ኣንጭዋ ኣብ መግቢ ዝተረኸበላ ነፋሪት በረርኣ ኣቋሪጻ ክትዓልብ ተገዲዳ

ነፋሪት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ካብ ርእሰ ከተማ ኖርወይ ኦስሎ ናብ ከተማ ማላጋ ስጳኛ ትጓዓዝ ነይራ። ኣብ መንጎ ጉዕዞኣ ዘጋጠመ ነገር ግን ኣንፈት በረርኣ ክትቐይር ዘገደደ ኰይኑ’ሎ።

ብረቡዕ ሓንቲ ተሳፋሪት ኣብ መንጎ በረራ ትበልዖ ካብ ዝነበረ መግቢ ኣንጭዋ ብምውጽኣ፡ እታ ነፋሪት ብህጹጽ ክትዓልብ ከምዝተገደደት ተገሊጹ።

እታ ነፋሪት ካብ ርእሰ ከተማ ኖርወይ ኦስሎ ናብ ማላጋ ስጳኛ እትበርር ዝነበረት ኮይና፡ ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ዴንማርክ ብህጹጽ ክትዓልብ ተገዲዳ።

ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንወሃቢ ቃል እቲ መገዲ ኣየር ኦይስታይን ሽሚት ጠቒሱ ከምዝጸብጸቦ፡ ምርካብ እታ ኣንጭዋ ንውሕስነት በረራ ሓደጋ ስለዘስዕብ’ዩ እታ ነፋሪት ኣንፈታ ብምቕያር ክትዓልብ ዝተገደደት።

ኣብታ በረራ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ድሒሮም ብኻልእ ነፋሪት ናብ ማላጋ ከምዝተጓዓዙ ተገሊጹ’ሎ።

መብዛሕትኡ ግዜ መንገዲ ኣየራት፡ ገመድ ኤሌክትሪክ ከይሕየኽ ብምስጋእ ዓሌታት ኣናጹ ኣብ ውሽጢ ነፈርቲ ከይጸዓና ዝገብር ጽኑዕ ገደብ ኣለዎም።

"እዚ ኣዝዩ ሳሕቲ ዝፍጸም ነገር'ዩ" ይብል ወሃቢ ቃል እቲ መገዲ ኣየር ኦይስታይን ሽሚት።

ኣስዒቡ "ከምዚ ዝበለ ክስተት ዳግማይ ከይፍጸም ንኣቕረብቲ [መግቢ] ምዝርራብ ሓዊሱ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ንቆጻጸረሉ ኣገባባት ኣዳሊና ኣለና" ክብል ተዛሪቡ።

ጃርለ ቦረስታድ ነቲ ፍጻመ ብቐጥታ ዝተመኮሮ ኮይኑ፡ ንቢቢሲ ኒውስ ቻነል ብዝተቐድሐ ቪድዮ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ኣንጭዋ ኣብ ጎኑ ኮፍ ኢላ ዝነበረት ሰበይቲ ካብ ዝኸፈተቶ ባኮ መግቢ ከም ዘምለጠት ኣረዲኡ።

ቦረስታድ ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ዝነበረ ኩነታት ኣዝዩ ህዱእ ምንባሩን ገያሾ "ፍጹም ምጭንናቕ ከምዘይተረኣዮምን" ገሊጹ።

ይኹን እምበር፡ እታ ኣንጭዋ ብእግሩ ኣቢላ ናብ ነብሱ ከይትኣትዎ ብምስጋእ ካልሲኡ ብልዕሊ ስረኡ ክሽፍን ከምዝተገደደ ኣይሓብአን።

እቲ በረራ ናብ ካልእ መንገዲ ክቕየር እንከሎ ኣብቲ ጉዕዞኦም ገለ ሰዓታት ጥራይ ከም ዝወሰኸ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ምስ ኣንጭዋ ዝተኣሳሰር ክስተት ከጋጥም እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ።

ኣብ ደቡባዊ እንግሊዝ ሓንቲ ባቡር ብተመሳሳሊ ምኽንያት ጉዕዞኣ ኣብ ፍርቂ መገዲ ክተቋርጽ ተገዲዳ ነይራ።