እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኤርትራ ንዝተገብረ እገዳ ዝሃቦ ምላሽ እንታይ እዩ?
ኤርትራ፡ ነቲ ካብን ናብን ኣስመራ ክካየድ ዝሰንሐ በረራታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክቋረጽ ድሕሪ ምውሳና፡ እቲ መገዲ ኣየር ረቡዕ 24 ሓምለ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ በረራ ከቋርጽ ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዝተቐበለ እንተዀነ ምኽንያት ናይቲ ውሳነ እንታይ ምዃኑ መብርሂ ኣይተዋህበንን ኢሉ።
ስለዝዀነ ድማ፡ ካብ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኤርትራ መብርሂ ከም ዝሓተተ ብምግላጽ፡ ዝዀነ ዓይነት ጸገም ብምሕዝነትን ብቕልጡፍን ንምፍታሕ ድሉዋት ኢና ኢሉ።
እዚ ይዅን እምበር፡ ሲቪል ኣቪየሽን ኤርትራ ኣብቲ ብመገዲ መንግስታዊ ጋዜጣ እታ ሃገር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብቶም በቲ መገዲ ኣየር ኣቢሎም ካብን ናብን ኤርትራ ንዝኸዱ ገያሾ ክወርድ ዝጸንሐ ኢሉ ዝዘርዘሮ ዝተፈላለየ በደላት ከም ምኽንያት እቲ ውሳነ ብዝርዝር ኣመልኪቱ እዩ።
“እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ልዕሊ ካብን ናብን ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ገያሾ፡ ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይንቡር ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ብፍላይ ድማ ስልዒት ዘይፍትሓውን ዘይርትዓውን ናህሪ ዋጋታት፡ ምስራቕ፡ ምዕናው፤ ምጥፋእ፡ ክቱር ምድንጓያት ባልጃታት ገያሾን ካልእን” ክፍጸም ምጽንሑ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጕድለታቱ ኪእርምን ንግዳያት ካሕሳ ኪኸፍልን፡ ብወገን በዓል መዚ ሲቭል ኣቭየሽን ዝቐረበሉ ሕቶ ዕሽሽ ከም ዝበለ ጠቒሱ።
በዚ መሰረት፡ እቲ መንገዲ ኣየር ካብ 30 መስከረም 2024 ጀሚሩ ካብን ናብን ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ በረረታት ከቋርጽ ተወሲኑ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ኵሎም ገያሾ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጕዕዞኦም ከይሰናኸል ብእዋኑ ኣማሪጺታት ከናድዩ ተላብዩ።
እዞም ምኽንያታት፡ ናብቲ ናብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተላእከ ደብዳበ ተጠቒሶም ድዮም ዝብል ግን ዛጊት ዝተረኽበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ብዙሓት ተጓዓዝቲ ግን፡ ዋጋ እቲ መገዲ ኣየር ካብ ንቡር ንላዕሊ ዝተጋነነ ከም ዝዀነ ብምሕባር መረረኦም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ 2018 ዳግም በረራ ክጅምር እንከሎ ንኣብነት ካብን ናብን ኣስመራ ናይሮቢ 400 ዶላር ዘኽፍል ዝነበረ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 1300 ዶላር ከም ዝደየበ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ካልኦት መስመራት እውን ብተመሳሳሊ ዋጋ ኣመና ክቡር ከምዝዀነ ክንገር ጸኒሑ እዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ቅድሚ ሕጂ እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዝግበር ጕዕዞ ሓደ ሰዓትን 40 ደቒቕን ዝወስድ ኰይኑ፡ ዋጋ ትኬት ኣስታት ሓደ ሽሕ ዶላር በጺሑ ዝብል መረረታት ክስማዕ ጸኒሑ ነይሩ።
ብፍላይ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ ዋጋ ብምጥቃስ፡ ተጓዓዝቲ "እቲ ሕጂ ዘሎ ዋጋታት ኣመና ተጋኒኑ’ዩ" ክብሉ ጽኒሖም እዮም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድሕሪ እቲ ለበዳ ኣብ ዋጋ ትኬት ወሰኽ ከም ዝተራእየ ሓቢሩ።
ይዅን’ምበር፡ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ ዋጋ ትኬትን ሕጂ ዘሎን ብዙሕ ፍልልይ የብሉን ዝበለ ኰይኑ፡ ኣብቲ ግዜ ንሓደ በረራ 279 ዶላር ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ ነይሩ።
እቲ መገዲ ኣየር፡ ንልዕሊ 75 ዓመታት ንኣፍሪቃውያን ናብ ሓደ ንምምጻእ ጻዕሪ ክገብር ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ “ንኣፍሪቃውያን ወገናትና ንምምዝማዝ ዕላማ የብልናን” ኢሉ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ 2.5 ሚልዮን ዶላር ኣብ ናይጀርያ ከኣ 80 ሚልዮን ዶላር ከምዝተታሕዞ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን ነይረን።
ነዚ ኣመልኪቱ ቢቢሲ ዘዘራረቦ መገዲ ኣየር ኤርትራ ነበረ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ፡ “ኣብ ኤርትራ፡ ዶላር ኣብ ነጻ ዕዳጋ ኣይርከብን’ዩ፣ ንግዳዊ ባንክን ሃገራዊ ባንክን’ውን ምስ ዘሎ ኵሉ ሕጽረታት ብዶላር ክንህበኩም ኢና ኢሎም ዝሰማምዑ ኣይመስለንን” ክብል ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን [2018] መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ በረራ ክጅምር እንከሎ፡ ምስቲ ዝነበረ ውዕዉዕ ስምዒት ፖለቲካዊ ድፍኢት ከምዝነበሮ ዝገለጸ ኣቶ ክብሮም፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቲ ምስ ክፍሊት ዝተኣሳሰር ክፍሊት ብፖለቲካዊ ዝርርብ ክፍትሓሎም ከም ዝጽበዩ ኣተንቢሁ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ክልትኣዊ ዝምድና እተን ሃገራት ምምሕያሽ ከርኢ ብምጅማሩ እዩ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብ 18 ሓምለ 2018 ናብ ኣስመራ በረራ ከካይድ ጀሚሩ።
ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ከኣ እቲ መገዲ ኣየር ብስሩዕ ካብን ናብን ኣስመራ በረራታት ከካይድ ጸኒሑ እዩ።
ኣብቲ እዋን፡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት “ዲክላሬሽን ኣስመራ” ዝተባህለ ስምምዕ ተፈራሪሞም፤ ነዚ ስዒቡ ድማ ተቛሪጾም ዝነበሩ ኣገልግሎታት መጓዓዝያ፡ ንግድን ተሌኮምዩኒኬሽንን ናብ ንቡር ክምለሱ ዕድላት ተፈጢሩ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን፡ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ዝተዓጽወ ኰይኑ፡ ኣገልግሎት ኮምዩኔክሽን ግን ኣየቋረጸን። ድሕሪ’ቲ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ግን ዝምድና መራሕቲ እተን ሃገራት ከም ዝሓርፈፈ ተዓዘብቲ ይገልጹ።