እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕን ሃሪስን ገጽ ንገጽ ዝፋጠጡሉ ፈላማይ ክትዕ ቈጸራ ተታሒዙሉ
ዶናልድ ትራምፕን ካማላ ሃሪስን ዘካይድዎ ፈላሚ ክትዕ ን 10 መስከረም ከምዘአንግድ ኤቢሲ ኒውስ ኣፍሊጡ።
ብማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣቢሉ ነዚ ዘፍለጠ እቲ ማዕከን ዜና፡ ትራምፕ ቅድሚ’ቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ምስታ ዲሞክራት መወዳድርቱ ደጋጊሙ ክካታዕ ድልው ምዃኑ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
“ሰለስተ ክትዓት ክንገብር ይግባእ ኢልና ንሓስብ” ዝበለ ትራምፕ እቶም ክልተ ተወሰኽቲ ብፎክስ ኒውስን ኤንቢሲን ክእንገዱ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ኣብቲ ኤቢሲ ዘአንግዶ ክትዕ ከም እትሳተፍ ዘረጋገጸት ካማላ ሃሪስ ብወገና፡ ንተወሳኺ ክትዓት እውን ድልውቲ ምዃና ገሊጻ።
ኣንባቢ ዜናን ኤዲተርን ወርልድ ኒውስ ቱናይት ደቪድ ሙየር ምስ ኣቕራቢት ዜና ኤቢሲ ኒውስ ላይቭ ፕራይም ሊንሲ ዳቪስን ነቲ ክትዕ ክመርሕዎ ምዃኖም ኤቢሲ ኒውስ ኣፍሊጡ’ሎ።
ካማላ ሃሪስ “ንዶናልድ ትራምፕ ክካትዖ ብሃንቀውታ እጽበ ኣለኹ። ኣብ መወዳእታ ንሱ’ውን ድልው ከምዝዀነ ሰሚዐ፤ ብሃንቀውታ ድማ እጽበዮ ኣለኹ” ኢላ።
ሕጹይ ሪፓብሊካን ትራምፕ ኣብ ሰነ ሓደ ግዜ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ተኻቲዕዎ ምንባሩ ይዝከር።
ክልቲኦም ኣብ 10 መስከረም ዳግማይ ተራኺቦም ክካትዑ ተሓሲቡ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ብተለቪዥን ዝተፈነወ ክትዕ ድኹም ብቕዓት ዘርኣየ ባይደን ካብ ውድድር ፕረዚደንትነት ስሒቡ’ሎ። እዚ ድማ ሃሪስ ሕጽይቲ ዲሞክራት ክትከውን ዕድል ከፊቱ።
ትራምፕ ኣቐዲሙ ብዓቃባዊ መርበብ ሓበሬታ ፎክስ ኒውስ ዝእንገድ ክትዕ ኣብ ፔንስልቨንያ ክካየድ ከምዝደሊ ገሊጹ ነይሩ።
ኣተሓባበርቲ ጎስጓስ ሃሪስ ብወገኖም ኣብ 10 መስከረም ምስ ትራምፕ ክካትዑ ከምዝደልዩ ብጽኑዕ ክገልጹ ጸኒሖም።
ትራምፕ ትማሊ ካብቲ ማር-ኣ-ላጎ ዝርከብ መዘናግዒኡ ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንሃሪስ ተወሳኺ ክልተ ግዜ ክካትዓ ከምዝደሊ ገሊጹ’ሎ።
ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ከኣ ኣብ መንጐ ሕጹያት ምክትል ፕረዚደንት ዝዀኑ ጄዲ ቫንስ ካብ ሪፓብሊካን - ቲም ዋልዝ - ዲሞክራቲክ ዝካየድ ክትዕ ከምዘአንግድ እውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ትራምፕ ንሃሪስ ሕጽይቲ ዲሞክራት ካብ እትኸውን ክልተ ሰሙን እንተሓለፋ’ውን ንሕቶታት ጋዜጠኛታት መልሲ ክትህብ ወይ ቃለ መሕትት ክትገብር ፍቓደኛ ኣይኰነትን ብዝብል ይነቕፋ።
ዘይብቕዕቲ ተወዳዳሪት ከምዝዀነት እውን ይዛረብ።
ሃሪስ ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ቅድሚ መወዳእታ ወርሒ "ቃለ መሕትት ክትገብር መደብ ከዋድዱላ" ንጋንታኣ ከም ዝሓተተት ተዛሪባ።
ትራምፕ፡ ካማላ ሃሪስ ኣብ ጉዳይ ኢሚግሬሽንን ቍጠባን ዝነበራ መርገጺ እውን ነቒፉ’ሎ።
ቀዳምነታቱ ከኣ ምንካይ ዋጋታት ንብረት፡ ምጉዳል መጠን ገበንን ምድልዳል ወተሃደራዊ ሓይሊን ከምዝኸውን ኣስሚሩሉ።