ካማላ ሃሪስ፡ ኲናት ቓዛ ደው ዝብለሉ እዋኑ እዩ ክትብል ንነታንያሁ ኣተሓሳሲባ

ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ዝካየድ መረጻ ኣመሪካ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ዲሞክራት ክትከውን ትጽቢት ዝግበረላ ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ፡ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ይገብር ምስ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ “ግልጽን ሃናጽን” ዝበለቶ ዘተ ኣካይዳ።

ንሳ፡ ብዛዕባ ኣብ ቓዛ ዝወረደ ዕንወት “ከቢድ ስክፍታታ” ከም ዘለዋ ብምግላጽ እስራኤል ንነብሳ እትከላኸለሉ መገዲ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ተዛሪባ።

ኣብቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ዘካየድዎ ዘተ ድማ፡ “እዚ ኲናት ከብቅዕ ኣለዎ” ኢላ።

ብተወሳኺ፡ ኣገዳስነት ፍታሕ ክልተ ሃገራት ንምምጻእ ዝወስድ መገዲ ከምኡ’ውን ኣመሪካውያን ብዛዕባ እቲ ግጭት “ብደቂቕ” ክፈልጡ ከም ዝግባእ ኣስሚራትሉ።

ነታንያሁ፡ ትማሊ ምስቲ ካብ ዳግመ መረጻ ዘንሰሓበ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ተራኺቡ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ቅድሚ’ቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተኻየደ ኣኼባታት፡ ብረቡዕ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደገፍቲ ፍልስጤም ዝዀኑ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ኣብ ዘካየዱሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ሓማስ “ምሉእ ዓወት” ከም ዝረክብ ኣብ ኮንግረንስ ኣመሪካ ተዛሪቡ’ዩ።

ንሱ ነቲ ትሸዓተ ኣዋርሕ ዘቝጸረ ኲናት እስራኤልን ቓዛን ደው ከብሎ ካብ ውሽን ግዳምን ጸቕጢ ይበጽሖ ኣሎ።

ባይደን ንእስራኤል ዝህቦ ጽኑዕ ደገፍ ንብዙሓት ጸጋማውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣቘጢዕዎም ኣሎ፤ ዲሞክራትስ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ክዕወቱ እንተዀይኖም ድማ ናይዚኦም ደገፎም ከድልዮም ይኽእል እዩ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካማላ ኣብ ዋይት ሃውስ ንባይደን እንተተኪኣ ጸግዒ እስራኤል ክትሕዘሉ እትኽእል ተኽእሎ ኣሎ።

ንሳ፡ ንኣስታት 40 ደቓይቕ ምስ ነታንያሁ ድሕሪ ምዝታይ፡ እስራኤልን ንነብሳ ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዋ ኣብ ዝብል መትከል “ጽኑዕ ደገፍ” ከም ዘለዋ ገሊጻ።

እቲ ግጭት ብ7 ጥቅምቲ 2023 ክጅመር እንከሎ፡ ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ደቡብ እስራኤል ብምጥቃዕ 1200 ሰባት ቀቲሎምን ካልኦት ልዕሊ 250 ሰባት ጅሆ ሒዞም ከም ዝወሰዱን እስራኤል ትገልጽ።

ነዚ ስዒቡ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ልዕሊ 39 ሽሕ ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።

ካማላ ሃሪስ፡ "እስራኤል ንነብሳ ክትከላኸል መሰል ኣለዋ፤ ነዚ ከመይ ገይራ ትፍጽሞ ክኣ ኣገዳሲ’ዩ” ብምባል ብዛዕባ እቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ "ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ኵነታት" ስክፍታኣ ገሊጻ።

“ብዛዕባ ዝበጽሕ ዘሎ መከራ ስቕ ብምባል ንነብስና ከነዐሹ ኣይንኽእልን፤ ስቕ ኣይብልን’የ። ኣብ ስምምዕ ክብጸሕ ብምግባር እቲ ኲናት ደው ንምባል ምቍራጽ ተዅሲ ይገበር። እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ናብ ዓዶም ነምጽኣዮም፤ ንህዝቢ ፍልስጤም ድማ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ሩፍታ ነምጽኣሉ” ኢላ።

ነታንያሁ ሎሚ ዓርቢ ምስ ሕጹይ ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ዶናልድ ትራምፕ ክራኸብ እዩ።