እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀንዲ ሕቶታት ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ሕጹያት በዓል መን እዮም? ተዓዋቲ’ኸ ብኸመይ ይፍለጥ?
ኣመሪካውያን ኣብ ሕዳር ዝቕጽል ፕረዚደንት እታ ሃገር ክመርጹ እዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ነቶም ኣብ ህይወት ኣመሪካውያን ዓሚቝ ጽልዋ ዝህልዎም ሕጊታት ዘጽድቝ ኣባላት ኮንግረስ እውን ብዝምልከት ድምጾም ክህቡ እዮም።
ዓለም ድማ ነዚ ፍጻመ ብቐረባ ክትከታተሎ እያ።
ብዛዕባ'ዚ ፍጻመ ዝለዓሉ ቀንዲ ሕቶታትን መልሶምን ነዚ ዝስዕብ ይመስል።
ፕረዚደንታዊ መረጻ መዓስ’ዩ ዝካየድ?
መረጻ 2024 ሰሉስ 5 ሕዳር 2024 ክካየድ እዩ።
ካብቶም ሕጹያት ፕረዚደንት ዝተዓወተ ድማ ካብ ጥሪ 2025 ጀሚሩ ንኣርባዕተ ዓመት ነታ ሃገር ክመርሕ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ገለ ሕጊታት ባዕሉ ክኽልስን ስልጣን ኣለዎ፤ መብዛሕትኡ ግን ሕጊ ንኽጸድቕ ምስ ኮንግረስ ክሰርሕ ይግባእ።
ኣብ መድረኽ ዓለም መራሒ ኣመሪካ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንሃገር ወኪሉ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ናይ ምክያድ ዘይነዓቕ ናጽነት ኣለዎ።
ሕጹያት በዓል መን እዮም?
እተን ክልተ ቀንዲ ሰልፍታት ሓደ ሕጹይ ፕረዚደንት እየን ዘቐርባ። ሰባት ኣብ ሓፈሻዊ መረጻ ክመርሖም ዝደልይዎ ፕረዚደንት ይመርጹ።
ኣብ ሰልፊ ሪፓብሊካን ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ መወዳድርቱ ዓቢ ጸብለልትነት ረኺቡ እዩ።
ኣብ ሚልዋኪ ዊስኮንሲን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰልፊ ድማ ወግዓዊ ሕጹይ ሪፓብሊካን ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ሰልፊ ዲሞክራት ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ሕጽይቲ ክትከውን እያ። ንሳ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ካብቲ መረጻ ድሕሪ ምስሓቡ’ያ ናብቲ ውድድር ተጸንቢራ።
ሃሪስ፡ ኣብ ውሽጢ ሰልፋ ኣብዝሓ ደገፍ ዘለዋ ትመስል፤ ኣብ ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ፡ ኣብ ቺካጎ ድማ ሕጹይትነታ ከተረጋግጽ ተኽእሎ ኣሎ።
ንፕረዚደንትነት ዝወዳደሩ ገለ ነጻ ሕጹያት እውን ኣለዉ፤ ካብዚኦም ሓደ ወዲ ሓው ፕረዚደንት ነበር ጆን ኤፍ ኬነዲ ዝዀነ ሮበርት ኤፍ ኬነዲ ጁንየር እዩ።
ዲሞክራትን ሪፓብሊካንን እንታይ’ዩ መርገጺኦም?
ዲሞክራት ሊበራላዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ እዩ።
ኣጀንዳኡ ብዓቢኡ ንሲቪላዊ መሰላት ብዝገብሮ ድፍኢት፡ ሰፊሕ ማሕበራዊ ድሕነትን ንለውጢ ክሊማ ንምፍታሕ ብዝወስዶ ስጕምትታትን ይፍለጥ።
ሪፓብሊካን ድማ ዓቃባዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ እዩ።
ንዝተሓተ ግብሪ ደው ዝበለ፡ ንዓቐን መንግስቲ፡ መሰል ጠበንጃን ጽኑዕ ገደብ ስደትን ምንጻል ጥንሲን ክንኪ ይዓልም።
እቲ ፕረዚደንነት ብኸመይ ኣገባብ ይምረጽ?
ንፕረዚደንትነት ዝዕወት ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ሰብ ኣይኰነን።
ኣብ ክንድኡ ክልቲኦም ሕጹያት ኣብ መላእ 50 ግዝኣታት ኣብ ዝካየድ ውድድራት ንምዕዋት እዮም ዝወዳደሩ።
ነፍሲ ወከፍ ግዝኣት ብኸፊል ኣብ ብዝሒ ህዝቢ ዝተመርኮሰ ዝተወሰነ ቁጽሪ ናይ መረጻ ድምጺ ኣለወን። ብድምር 538 ኰይኖም፡ እቲ ዝዕወት 270ን ልዕሊኡን ዝረኸበ ሕጹይ እዩ።
ብዘይካ ክልተ ግዝኣታት፡ እተን ካልእ ሰዓሪ ንዅሉ ድምጺ ይወስድ ዝብል ሕጊ ኣለወን። ስለዚ ኣብ ሓንቲ ግዝኣት ዝለዓለ ድምጺ ዝረኸበ ሕጹይ ናይታ ግዝኣት መረጻ ድምጺ ይዕወት።
ሓደ ሕጹይ ብሃገር ደረጃ ዝበዝሐ ድምጺ ክረክብ ይኽእል'ዩ - ከምቲ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ 2016 ዝረኸበቶ። ግን ሕጂ'ውን ብመረጻ ድምጺ ግዝኣታት ክስዓር ይኽእል'ዩ።
ካልእ መረጻ’ኸ ኣሎ ድዩ?
ኵሉ እቲ ኣቓልቦ ንፕረዚደንትነት ዝዕወት መን እዩ ኣብ ዝብል’ዩ ክኸውን።
እንተዀነ ሕጊታት ዘጽድቑ ሓደስቲ ኣባላት ኮንግረስ’ውን ክምረጹ እዮም።
ኮንግረስ 435 መናብር ዘለዎ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን 33 መናብር ሰነትን ዝሓቘፈ እዩ።
ኣብዚ እዋን ሪፓብሊካን ነቲ ውጥን ወጻኢታት ዘበግስ ባይቶ ይቈጻጸርዎ። ዲሞክራትስ ሓላፊ ሰነት ኰይኖም ኣብ መንግስቲ ንዝርከቡ ወሰንቲ ሽመት ድምጺ ይህቡ።
ኣብ መረጻ መን ከምዝተዓወተ መዓስ’ዩ ዝፈልጥ?
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብታ መረጻ ዝካየደላ ምሸት’ዩ ተዓዋቲ ዝእወጅ። ኣብ 2020 ግን ኵሉ ድምጺ ንምቝጻር ዝተወሰኑ መዓልታት ወሲዱ ነይሩ።
ድሕሪ መረጻ ዘሎ እዋን ምስግጋር ተባሂሉ ይፍለጥ።
ካቢነ ሚኒስተራት ሓዊሱ ሓድሽ ምምሕዳር ዝቘመሉ እዋን እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ጥሪ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ መደያይቦ ህንጻ ካፒቶል ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ምረቓ ብወግዒ ቃለ መሓላ ይፍጽም።
መን ክመርጽ ይኽእል?
18 ዓመትን ልዕሊኡን ዕድመ ዘለዎ ዜጋ ኣመሪካ ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ክሳተፍ ብቑዕ እዩ።