እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዳይረክተር ጸጥታ ኣመሪካ፡ ብጉዳይ ፈተነ ቅትለት ትራምፕ ስልጣን ለቒቓ
ዳይረክተር ኣገልግሎት ጸጥታ ኣመሪካ ኪም ቺትል፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ብዝተፈጥሩ ሃጓፋት ጸጥታ ካብ ስልጣና ወሪዳ ።
ኪም ቺትል ንሰራሕተኛታት እቲ ትካል ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ ስንብታ፡ “ከም ዳይረክተር መጠን፡ ነቲ ዘጋጠመ ጕድለት ጸጥታ ምሉእ ሓላፍነት ይወስድ” ኢላ።
ብሰኑይ፡ ኣብ ሰነት እታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ፈተነ ቅትለት ድሕሪ ዝተኻየደ ኣካታዒ መስርሕ፡ ኣባላት ዲሞክራትን ሪፓብሊካንን ካብ ስልጣና ክትወርድ ጸቕጢ ገይሮም ነይሮም።
ትራምፕ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ባትለር ፔንስልቨንያ ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ መረጻ ኣብ ልዕሊኡ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ንዝቐረበላ ሕቶታት መልሲ ምሃብ ምስ ኣበየት፡ ኣባላት ባይቶ ቍጥዐኦም እናወሰኸ መጺኡ።
እታ ዳይረክተር፡ ኣብቲ ትማሊ ዝጽሓፈቶ ደብዳበ፡ ወትሩ “ጠለባት እቲ ትካል ቀዳምነት ከም እህብ” ብምግላጽ፡ ልቢ ኣዕቢያ ነዚ ውሳነ ከም ዝወሰደት ጠቒሳ።
“ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጽዑቕ መርመራ ክግበር እንከሎ፡ ናተይ ካብ ስልጣን ምውራድ ነፍሲ ወከፍኩምን ኣገዳሲ ልኡኽ [እቲ ትካል] ንምፍጻም እትገብርዎ ዘለኹም ዓበይቲ ስራሕቲ ምስንኻል ዝፈጥር ክኸውን ኣይደልን” ኢላ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝሃበቶ ህዝባዊ ኣገልግሎት ከም ዘመስግን ገሊጹ።
“ብዛዕባ’ቲ ብ13 ሓምለ ዘጋጠመ ክስተት ንምፍላጥ ዝግበር ናጻ ገምጋም ይቕጽል ኣሎ፡ እታ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ንኽግምግም ድማ ብሃንቀውታ ይጽበ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠመ ነገር ዳግማይ ክኸውን ከም ዘይክእል ኵላትና ንፈልጦ ኢና” ኢሉ።
ኣብ ቀረባ እዋን ሓድሽ ዳይረክተር ክሸይም ምዃኑ’ውን ገሊጹ። ኣብዚ እዋን፡ ሚኒስተር ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ኣሌሃንድሮ ማዮርካስ ንሮናልድ ሮው ግዝያዊ ዳይሬክተር ናይቲ ትካል ገይሩ ሸይምዎ ኣሎ።
ሮው፡ ን24 ዓመታት ኣብቲ ኣገልግሎት ዝጸንሐ ገዲም ክኢላ ኣገልግሎት ጸጥታ ኰይኑ፡ ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ምክትል ዳይረክተር ኰይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ ኣሎ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ እታ ጸጥታን ድሕነትን ኣብ ስልጣን ዘለው፡ ፕረዚደንታት ነበርን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ዝከታተል ትካል ክትመርሕ ዝጸንሐት ኪም ቺትል ኣብ 2022’ዩ ዳይረክተር ገይሩ ሸይሙዋ።
ቅድሚኡ፡ ኣብቲ ትካል ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሒታት ሓላፍነት ን27 ዓመታት ኣገልጊላ እያ።
ወኪል ኰይና ኣብ እትሰርሐሉ ዝነበረት እዋን፡ ኣብቲ ብ11 መስከረም 2001 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ናይ ሽዑ ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረ ዲክ ቸኒ ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ምውጻእ ተሳቲፋ ነይራ።
ምክትል ተሓጋጋዚት ዳይረክተር መከላኸሊ ስርሒታት ቅድሚ ምዃና ድማ፡ ባይደን ምክትል ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ተቘጻጻሪት ዝርዝር መከላኸሊታት ድሕነት ባይደን ኰይና ሰሪሓ።
ድሕሪ’ቲ ብ13 ሓምለ 2024 ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ግን፡ ስርሓን ሓላፍነታን ኣብ መዋጥር ኣትዩ ይርከብ።
ኣብቲ እዋን ዝተተኰሰት ጥይት ንእዝኒ ትራምፕ ከተቝስል እንከላ፡ ካልኦት ውልቀሰባት ሞይቶም ክልተ ድማ ቈሲሎም’ዮም።
ኣብቲ ጐስጓስ መረጻ ዝሳተፉ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ ናሕሲ ሓደ ህንጻ ሰብ ከም ዝርኣዩ ምስ ሓበሩ፡ ቶማስ ማቲው ክሩክስ ዝተባህለ ጥርጡር ከም ዝተቐትለ ይዝከር።
ኣብቲ መድረኽ፡ ካብ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝመጽኡ ኣባላት ጸጥታን ኣኽበርቲ ሕግን ተረኺቦም ነይሮም።
ትራምፕ ብሰሉስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ምምሕዳር ባይደን/ሃሪስ ግቡእ ሓለዋ ኣይገበረለይን፤ ንስለ ዲሞክራሲ ግን ብጥይት ክህረም ተገዲደ” ኢሉ።
ውሃቢ ቃል ባይቶ ሪፓብሊካን ማይክ ጆንሰን፡ ካብ ስልጣና ንምውራድ’ኳ እንተደንጐየት፡ “ቅኑዕ ነገር ብምግባራ ሕጕስ” እየ ኢሉ።
“ሕጂ ነቲ ዝተበታተነ ነገር ክንኣኻኽቦ ኣለና፤ ህዝቢ ኣመሪካ ኣብቲ ኣገልግሎት ዘለዎ እምነት ዳግማይ ክንሃንጽ ኣለና” ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
ትማሊ ሰሉስ ኣብ ካፒቶል ሂል ኣብ ዝተኻየደ ካልእ ኣኼባ ሰነት ድማ፡ ኮሚሽነር ፖሊስ ግዝኣት ፔንስልቨንያ ክሪስቶፈር ፓሪስ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ብርክት ዝበሉ ናይ ጸጥታ ስሕተታት ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ።
ንሱ ከም ዝበሎ፡ ቶማስ ማቲው ክሩክስ ካብ ዝትኩሰሉ ዝነበረ ናሕሲ ዝነበሩ ክልተ መኮንናት፡ ብዛዕባ ሓደ ጥርጡር ሰብ ዝቐረበ ጸብጻባት ንምጽራይ ክሕግዙ ካብ ቦታኦም ተኣልዮም ነይሮም።
ድሒሩ፡ ክሩክስ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ተዅሲ ቅድሚ ምኽፋቱ ሒደት ካልኢታት ሓደ ኣባል ፖሊስ ጥራይ ኣብቲ ናሕሲ ከም ዝረኸቦ ተዛሪቡ።
ኣብቲ እዋን፡ “ኣገዳሲ ፍሽለታት” ከም ዘጋጠሙ'ኳ እንተተኣመነ፡ ኪም እትመርሖ ትካል ምሉእ ሓላፍነት ከም ዝወስድ ገሊጹ።