ነታንያሁ፡ ባይደን ድሕሪ ምስሓቡ ምስ መን ክመክር ይኽእል?

ኲናት ቓዛ ደው ንኽብል ካብ እስራኤላውያንን ምምሕዳር ኣመሪካን ጸቕጢ ዘጋጠሞ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ብዛዕባ ቀጻሊ መሻርኽቲ ኣብ ኣመሪካ ምብጻሕ ከካይድ’ዩ።

እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ዕግርግር ንምብጻሕ ነታንያሁን መጻኢ ዝምድና እተን ሃገራትን ብኸመይ ክጸልዎ ይኽእል?

ፕረዚደንት ባይደን ካብ ኮቪድ-19 እንተሓውዩ፡ ነታንያሁ ምስ ባይደን ክራኸብ እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ኮንግረስ መደረ ከስምዕ እዩ። ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ኮንግረስ መደረ ንራብዓይ ግዜ ዝመደረ እንኮ መራሒ ወጻኢ ክኸውን’ዩ።

ነታንያሁ እዚ ኣብዚ ሰሙን ዝገብሮ ምብጻሕ ነቲ ብሰንኪ’ቲ ኣብ እቲ ኲናት ዘለዎ ተሪር ኣቀራርባ ምስ ዋሽንግተን ንኣዋርሕ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ወጥሪ ንምምሕያሽን ከምኡ’ውን ምስታ ኣገዳሲት መሻርኽቲ ዘለዎም ዝምድና ከምዘይተበላሸወ ንእስራኤላውያን ንምእማንን ዕድል ክህቦ እዩ።

ይዅን’ምበር እዚ ምብጻሕ፡ ፕረዚደንት ባይደን ካብ መረጻ ንምስሓብ ብዘሕለፎ ውሳነ ዝተጸለወ እዩ። እዚ ድማ እስራኤል ናብ ዋይት ሃውስ ዝኣቱ ቀጻሊ መሻርኽታ መን ከምዝኸውን ዘምልከት ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይርጉጽነት ዘጕለሐ ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሳዕ ናብ ነፋሪት ዝደየበላ ህሞት ኣብ እስራኤል ብዙሕ ዘይተደልየ ኣቓልቦ ረኺቡ’ዩ። ድሌት መብዛሕትኦም ኣብ ሃገሩ ጸኒሑ ኣብቲ ምስ ሓማስ ዝግበር ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንኸድህብን፡ ጅሆ እስራኤላውያን ሓራ ንኸውጽእን እዩ።

"እቲ ውዕል ክሳብ ዘይፈረመ፡ ምስ ኣመሪካ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ህውከት ንምፍታሕ ከመይ ገይሩ ከምዝኸይድ ኣይረኣየንን" ይብል ሊ ሲገል። ሓዉ ኪት ኣብ ቓዛ ምሩኽ ዝዀነ ወዲ 65 ዓመት ሲግል፡ ሓደ ካብቶም ሰልፊ ከካይዱ ዝወጹ ኣባላት ስድራቤት እዩ።

ነታንያሁ “ዕንቅፋት” ምዃኑ ደው ኣቢሉ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እንተዘይፈሪሙ፡ እቲ ጕዕዞ ፖለቲካዊ ስጕምቲ ምዃኑ ወሲኹ ይገልጽ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንሓማስ ሕድገታት እንተገይሩ መንግስቱ ከምዘውድቑ ካብ ክልተ ርሑቕ የማናውያን ሚኒስተራት ካቢነ ንዝበጽሖ ምፍርራሕ ተንበርኪኹ’ዩ ተባሂሉ ተኸሲሱ።

እዚ ኣረኣእያታት ድማ እታ ዳሕረዋይ ኣገባብ ስምምዕ ዘፍለጠትን ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝኽእል ተስፋኣ ክትገልጽ ዝጸንሐትን ኣመሪካ ብስጭታ ክውስኽ ገይሩ’ዩ።

ባይደን ሓደ ካብቶም ደገፍቲ እስራኤል ዝዀኑ ፕረዚደንታት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ፤ ንሱ ንነብሱ ጽዮናዊ ኢሉ ዝገልጽ ኰይኑ ብዝህቦ ደገፍን ብዝርእዮ ርህራሀኡ ብእስራኤላውያን ክነኣድ ጸኒሑ እዩ። እዚ ድማ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ናብ እስራኤል ብዝገበሮ ምብጻሕ ዝደልደለ’ዩ።

ካብቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ ግን፡ ነታንያሁ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ኣብ ቓዛ “ፍጹም ዓወት” ንኽረክብ ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ ስግኣት ሓዲርዎ ይርከብ።

ምምሕዳር ባይደን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ ሃገረ ፍልስጤም ምቛም ዝብል ዝርከቦ ንድሕሪ ኲናት ዝተዋህበ ፍታሕ ብምንጻጉ ኣይተሓጐሰን። ንሲቪላት ፍልስጤማውያን ንምክልኻልን ዋሕዚ ሓገዝ ንምዕባይን ዝያዳ ንኽስራሕ ዝቐረበ ጻውዒት ብምቅዋሙ እውን ተቘጢዑ’ዩ። ብሰንኪ’ቲ ኣብ ቓዛ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቍጽሪ ሞት ኣብ ውሽጢ ሃገር ነቐፌታ ኣስዒቡሉ እዩ። እቲ ግጭት ናብቲ ዞባ ይዝርጋሕ ምህላዉ ድማ ሻቕሎት ፈጢሩሉ’ሎ።

ፕረዚደንትነት ጆ ባይደን ዓቕሙ ብዝምልከት ብዝካየድ ዘሎ ክትዕ ኣብ ዝደኸመሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዘሕድሮ ጸቕጢ ንኽቕጽል ዝኽእለሉ ዕድል ክንኪ ከምዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።

ይዅን’ምበር ባይደን ካብ መረጻ ክስሕብ ምውሳኑ ብሓቂ ጸቕጡ ከሐይል ከምዘኽእሎ ነቓፊ ሚስተር ነታንያሁ ዝዀነ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነበር ኤሁድ ባራክ ይዛረብ።

"ብዛዕባ ፖሊሲ ወጻኢ ልሙስ ኣይኰነን፡ ብገለ መልክዑ ዝያዳ ናጻ'ዩ (ምኽንያቱ) ኣብ ልዕሊ መረጽቲ ዝዀነ ጽልዋ ኣብ ግምት ከእቱ ግዴታ የብሉን" ክብል ባራክ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ብዛዕባ እስራኤል ምናልባት ነቲ ብሓቂ ክግበር ዘለዎ ንምግባር ዝያዳ ናጻ ከምዝዀነ ክስምዖ’ዩ።”

ባራክ ከምዝብሎ፡ ኮንግረስ ኣመሪካ ነታንያሁ መደረ ከስምዕ ምዕዳም "ጌጋ'ዩ" ይብል። ብዙሓት እስራኤላውያን መጥቃዕቲ ሓማስ ንኽፍጸም ብዘኽኣለ ውድቀት ፖሊሲታት ንነታንያሁ ከምዝወቕሱን ካብ ኣርባዕተ እቶም ሰለስተ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከምዝደልዩን ወሲኹ ይገልጽ።

ነታንያሁ “ንእስራኤል ኣይውክልን” ይብል። "እምነት እስራኤላውያን ስኢኑ’ዩ...ኮንግረስ ኣመሪካ ንሱ ከምዘድሕነና ቆጺረ ክዕድሞ ከሎ፡ ንእስራኤላውያን ጌጋ መልእኽቲ ከሕልፍ ይኽእል፤ ምናልባት ንባዕሉ ነታንያሁ ጌጋ መልእኽቲ ዝህብ’ዩ።"

ነታንያሁ ዝጻወቶ ዘሎ ፖለቲካ ዝዀነ ይዅን ብዘየገድስ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መሪሕነት ዝተኻየደ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ንሓማስ ብዓቢኡ ስለ ዘዳኸሞ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ጸቕጢ ክቕጽል ኣለዎ’ዩ ዝብል።

ቅድሚ ናብ ኣመሪካ ምብጋሱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ቃና ናይቲ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ዝገብሮ ርክብ ከምኡ ከምዝኸውን’ዩ ኣኣንፊቱ።

“ንኽልቲአን ሃገራትና ኣገደስቲ ዝዀኑ ዕላማታት ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ከመይ ጌርና ክንስጉም ከም እንኽእል ንምዝርራብ’ውን ዕድል ክኸውን’ዩ” ኢሉ። “ምፍታሕ ኵሎም ጅሆታትና ምዕዋት፡ ሓማስ ምድምሳስ፡ ምስ ራዕዲ ጥምረት ኢራንን ወከልታን ምግጣምን ከምኡ’ውን ኵሎም ዜጋታት እስራኤል ኣብ ሰሜንን ደቡብን ናብ ዝርከቡ ኣባይቶም ብሰላም ክምለሱ ምግባርን” ብዝምልከት ከምዝዛተዩ ጠቒሱ።

ናብ ኮንግረስ’ውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ከምዘቕርብ ትጽቢት ይግበር፤ “ንእስራኤል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ክልተኣዊ ደገፍ” ንምብራኽ ክጽዕር እዩ።

እቲ ክውንነት ግን ፖሊሲታት ነታንያሁ ነቲ ክልተኣዊ ደገፍ ኣድኪምዎ’ዩ። ሪፓብሊካን ይድግፍዎ ኣለዉ፡ ካብ ዲሞክራትስ ዝመጽእ ነቐፌታ ግን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

መራሒ ዓብላሊ ሰነት ዲሞክራት ቻክ ሹመር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ካብቶም ምስ ፍልስጤማውያን ነባሪ ሰላም ከይህሉ ዝገብሩ ዘለዉ ዕንቅፋታት ነታንያሁ ምዃኑ ብምግላጽ ወጥሪ ኣስዒቡ ነይሩ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ነበር ቶማስ ኒደስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጭንቀት ብዙሓት ኣባላት ኮንግረስ ተረዲኡ ክዛረቦም ተስፋ እገብር” ኢሉ።

እዚ ድማ “ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያትን እቲ ቃልሲ ምስ ሓማስ እምበር ምስ ህዝቢ ፍልስጤም ከምዘይኰነ ምግላጽን” ከምጠቓልል ይጠቅስ።

ካማላ ሃሪስ ሕጽይቲ ዲሞክራት እንተዀይና ክትደግሞ እትኽእል መልእኽቲ’ዩ። ኣብ ፖሊሲ ኣመሪካ ለውጢ ኣይህልውን - ግጭት ቓዛ ደው ንኽብልን ምስ ሃገራት ዓረብ ኣብ ዞባዊ ሰላም ዝተሰረተ ውጥን ድሕሪ ኲናትን ጻዕሪ እናተገበረ ንጸጥታ እስራኤል ውፉይ ምዃን።

ኣብ ቃና እቲ መልእኽቲ ግን ፍልልይ ክህሉ ይኽእል እዩ።

ሃሪስ፡ ባይደን ምስ እስራኤል ዘለዎ ነዊሕ ታሪኽን ስምዒታዊ ርክብን ኣይትካፈልን። ካብ ዝተፈልየ ወለዶ ዝመጸት’ያ፡ “ምስ ስምዒት መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራት ዝያዳ ክትሰማማዕ ትኽእል’ያ” ይብል ምክትል ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ምክልኻል ማእከላይ ምብራቕ ነበር ሚክ ሙልሮይ።

"እዚ መርገጺ’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቓዛ ዝውዕሉ ኣጽዋርን ተተኮስቲን ኣመሪካ ዝመጽእ ገደብ ከጠቓልል ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ።"

ነታንያሁ ነቲ ዑደት፡ ነቲ ዝርርብ ካብ ብዛዕባ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ክትዕ ናብቲ ካብ ኢራን ዝመጽእ ስግኣት ንኸተኩር ክጥቀመሉ ይኽእል’ዩ። ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ የመን ብኢራን ዝድገፉ ዓመጽቲ ሑቲ ዝተራእየ ምዕባለ፡ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣዝዩ ዝያዳ ምቹእ ክዀነሉ ይኽእል’ዩ።

ቀንዲ ተዓዘብቱ ግን ካብ ውሽጢ ሃገር ክዀኑ እዮም ትብል ዲፕሎማስያዊ ወኪል እስራኤል ዋላ ኒውስ ዝዀነት ታል ሻለቭ።

ወሲኻ፡ እቲ ብዝበለጸ ንእስራኤል ናብ ኣመሪካ ከቕርባ ዝኽእል ሰብ፡ “ሚስተር ኣመሪካ” ዝብል ምስሉ ዳግማይ ከለዓዕልን፡ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሃሰሰ ምስሉ ክመልስን ከምዝደሊ ትገልጽ።

"ናብ ኣመሪካ ከይዱ ኣብ ቅድሚ ኮንግረስ መደረ ከስምዕን ኣብ ዋይት ሃውስ ኣኼባ [ክገብርን] ከሎ፡ ንመረጽቲ ደገፍቱ እቲ ምኩር ቢቢ ተመሊሱ ዝብል’ዩ" ትብል ሳጓ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምጥቃስ።

“እዚ ኣብ 7 ጥቅምቲ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሓታቲ ዝነበረ ፍሹል ቢቢ ኣይኰነን። እዚ ናብ ኮንግረስ ቀሪቡ ዓው ዝበለ ጣቕዒት ዝረክብ ምኩር ቢቢ እዩ።”

ነታንያሁ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዓቢ ፖለቲካዊ ዋሕዚ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ምስ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ርክብ ክገብር እውን ዕድል ክረክብ እዩ።

"ነታንያሁ ትራምፕ ክዕወት እዩ ዝደሊ፡ ቅድሚ እቲ መረጻ ድማ ንሱን ፕረዚደንት ትራምፕን ኣብ ጽቡቕ ርክብ ከምዘለዉ ከረጋግጽ ይደሊ" ትብል።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንገለ ካብቲ ካብ ምምሕዳር ባይደን ከጋጥሞ ዝጸንሐ ጸቕጢ ከቃልል ዝኽእል ዓወት ትራምፕ ተስፋ ብምግባር ግዜ ክረክብ ይጽዕር ከምዘሎ ዘመልክት ሰፊሕ ኣረኣእያ ኣሎ።

“ነታንያሁ ንዓወት ትራምፕ ሃንቀውታ ከምዘለዎ ዝገልጽ ዳርጋ ኣድማሳዊ ኣረኣእያ ኣሎ፤ እዚ ድማ ድሕሪኡ ዝደለዮ ክገብር ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት’ዩ” ይብል ካብ ፖሊሲ ፎረም ማይክል ኮፕሎው።

“ኣብ ልዕሊ ምቍራጽ ተዅሲ ወይ ኣብ ሰፈራታት ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ዓመጽ ሰፋሮን ጸቕጢ ዝገብረሉ ባይደን ኣይህሉን... እዚ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ትራምፕ ክኸውን ንክንጠራጠር ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ፤ ነታንያሁ ግን ነዚ ዝድግፎ ክኸውን ይኽእል እዩ።”

እቲ ሕቶ፡ ባይደን ካብ ፕረዚደንታዊ ውድድር እናረሓቐ ክኸይድ ከሎ ካብኡ ዝመጽእ ጸቕጢ ክቐልል ድዩ፡ ወይስ ብሓቂ ነቲ ዝተረፈ ኣዋርሕ ስልጣኑ ኣብ ምቍራጽ ኲናት ቓዛ ዘተኰረ’ዩ ክገብር ዝብል እዩ።