እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል፡ ሑቲ ኣብ ተልኣቪቭ ንዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ መልሲ ሂባ
እስራኤል፡ ድሕሪ እቲ ብቀዳም ኣብ ተልኣቪቭ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዕጡቓት ሑቲ የመን ዝርከብ ወደብ ቀይሕ ባሕሪ ሑደይዳ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ፈጺማ።
ሚኒስተር ምክልኻል ዮኣቭ ጋላንት፡ እዚ ንሑቲ መልእኽቲ ንምስዳድ ዝዓለመ’ዩ ኢሉ።
“ኣብ ሑደይዳ ዝነድድ ዘሎ ሓዊ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርአን ግልጺ ትርጕም ዘለዎን’ዩ” ኢሉ።
በዓል መዚ ሑቲ መሓመድ ዓብዱልሰላም፡ እቲ መጥቃዕቲ “እስራኤል ኣብ የመን ንዝፈጸመቶ ኣረመናዊ መጥቃዕቲ’ዩ” ክብል ገሊጹዎ።
ምስ ሑቲ ርክብ ዘለዎም ማዕከናት ዜና በቲ ብቀዳም ኣብ ተልኣቪቭ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለው ልዕሊ 80 ሰባት ከም ዝቈሰሉ ሓቢሮም።
ሰራዊት እስራኤል፡ ሰንበት ንግሆ ካብ የመን ዝተተኰሰ ሚሳይል ናብ ክሊ ኣየር ሃገሩ ቅድሚ ምእታው ከም ዘፍሸሎ ሓቢሩ።
ስርብርባር እቲ ሚሳይል ድማ፡ ኣብ ወደብ ኢላት “ክወድቕ ይኽእል’ዩ” ብዝብል መጠንቀቕታ መጥቃዕቲ ኣየር ክመሓላለፍ ከም ዝተገብረ ገሊጹ።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ንዕጡቓት ሓማስ ዝገብሩዎ ሓገዝ ጠጠው ንምባል ዝዓለመ ከም ዝዀነ ዓብዱልሰላም ተዛሪቡ።
እስራኤል፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ግዝኣታ ዘነጻጸሩ ኣማኢት መጥቃዕቲታት ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ዝምልከት ቀጥታዊ ምላሽ ክትህብ እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።
ብቐዳም ኣጋምሸት ኣብ ሑደይዳ ብርቱዕ ሃልሃልታ ከም ዝነበረ ካብቲ ከባቢ ዝወጽኡ ምስሊታት የርእዩ።
ኣብ ሰንዓ ዝርከብን ብሑቲ ዝምራሕን መንግስቲ፡ እስራኤል ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከብ መአከቢ ነዳዲ ከምኡ’ውን ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መመንጨዊ ጸዓት ከም ዝሃረመት ገሊጹ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ እስራኤል ንትሸዓተ ኣዋርሕ ድሕሪ ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ኣየር ሑቲ፡ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣብ ልዕሊ 1800 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈጺመን ኣለዋ። ኣብ ሑደይዳ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣሸባሪ ሑቲ ድማ ዒላማ ኰይኖም ኣለው” ይብል።
“ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዝደልዮ ቦታ ክንቀሳቐስ ዝኽእልን ንእስራኤል ሓደጋ ዝዀነ ሓይሊ ዝምክት ሓይሊ ዘለዎን’ዩ” ኢሉ።
ጋላንት፡ "ሑቲ ልዕሊ 200 ግዜ ኣጥቂዑና'ዩ። ንመጀመርታ ግዜ ንሓደ እስራኤላዊ ዜጋ ኣብ ዝጐድኣሉ እዋን ክኣ፡ ኣጥቂዕናዮ። እዚ ድማ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ቦታ ክንገብሮ ኢና" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ሃገሩ “ብዝዀነ መገዲ” ንገዛእ ርእሳ ከም እትከላኸል ብቐዳም ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ ወደብ፡ ኣጽዋር ኢራን ዝኣትወሉ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ “ኣብ ልዕለና መጕዳእቲ ዘብጽሕ ኵሉ ዋጋ ክኸፍል’ዩ” ክብል ገሊጹ።
ሓደ በዓል መዚ ሰራዊት እስራኤል ድማ፡ ስርሓት ኢራን ዝዀኑ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምጥቃም ኣብ ተልኣቪቭ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ህንጻታት መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐ ገሊጹ።
ዕጡቓት ሑቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ብምግላጽ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከም ዘውርዱ ተሓንዮም’ዮም።
እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ'ኳ መጥቃዕቲ እንተዘይፈጸመት፡ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ግን ሑቲ ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ቀይሕ ባሕርን ንዝርከባ ንግዳዊ መራኽብ ዘብጽሑዎ መጥቃዕቲ ንምዕጋት ንኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ እቲ ጕጅለ መጥቃዕቲ ኣየር ከካይዳ ጸኒሐን እየን።
ሑቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ልዕሊ ምስ እስራኤል ርክብ ኣለወን ወይ ድማ ናብኡ ይኸዳን ካብኡ ይመጽኣን ኣለዋ ዝበሉወን መራኽብ የጥቅዑ ከም ዘለዉ ገሊጾም ነይሮም።
እንተዀነ ብዙሓት ካብተን መራኽብ ምስ እስራኤል ዝዀነ ርክብ ኣይነበረንን፤ እቲ ጕጅለ ምስ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ምትእስሳር ኣለወን ንዝበለን መራኽብ'ውን ዒላማ ገይሩ ነይሩ።