እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኣመሪካ፡ ሃሪስን ዋልዝን ሓቢሮም ጕዕዞ ጀሚሮም
ቲም ዋልዝ ንመጀመርታ ግዜ ከም መሻርኽቲ ካማላ ሃሪስ ኰይኑ ኣብ ዝቐረበሉ፡ ገጠራዊ መበቈሉ ብምጕላሕ፡ ዶናልድ ትራምፕ ንኣመሪካ "ንድሕሪት" ክጐታ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብቲ ብሰሉስ ምሸት ኣብ ፊላደልፍያ ዝተኻየደ መደብ፡ እቲ ሓድሽ ሕጹይ ምክትል ፕረዚደንት ናይቲ ሰልፊ፡ እቶም ኣብ ምርጫ ሕዳር ኣንጻሮም ዝገጥሙ ሪፓብሊካን መወዳድርቶም "ስግንጢራት" ምዃኖም ገሊጹ።
እቲ ኣመሓዳሪ ሚነሶታ፡ ምክትል ካማላ ሃሪስ ምዃኑ ምስ ተገልጸ ድሕሪ ሒደት ሰዓታትዩ ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ደገፍቲ ተዛሪቡ።
ጐስጓስ ትራምፕ ብወገኑ፡ ንሚስተር ዋልዝ "ሓደገኛ ሊበራላዊ ኣኽራሪ" ኢሉ ንምጥቃዕ ግዜ ኣይወስደን።
እዚ ወዲ 60 ዓመት፡ ኣብ ወሰንቲ ግዝኣታት ማእከላይ ምዕራብ ናብ ዶናልድ ትራምፕ ዝሰሓቡ ገጠራውያንን ሰራሕተኛታትን መረጽቲ ክመልስ ዝኽእል ሰብ'ዩ ተባሂሉ ዘሎ።
ኣብታ ወሳኒት ዝዀነት ግዝኣት ፔንስልቨንያ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ኣብዚ እዋን ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝዀነት ሚስ ሃሪስ፡ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ መረጻ ንሳን ምክትላ ክኸውን ዝሓረየቶ ዋልዝን ብዝከኣል ናህሪ ክኸውስብሉ ከምዝሰርሑ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።
ንዋልዝ ድማ “ንማእከላይ ደርቢ ዝቃለስ ሓርበኛ” ኢላ ኣላልያቶ። ብድሕሪኡ ዋልዝ ምስ ትራምፕ ንጽጽር ንምፍጣር ቅድሚ ምፍታኑ፡ ኣብ ነብራስካ ካብ ዝነበራ ንኣሽቱ ከተማታትን ከም ሃገራዊ ሓለዋን መምህርን ዝነበሮ ሞያኡን ኣዘንትዩ።
እቲ ኣባል ሰራዊትን ኣሰልጣኒ ኩዕሶ እግሪን ነበር፡ "ብዛዕባ ኣገልግሎት ቀዳማይ ነገር ኣይፈልጥን እዩ - ንነብሱ ኣብ ምግልጋል ኣዝዩ ስለዝተጸመደ" ይብል። ኣብ መዝገብ ገበን ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ዕላማ ምስ ገበረ ከኣ ገለ ካብቲ ኣብታ ለይቲ ዝነበረ ድሙቕ ድጋፍን ጣቕዒትን ረኺቡ። ካብቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት “ዕጸዎ” ዝብል ጭርሖታት ተሰሚዑ።
ዋልዝ ብዛዕባ እቶም ሪፓብሊካን መወዳድርቶም፡ "እዞም ሰባት ክፉኣት እዮም፡ እወ ስጊንጢራት እዮም" ኢሉ።
እቲ ኣመሓዳሪ ብተወሳኺ ንሕጹይ ምክትል ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ጄዲ ቫንስ " ካብ ሶፋ ወሪዱ ክቐርብ ፍቓደኛ እንተዀይኑ፡ ክካታዕ ድሉው እየ ዘለኹ" ኢሉ።
እዞም ዲሞፕክራታውያን ተወዳደርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መሰል ምንጻል ጥንሲን ድሕነት ካብ ብረት ዝፍጸም ዓመጽን ሓዊሱ ተሓለቕቲ ውልቃዊ ናጽነታት ኰይኖም እዮም ዝቐርቡ።
ዋልዝ፡ ኣብ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ንሪፓብሊካን “ሰስራሕኩም ስርሑ” ብዝብል ንጹር ቃላት ኣብ ዝጐጠየሉ፡ ካብ ዲሞክራትስ ናእዳ ክረክብ እንከሎ ናይቶም ኣብ ተምፕል ዩኒቨርስቲ ዝነበሩ ልዕሊ 10 ሽሕ ድሙቕ ጭብጨባ ኣሰንይዎ።
ሃሪስን ዋልዝን ኣብተን ወሰንቲ ግዝኣታት ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደት ጀሚሮም ኣለዉ።
ኣብቲ ካብ 19 ክሳብ 22 ነሓሰ ኣብ ቺካጎ ዝካየድ ሃገራዊ ጉባኤ ዲሞክራትስ እውን መደረ ከስምዑ እዮም።
ኣብዚ እዋን’ዚ ንክልተ እብረ ንሚነሶታ ዘመሓደረ ዋልዝ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ግዝኣት ና'እዳ ብምትራፍ፡ ስፍሕ ዝበለ ጸጋማዊ ኣጀንዳን ኣተግቢሩ እዩ።
ዲሞክራትስ ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ንምርግጋጽ፡ ስጕምትታት ምቍጽጻር ጠበንጃ ንምሕላፍን፡ ክፍሊት ዘለዎ ዕረፍቲ ስድራቤት ዝኣመሰሉ ነገራት ኣብታ ግዝኣት ንምትእትታው ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ይንገር።
ንመስርሕ መረጻ ምክትል ፕረዚደንት ሃሪስ ኣመልኪቱ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስርሑ ዘመዝገቦ ዝርዝር ዓወታቱ ምስቲ ሃሪስ ብደረጃ ሃገር ክትገብሮ እትደሊ ዝሰማማዕ ምዃኑ የመልክት።
ሪፓብሊካን ግን ዋልዝ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ሚነሶታ ትእዛዝ መሸፈኒ -ማስክ፣ ምዕጻው ትካላትን ኣብያተ ትምህርትን፡ ከምኡ’ውን፡ ድሕሪ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ 2020 ንዝተፈጥረ ናዕቢ ንምግጣም ሓይሊ ሓለዋ ኣብ ምውፋር ምድንጓዩ ነቒፎሞ ኣለዉ።
ምክትል ፕረዚደንት ትራምፕ ኰይኑ ዝወዳደር ዘሎ ቫንስ ብወገኑ ብሰሉስ ኣብ ፊላደልፍያ፡ ነቲ ሕጹይ ዲሞክራት ኣጥቂዑ ነይሩ እዩ።
እቲ ሰነተር ኦሃዮ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃሪስ ንዋልዝ ምምራጻ፡ "ዕድል ኣብ ዝረኸበትሉ ነቶም ኣኽረርቲ ኣባላት እቲ ሰልዲ እትሰግድ ምዃና ዘርኢ እዩ፡” ኢሉ።
ጐስጓስ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ልክዕ ከም ካማላ ሃሪስ፡ ቲም ዋልዝ ሓደገኛ ሊበራላዊ ኣኽራሪ እዩ፡ ሕልሚ ካሊፎርንያ ሃሪስ-ዋልዝ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ኣመሪካዊ ዘባህርር ሕልሚ'ዩ" ኢሉ።
ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ገዛእ ርእሱ ጐስጓስ መረጻ ደው ዘበለን ንሃሪስ ባርኾቱ ዝሃበን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትኬት ዲሞክራትስ "ዝሓየለ ተሓላቒ ውልቃዊ ናጽነትናን ዲሞክራሲናን ክኸውን'ዩ" ኢሉ።
ካልእ ካብቶም ናይ መወዳእታ ደረጃ ዝሓዙ መጻምድቲ ወ/ሮ ሃሪስ ክኸውን ዝኽእል ኣመሓዳሪ ፔንስልቨንያ ጆሽ ሻፒሮ’ውን ኣብቲ ሰልፊ ተረኺቡ።
ንሱ ንእስራኤል ብዝገበሮ ደገፍን ኣተሓሕዛ ብሰንኪ ኲናት ቓዛ ዝተበገሰ ናይ ኮለጅ ተቓውሞታትን ተሪር ነቐፌታ ኣጋጢምዎ ነይሩ። ነታ ኣገዳሲት ግዝኣት ፔንስልቨንያ ንምቕራብ ክሕግዝ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ስለዘለዎም ካመላ ንዕኡ ብዘይምምራጻ እፎይታ ከምስምዖም ገሊጾም።
ዋልዝ ኣመሓዳሪ ቅድሚ ምዃኑ፡ ን12 ዓመታት ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ ንሓደ ንሪፓብሊካን ደገፍ ዘለዎ ግዝኣት ወኪሉ እዩ።
ኣብ 2006 ነዚ ስልጣን ተዓዊቱ፣ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብታ መብዛሕትኡ ገጠር ዝዀነት ግዝኣት ዝተዓወተ እንኮ ዲሞክራት እዩ።
ዋልዝ ተወላዲ ነብራስካን ወዲ ኣመሓዳሪ ቤት ትምህርትን ኣብ ገዛ ኮፍ ኢላ ውላዳ እተዕቢ ኣደን እዩ።
ንሱ ኣብ ሕርሻን ሃድንን ዝዓበየ ኰይኑ፡ ወዲ 17 ዓመት እንከሎ ምስ ተጸንበረ ን24 ዓመታት ኣብ ሰራዊት ኣገልጊሉ።
ዋልዝ ኣብ ንእስነቱ ንተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ እውን ይምህር ነይሩ - ፈለማ ኣብታ ኣስታት 30 ግዜ ከምዝበጽሓ ዝዛረብ ሃገር ቻይና፤ ብ መጠኑ ቋንቋ ማንደሪን እውን ይዛረብ እዩ።
በዓልቲ ቤቱ ግወን ዊፕል ዝተባህለት ብጸይቱ መምህር ኰይና፡ ናብ ትውልዲ ዓዳ ሚነሶታ ስሒባቶ፤ ኣብኡ ድማ ማሕበራዊ መጽናዕትን ጂኦግራፍን ምሂሩን ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ኣሰልጢኑን።