እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ገያሾ እንታይ ኣማራጺ መገዲታት ኣየር ክህልዎም እዩ?
እቲ ኣብ ሰሙን ካብን ናብን ኣስመራ ኣዲስ ኣበባ ዓሰርተ ግዜ በረረታት ከካይድ ዝጸንሐ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ካብ ሰሉስ 3 መስከረም ጀሚሩ ናብ ኤርትራ ክገብሮ ዝጸንሐ በረራታት ደው ከምዘበሎ ብወግዒ ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ትማሊ 2 መስከረም ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ መገዲ ኣየር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ “መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ኣሸጋሪ ዕንቅፋታት ስራሕ ክጸሮ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ምዃኑ” ብምጥቃስ፡ ነቶም ካብን ናብን ኣስመራ ዝገሹ ዓማዊሉ ካብ ሰሉስ 3 መስከረም በረራኡ ደው ከምዘብል ሓቢሩ።
ናብ ኣስመራ በረራታት ዘካይዳ ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓዊስካ ሓሙሽተ መንገዲ ኣየራት’የን ጸኒሐን፤ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ መገዲ ኣየር ቱርኪ፡ መገዲ ኣየር ፍላይ ዱባይ፡ መገዲ ኣየር ግብጺ ከምኡ ከኣ መገዲ ኣየር ፍላይናስ።
ካብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እተን መገዲታት ኣየር ይዅን ወኪላት ጕዕዞ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ መገዲ ኣየር ቱርኪ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ካብን ናብን ኣስመራ ኢስታንቡል በረራታት ኣብ ምክያድ ይርከብ። መንገዲ ኣየር ቱርኪ ሰሉስ ዓርብን ሰንበትን’ያ ካብን ናብን ኣስመራ ኢስታንቡል በረራታት ተካይድ።
መንገዲ ኣየር ግብጺ፡ ኣብ ሰሙን - ሰሉስ ሓሙስን ሰንበትን ሰለስተ ግዜ ካብን ናብን ኣስመራ ካይሮ በረራታት ተካይድ።
መንገዲ ኣየር ፍላይ ዱባይ፡ መዓልታዊ ካብ ኣስመራ ናብ ዱባይ በረራ ተካይድ ኰይና፡ ዝበዝሑ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝገሹ ከም ኣማራጺ ዝጠቀሙላ መገዲ ኣየር’ያ።
ፍላይናስ’ውን ካብን ናብን ኣስመራ ጅዳ ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ ግዜ በረራታት ኣብ ምክያድ ትርከብ መገዲ ኣየር እያ።
እዛ መንገዲ ኣየር ብዘይካ ሰኑይን ቀዳምን፡ ሰሉስ፡ ረቡዕ፡ ሓሙስ፡ ዓርብን ሰንበትን ካብን ናብን ኣስመራ ጅዳ በረራታት ከምእተካይድ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ይሕብር።
በዚ መሰረት፡ ካብን ኤርትራን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝጓዓዙ ገያሾ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ደው ድሕሪ ምባለ ኣርባዕተ ኣማራጺታት ጥራይ’የን ዝህልዋኦም፤ ብኢስታንቡል፡ ብካይሮ፡ ብጅዳን ዱባይን።
እቲ ዝረኽብዎ ኣገልግሎት፡ ብዋጋ ይዅን ምቹእነት ጕዕዞ'ውን ብኡ መንጽር ክጽሎ ስለዝኽእል ብኣጋኡ ስክፍታ ፈጢሩ'ሎ።
ምርጫ ገያሾ እንታይ ይኸውን?
ብዙሓት ገያሾ፡ ኤርትራውያን ብፍላይ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብብዝሒ ክመርጹ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ'ቲ መገዲ ኣየር ክቐርብ ዝጸንሐ መረረ ኣብ ቦታኡ ኰይኑ፡ ብዝሒ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ጉረባብቲ ሃገራት ብብዝሒ ተሰዲዶም ይነብሩ ብምህላዎምን፡ እቲ ሰዓታት በረራ ብተዛማዲ ሓጺር ብምዃኑን ከም ዝምረጽ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገያሾ ይገልጹ።
እዚ ክበሃል እንከሎ፡ እተን ካልኦት መገዲታት ኣየር ነናይ ባዕለን ዘቕርባኦ ጠለባት ስለዘሎ ነቲ ጕዕዞ ከምዝሓላልኾ እዮም ዝገልጹ።
ንኣብነት ብመገዲ ኣየር ግብጺ ካብ ናይሮቢ ናብ ኣስመራ ዝግበር ጕዕዞ፡ ኣብ ካይሮ ልዕሊ 17 መሰጋገሪ 'ትራንዚት' ሰዓታት ይደሊ። ካብ ኣስመራ ናብ ናይሮቢ ኣብ እትምለሰሉ'ውን ልዕሊ 12 ሰዓታት ትራንዚት ከም ዝሕተት ይፍለጥ።
መገዲ ኣየር ፍላይ ዱባይ ዝምረጽ መገሻ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ናብቲ ናይ መወዳእታ ትደልዮ ሃገር ቅድሚ ምኻድ እቲ ካብን ናብን ዱባይ ኣስመራ ዝግበር ጕዕዞ ነዊሕ ሰዓታት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ ዱባይ ዝጸንሖ ሰዓታት ትራንዚት ነዊሕ እዩ። ነዊሕ ጥራይ ዘይኰነስ ቪዛ ዝሕተተሉ ኵነታት'ውን ኣሎ።
ብፍላይናስ ዝግበር መገሻ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ገያሾ ኣብ ጅዳ ምስ ዓለቡ ካብ መዕለቢኦም ቅድሚ ምንቃሎም ዝጸንሑሉ ሰዓታት ነዊሕ እንተዀይኑ ቪዛ ስዑድያ ዝሕተተሉ ኵነታት ከምዘሎ ካብ ወኪላት ጕዕዞ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። እዚ ድማ ቀሊል ከምዘይኰነ እዮም ገያሾ ዝገልጹ። ስለዚ፡ እቶም ናብ ስዑድያን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝኸዱ ገያሾ እንተዘይኰኑ፡ ካብን ናብን ኤርትራን - ኣፍሪቃ፡ ኣውሮጳ ይዅን ካልኦት ክፍለዓለማት ዝንቀሳቐሱ ገያሾ ነዘን መገዲታት ኣየር ብዙሕ ከምዘይመርጹወን እዮም ዝገልጹ።
ኤርትራውያን ገያሾ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት መገሻ፡ ንስድራቤታዊ ምብጻሕ፡ ንሕክምና፡ ትምህርቲ፡ ስራሕን ካልእን ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ደቡብሱዳን፡ ኣንጐላን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ብዝሒ መገሻታት ከምዘካይዱ ዝፍለጥ ኰይኑ፡እዚ ምቍራጽ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ዝህልዎም ኣማራጺታት ከምዘጽብቦ ገያሾ ስክፍታኦም ይገልጹ ኣለዉ።
ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ነፈርቲ ይዅን ቀጻልነት ዘለዎ ዘተኣማምን መገዲ ኣየር ስለዘይብላ፡ ዜጋታታ ኣብ መገዲ ኣየር ካልኦት ሃገራት ክምርኰሱ ጸኒሖም እዮም።
እዚ ድማ ብመንጽር ዋጋ ይዅን ዝረኽብዎ ኣገልግሎት ዘዕግብ ከምዘይኰነን ከማርሩ ጸኒሖም እዮም።
ከም ዝዝከር በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ ብ 24 ሓምለ ‘ናብ ኵሎም ገያሾ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ’ ኢሉ ኣብ ዘውጽኦ ምልክታ መገዲ ኣየር ካብ 30 መስከረም 2024 ጀሚሩ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዱ በረራታት ከቋርጽ ከምዝወሰነ ገሊጹ ነይሩ።
ሲቪል ኣቪየሽን ኤርትራ ኣብቲ ብመገዲ መንግስታዊ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብቶም በቲ መገዲ ኣየር ኣቢሎም ካብን ናብን ኤርትራ ዝገሹ ተገልገልቲ ክወርድ ዝጸንሐ ኢሉ ዝዘርዘሮ ዝተፈላለየ በደላት ከም ምኽንያት እቲ ውሳነ ብዝርዝር ኣመልኪቱ እዩ።
“እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ልዕሊ ካብን ናብን ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ገያሾ፡ ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይንቡር ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ብፍላይ ድማ ስልዒት ዘይፍትሓውን ዘይርትዓውን ናህሪ ዋጋታት፡ ምስራቕ፡ ምዕናው፤ ምጥፋእ፡ ክቱር ምድንጓያት ባልጃታት ገያሾን ካልእን” ክፍጸም ምጽንሑ ገሊጹ።
መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ትማሊ ኣማስይኡ ዘውጽኦ መግለጺ ክጽወር ዘይክእል ዝበሎ ዕንቅፋት ኣሰራርሓ ከምዝገጠሞ ብምግላጽ ቅድሚ’ቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ተባሂሉ ዝነበረ ሰሌዳ ግዜ ኣቐዲሙ በረራኡ ካብን ናብን ኣስመራ ከቋርጽ ወሲኑ።
በዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ’ቶ ኣቐዲሞም ትኬት ዝቘረጹ ዓማዊሉ ክወርድ ዝኽእል ምክልባትን ዕንቅፋታት ጕዕዞን ብዝከኣል መጠን ንምውጋድ ምስ ካልኦት መሻርኽቲ መገዲ ኣየራት ምምዕርራይ ከምዝገብር፤ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ ድማ ገንዘቦም ክመልስ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1998 ብሰንኪ ዝተወልዐ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ከም ዘቋረጸ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣብ 2018 ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን፡ ድሕሪ 20 ዓመት ብ 18 ሓምለ [2018] ስሩዕ በረራኡ ዳግም ጀሚሩ።
ብዙሓት ኤርትራውያን ካብን ናብን ኣስመራ፡ ኣውሮጳ፤ ሰሙን ኣሜሪካን ካልኦት ክፋላት ዓለምን ከም ቀንዲ ኣማራጺ ገይሮም’ዮም ክጥቐምሉ ጸኒሖም።
እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ 2018 ዳግም በረራ ክጅምር እንከሎ ንኣብነት ካብን ናብን ኣስመራ ናይሮቢ 400 ዶላር ዘኽፍል ዝነበረ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 1300 ዶላር ከም ዝደየበ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ካልኦት መስመራት እውን ብተመሳሳሊ ዋጋ ኣመና ክቡር ከምዝዀነ ክንገር ጸኒሑ እዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ቅድሚ ሕጂ እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዝግበር ጕዕዞ ሓደ ሰዓትን 40 ደቒቕን ዝወስድ ኰይኑ፡ ዋጋ ትኬት ኣስታት ሓደ ሽሕ ዶላር በጺሑ ዝብል መረረታት ክስማዕ ጸኒሑ ነይሩ።
ብፍላይ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ ዋጋ ብምጥቃስ፡ ተጓዓዝቲ "እቲ ሕጂ ዘሎ ዋጋታት ኣመና ተጋኒኑ’ዩ" ክብሉ ጽኒሖም እዮም።