ኣብ እዋን በረራ ህይወቱ ዝሓለፈት ቱርካዊ ፓይሎት

ካብ ኣሜሪካ ናብ ቱርኪ ገያሾ ሒዛ እትበርር ናይ ዝነበረት ነፋሪት ፓይሎት ኣብ ሞንጎ በረራ ሞይቱ።

እቲ ቱርካዊ ፓይሎት ካብ ሲያትል ናብ ኢስታንቡል እትጓዓዝ ንዝነበረት ነፋሪት እናመርሐ እንከሎ’ዩ ኣብ ኣየር ህይወቱ ሓሊፋ።

ወዲ 59 ዓመት ካፕቴን ኢልሺን ፔህሊቫን ነታ ነፋሪት ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋን ሃለዋቱ ምስ ኣጥፈኣ፡ ምስኡ ዝነበሩ ካልኣይ ፓይሎትን ተሓጋጋዚ ፓይሎትን ነታ ነፋሪት ከም ዝቆጻጸርዋ ወሃቢ ቃል እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ‘ኤክስ’ ሓቢሩ።

“ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ቀዳማይ ረድኤት ሕክምና እኳ እንተተገበረሉ ክድሕን ግን ኣይከኣለን። እቶም ዝተክእዎ ኣብረርቲ ነታ ነፋሪት ብህጹጽ ከዕልብዋ’ውን ፈቲኖም፤ ግን ከኣ ገና ኣብ ኣየር እንከላ ሞይቱ" ይብል ያህያ ኡስተን።

ሽዑ እታ ብመገዲ ኣየር ቱርኪ እትውነን ኤርባስ ኤ350 ዝዓይነታ ነፋሪት ናብ ኢስታንቡል ዝነበረ በረርኣ ኣቛሪጻ ኣብ ኒውዮርክ ክትዓልብ ተገዲዳ።

ቁጽሪ በረራ ቲኬ 204 ዝኾነት ነፋሪት መጓዓዝያ ሰሉስ ምሸት ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት ሓደ ካብ ሲያትል ተበጊሳ።

እቲ ፓይሎት ኣብ ካናዳ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ኑናቩት ምስበጽሑ ስለዝሓመመ ከኣ መሳርሕቱ ነታ ነፋሪት ሒዞም ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጆን ኤፍ ኬነዲ ኣምሪሖም።

ካብ ሲያትል ምስ ተበገሰ ድሕሪ ሸሞንተ ሰዓታት’ያ ኣብ ኒውዮርክ ዓሊባ።

ካብ 2007 ኣትሒዙ ፓይሎት መንገዲ ኣየር ቱርኪ ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኢልሺን ፔህሊቫን ስሩዕ መርመራ ጥዕና ከምዝገበረን ንስርሑ ክዕንቅፍ ዝኽእል ዝኾነ ጸገም ጥዕና ከምዘይነበሮን እቲ መንገዲ ኣየር ሓቢሩ።

ማሕበር ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ቱርኪ፡ እቲ ፓይሎት ንነዊሕ ዓመታት ንማሕበረሰብ ኣቬሽን ዝሃቦ ኣገልግሎት ብምዝካር ንስድርኡ፣ፈተውቱን መሳርሕቱን ምጽንናዕ ተመንዮም።

ጠንቂ ሕማምን ሞትን እቲ ፓይሎት ክሳብ ሕጂ ኣይተገልጸን። ኣብረርቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 12 ኣዋርሕ ስሩዕ ሕክምናዊ መርመራታት ክገብሩ ግድን’ዩ።

ልዕሊ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣብረርቲ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ሕክምናዊ ምስክር ወረቐቶም ከሐድሱ ኣለዎም።

ኣብ 2015 እውን ሓደ ፓይሎት መንገዲ ኣየር ኣሜሪካ ካብ ፎኒክስ ናብ ቦስተን ኣብ ዝነበረ ናይ ለይቲ በረራ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየ ይዝከር።

እቲ ወዲ 57 ዓመት ፓይሎት ሃንደበት ድሕሪ ምሟቱ ምስኡ ዝነበረ ሓጋዚ ፓይሎት ምሉእ በረራ ተረኪቡ ብህጹጽ ክትዓልብ ገይሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ውሽጢ ‘ኮክፒት’ [ክፍሊ በረራ] ነፋሪት መጓዓዝያ ክልተ ፓይሎታት ክህልዉ ግድን’ዩ።

ይኹን እምበር ሓደ ፓይሎት ንዓበይቲ ነፈርቲ መጓዓዝያ ንበይኑ ከብርር ዘኽእል ቴክኖሎጂ ይምዕብል ከምዘሎ ትካል ድሕነት ኣቬሽን ሕብረት ኤውሮጳ ይገልጽ።

ነቲ ተበግሶ ዝቃወሙ ኣካላት ግን ቁጽሪ ኣብረርቲ ምንካይ ንድሕነት ኣብ ሓደጋ ከምዘእቱ ይሙጕቱ።