር ኣላስካ ኣብ ሰማይ ተነጺሉ ምውዳቑ ከም ሓደ መርትዖ ጠቒሱ።
ኤድ ፐርሰን ድሕሪ ክልተ ሓደጋታት 737 ማክስ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ምስክርነት ብምሃብ ይፍለጥ።
ኣብቲ ፋብሪካ ዝነበረ ጸገማት ድሕነትን ብቕዓትን ምፍራይ ኣብ ክልቲኡ ሓደጋታት ወሳኒ ተራ ከምዝነበሮ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ፡
ቦይንግ ነዚ ክሲታት ነጺግዎ።
ቤት ጽሕፈት ምርመራ ሓደጋ ኣመሪካ ኣብ ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘካየዶ ምርመራ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ።
እቲ ትካል ጠንቂ እቲ ሓደጋ ምስ ፍርያት ዝተተሓሓዘ ጉድለት ምዃኑን እዚ ድማ ኣብታ ነፋሪት ብልሸት ከምዘስዓበን ኣመልኪቱ።
ብኣንጻሩ ሃገራዊ ቦርድ መጓዓዝያን ድሕነትን ኣመሪካ ነዚ ብምንጻግ ነዚ ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘየለ ገሊጹ'ሎ።
ንሱ፡ ምብልሻው ሰንሰር እታ ነፋሪት፡ ብሰንኪ ባዕዳዊ ነገር ክኸውን ከም ዝኽእልን ምናልባት ዑፍ ከምእትኸውንን ሓቢሩ።
ክኢላታት ኩባንያ ቦይንግ፡ እቲ ፋውንዴሽን ሰነዳት ተዓቂቦም ዝብል ክሲ ብምንጻግ፡ እዚኦም ሓቂ ከምዘይኮኑ ተደጋገምቲ መርመራታት ከምዘርኣዩ ይዛረቡ።
ሓድሽ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቦይንግ ኬሊ ኦርትባው ግን፡ ኩባንያኦም ዘለዎ እምነት ህዝቢ ኣብ ምምላስ ኣተኲሩ ክሰርሕ መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ ኣፍራዪ ነፈርቲ፡ ድሕነትን ቍጽጽር ብቕዓትን ንምምሕያሽ "መእረምታዊ ውጥን ስራሕ" ከተግብር ብፌደራላዊ ምምሕዳር ኣቬሽን ኣመሪካ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ኣሎ።
ኤድ ፐርሰን ግን፡ ኣብቲ ፋብሪካ ንዝርከቡ ምንጭታት ብምጥቃስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገና ኣብተን ፍርያት እኹል ምምሕያሽ ከምዘየለ ተዛሪቡ።
ነዚ ድማ ሰብመዚ ኣቬሽን ናብቲ ቦታ መጺኦም መርመራታት ከካይዱ ምዃኖም ኣቐዲሙ ስለዝፍለጥን ድልዋት ምዃኖምን ወሲኹ ሓቢሩ።