ኣመሪካ ነፋሪት ፕረዚደንት ቬንዙዌላ ትጨዊ፡ ኣፍልጦ ዝሃበቶ መራሒ ተቓዋሚ ይእሰር

ኣመሪካ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብ13 ሚልዮን ዶላር (9.8 ሚልዮን ፓውንድ) ተዓዲጋ ካብታ ሃገር ብኮንትሮባንድ ከምዝወጸት ንዝገለፀታ፡ ነፋሪት ፕረዚደንት ቬንዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮ ጨውያ።

ብመሰረት ጸብጻብ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ፡ እታ ፋልኮን 900EX ዝዓይነታ ነፋሪት ኣብ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ ተታሒዛ ናብ ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣመሪካ ተሰጋጊራ ኣላ ።

እንተዀነ፡ እታ ነፋሪት ብኸመይን መዓስን ኣብ ሪፓብሊክ ዶሚኒካን ከምዝተጓዓዘት ንጹር ኣይኮነን።

መንግስቲ ቬንዙዌላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ተግባር ልክዕ ከም ‘ሽፍትነት’ ከም ዝቘጽሮ ብምግላጽ፡ "ነዚ ተግባር ከም ምላሹ፡ ሕጋዊ ስጕምቲ ናይ ምውሳድ መሰሉ ዝተሓለወ" ኢሉ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ከምዝተዓወተ ዝንገረሉን ኣመሪካ ኣፍልጦ ዝሃበቶን ሕጹይ ተቓወምቲ ኤድሙንዶ ጎንዛለዝ ትእዛዝ ማእሰርቲ ወጺኡዎ ይርከብ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ይቫን ጊል፡ ኣመሪካ "በቲ ብኢደወነን ዝውሰድን ዘይሕጋውን” ዝበሎ ስጕምቲ፡ መመኽነይታ ከምዘይትስእነሉ ነቒፋ።

ክትትል መረዳእታ [ትራኪን] ከምዘመልክቶ፡ ሰኑይ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ሳንቶ ዶሚንጎ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ላ ኢዛቤላ ተበጊሳ፡ ንእሽቶ ጸኒሓ ድማ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ፎርት ላውደርዴል ፍሎሪዳ ከምዝበጽሐት ይሕብር።

ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ እታ ነፋሪት ሕጊ ምቍጽጻር ሰደድን እገዳን ኣመሪካ ብምጥሓስ ብዝብል ጥርጣረ ከምዝተታሕዘት እዮም ኣፍሊጦም።

ወሲኾም፡ ምስ ፕረዚደንት ማዱሮ ቅርበት ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ መወዳእታ 2022ን መጀመርታ 2023ን ኣብ ፍሎሪዳ ካብ ዝመደበሩ ኩባንያ ብመገዲ ኣብ ካሪብያን ዝመደበሩ ኩባንያ ሸል ተጠቒሞም ዘይሕጋዊ ዕድጊ ከምዝፈጸሙ ጠቒሶም።

ብድሕሪኡ እታ ነፋሪት ኣብ ሚያዝያ 2023 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኣመሪካ ናብ ቬንዙዌላ ብካሪብያን ኣቢላ እያ ተሰዲዳ።

መሸጣን ሰደድን እታ ነፋሪት ንእገዳ ኣመሪካ ዝጥሕስ እዩ ዝብል ምጕት እቶም ሰበስልጣን፡ ኣመሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገሩ ኢዳ ኣእትያ ኣላ ኢሉ ብተደጋጋሚ ንዝኸሰሰ ፕረዚደንት ማዱሮ ብዙሕ ክብደት ዝፈጥር ኣይኰነን።

ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ፡ እቲ ስጕምቲ "ማዱሮ ካብቲ ኣብ ቬንዙዌላ ዝገብሮ ዘሎ ግጉይ ምሕደራ ሳዕቤን ከምዘለዎ ክስመዖ ኣገዳሲ ስጕምቲ 'ዩ” ኢሉ።

ጠበቓ ኣመሪካ ኣብ ደቡባዊ ክፍለግዝኣት ፍሎሪዳ ማርከንዚ ላፖይንት፡ ሰበስልጣን ሃገረ ሪፓብሊክ ዶሚኒካን ነቲ ስርሒት ኣብ ምውዳብ ንመንግስቲ ኣመሪካ "ብዋጋ ዘይትመን ሓገዝ" ከምዝገበሩ ገሊጹ።

"እታ ናይ ብሕቲ ጀት ክሳብ ክንደይ ክብደት ዝወሃባ ምዃና ፍልልይ የብሉን ፤ እንተዀነ ካብ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝወጽአት ነፋሪት ንምልላይን ንምምላስን ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዘለዉ መሻርኽትና ብዘይዕረፍቲ እንሰርሕ ምዃንና ግን ዘርኢ እዩ " ይብል ማቲው ኤስ ኣክሰልሮድ ካብ ክፍሊ ንግዲ እታ ሃገር።

እቲ ኤጀንሲ፡ ሓደ ካብቶም ነታ ነፋሪት ንምምላስ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ዝተሳተፉ ትካላት ፈደራል እዩ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ እታ ነፋሪት "ዳርጋ ካብን ናብን ወተሃደራዊ መዓስከር ቬንዙዌላ ጥራይ" ከምዝበረረት ገሊጾም።

እታ ነፋሪት ብኸመይን መዓስን ናብ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ ከምዝኣተወት ግን ንጹር ኣይኰነን።

ሰበስልጣን ኣመሪካ ግን፡ እታ ጀት ፕረዚደንት ማዱሮ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ዑደት ከምዝተጠቐመላ ገሊጾም።

መንግስቲ ቬንዙዌላ ድሕሪ እቲ ኣካታዒ መረጻ፡ ማዱሮ ናብ ክልቲአን ሃገራት ዶሚኒካን ሪፓብሊክን ፓናማን ዝገብሮ ንግዳዊ በረራታት ንግዚኡ ደው ከምዘብሎ ኣብ መወዳእታ ሓምለ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ተቓወምቲ ቬንዙዌላ፡ ናታቶም ሕጹይ ዘእምን ዓወት ከም ዝረኸበ ዝሕብር መረዳእታ መረጻ ኣውጺኦም ነይሮም።

ይዅን እምበር በቲ ንፕረዚደንት ማዱሮ ባይቶ ተኣማኒ ዝዃነ ቦርድ መረጻ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ገለ ካብተን ጐረባብቲኡ ሃገራት ግን ነዚ ውሳነ ኣይተቐበለኦን።

ብቐንዱ ድማ፡ ኣመሪካ ንመራሒ ኪዳን ተቓዋምቲ ሚስተር ጎንዛለዝ፡ ከም ተዓዋቲ እቲ መረጻ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ማዱሮ ኣብቲ መረጻ ከምዝተስዓረ ብዙሕ" መርትዖታት” ከምዘሎ ትገልጽ።

ሚስተር ማዱሮ ወይ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ቬንዙዌላ፡ ብፌደራል ሰበስልጣን ኣመሪካ ዒላማ ክግበረሉ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።

ኣብ 2020 ክፍሊ ፍትሒ እታ ሃገር፡ ንሚስተር ማዱሮን 14 ሰበስልጣን ቬንዙዌላን ብናርኮ-ሽበራ፡ ብልሽውናን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ካልኦት ጉዳያትን ከሲስዎም ነይሩ።

እቲ ክፍሊ ፍትሒ፡ ሚስተር ማዱሮ ናብ ማእሰርቲ ወይ ፍርዲ ዝመርሕ ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ ክሳብ 15 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ከምዝወሃቦ ኣፍሊጡ።