ኣመሪካ ካብ መሸጣ ኣጽዋር ክብረወሰን ዝሓዘ ኣታዊ ረኺባ

ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንወጻኢ ሃገራት ዝገበረቶ መሸጣ ኣጽዋር ኣዝዩ ከምዝወሰኸን ክብረወሰን ዝሓዘ ጠቕላላ 238 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐን ተገሊጹ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ብቐንዱ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ድሕሪ ዝፈጸመቶ ወራር ጠለብ ኣጽዋር ብምውሳኹ እዩ።

መንግስቲ ኣመሪካ ብቐጥታ 81 ቢልዮን ዶላር መሸጣ ከካይድ እንከሎ፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ብ56 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ጸብጺቡ።

እቲ ዝተረፈ ድማ፡ ኩባንያታት ምክልኻል ኣመሪካ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝገብራኦ ቀጥታዊ መሸጣ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ወተሃደራዊ ንጥፈታ ንምስፋሕ ኣብ ጻዕሪ እትርከብ ጎረቤት ዩክረይን ዝዀነት ፖላንድ፡ ገለ ካብቲ ዝዓበየ ዕድጊታት ኣካይዳ እያ።

ኣብ ጥቅምቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ኣመልኪቱ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ፖላንድ፡ ብ12 ቢልዮን ዶላር ኣፓሼ ዝተበሃላ ሄሊኮፕተራት ከምዝዓደገት ይጠቅስ።

ብዘይካዚ ፖላንድ ንሃይ ሞቢሊቲ ኣርተለሪ ሮኬት ሲስተምስ (ሂማርስ) 10 ቢልዮን ዶላር ከምኡ’ውን ንኤም1ኤ1 ኣብራምስ ታንክታት 3.75 ቢልዮን ዶላር ከምዝኸፈለት የመልክት።

ብተወሳኺ ንዝተዋደደ ስርዓተ ትእዛዝ ውግእ ምክልኻል ኣየርን ሚሳይልን 4 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ገይራ እያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶናልድ ታስክ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ እቲ ዓቃባዊ መንግስቲ ዘካይዶ ዝነበረ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ክፍሊ ናይ ምቛም መደብ ክቕጽሎ ምዃኑ ቃል ኣትዩ፤ እዚ መደብ እዚ ንፖላንድ "ኣብ ኣውሮጳ ዝሓየለት ሓይሊ መሬት" ንምግባር ዝዓለመ እዩ።

ጀርመን ብወገና፡ ኣብ ሄሊኮፕተራት ቺኑክ 8.5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ገይራ’ላ። ቡልጋርያ ንናይ ስትራይከር ዕጥቃዊ መካይን 1.5 ቢልዮን ዶላር ከፊላ፣ ኖርወይ ድማ 1 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ብዙሕ ተልእኾ ዘለወን ሄሊኮፕተራት ዓዲጋ።

ቸክ ሪፓብሊክ 5.6 ቢልዮን ዶላር ኤፍ-35 ጀትን ተተኮስትን ዓዲጋ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ “ምስግጋር ኣጽዋርን ንግዲ ምክልኻልን ኣገደስቲ መሳርሒታት ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ኮይኖም፡ ኣብ ዞባውን ዓለምለኻውን ጸጥታ ናይ ነዊሕ እዋን ጽልዋ ክህልዎም ዝኽእል’ዩ” ይብል።

ብተወሳኺ ሃገራት፡ ገጸን ካብታ ንዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ኣመሪካ ካልኣይቲ ዝዓበየት ሸያጢት ኣጽዋር ዝዀነት ሩስያ ብምምላሰን’ውን እቲ መሸጣ ከምዝወሰኸ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ምስግጋር ኣጽዋር እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።

ሚራ ረስኒክ ንፖሊቲኮ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ኢንዱስትሪ ምክልኻል ሩስያ ይፈሽል ኣሎ፤ ምፍሻል'ውን ክቕጽል እዩ" ኢላ። ኣፍረይቲ ኣጽዋር ሩስያ "ካብ ሰደድ ዝመጽእ ጸጋታት" ከም ጥረ ገንዘብ ይስእኑ ምህላዎም እውን ወሲኻ ሓቢራ።

ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ደገፍ ብመሸጣ ኣጽዋር ኣቢሉ ንውሽጣዊ ቍጠባ ዘዕቢ እዩ ክብል ተማጒቱ። ሕጂ’ውን እንተዀነ፡ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ንዩክረይን ዝወሃብ ቀጥታዊ ደገፍ ንምቍራጽ ድሌት ዘለዎም ይመስሉ፤ ብዙሓት ሪፓብሊካን’ውን ሓገዝ ምስ ሓፈሻዊ ምምሕያሽ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ክተኣሳሰር ይደፍኡ ኣለዉ።

ኣብ ቀረባ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ኣብ ኣላባማ ኣብ ዝርከብ ትካል ሚሳይል ሎክሂድ ማርቲን ዑደት ከካይድ እዩ፤ እዚ ድማ ኣገዳስነት ኢንዱስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ኔቶ ከጉልሕ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ጸብጻብ ኣጽዋር ከም ዘመልክቶ፡ ካብ ኣውሮጳ ወጻኢ፡ ደቡብ ኮርያ ንኤፍ-35 ጀት 5 ቢልዮን ዶላር፡ ኣውስትራልያ ድማ ንሲ130 ጄ-30 ሱፐር ሄርኩለስ ነፈርቲ 6.3 ቢልዮን ዶላር ከምዘውጽአት ይሕብር። ጃፓን ንሓንቲ ኢ-2D ሃውኪይ ዝዓይነታ ነፋሪት ስለላ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ገይራ ኣላ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታትከ?

ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሰደድ ኣጽዋር ዘለዋ ዓለማዊ ብጽሒት ናብ 37 ሚእታዊት ከም ዝዓበየ ኣብ 2021 ዝወጸ መጽናዕቲ የመልክት።

ኣብቲ እዋን ሰደድ ሩስያን ቻይናን ብምንካዩ፡ መሸጣ ኣመሪካ እንተላይ ፈረንሳን ጀርመንን ወሰኽ እርእዩ ነይሩ።

እቲ ዝዓበየ ዕድጊ ኣጽዋር ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እዩ ተራእዩ።

ኣብ 2016-20 ንማእከላይ ምብራቕ ዝተገብረ መሸጣ ኣጽዋር፡ ምስቲ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ ብ25 ሚእታዊት ይዛይድ ነይሩ።

እዚ ዝዀነ፡ ስዑዲ ዓረብ (61 ሚእታዊት)፡ ግብጺ (136 ሚእታዊት) ከምኡ’ውን ቐጠርን (361 ሚእታዊት) ወሰኽ ዕደጊ ብምግባረን እዩ።

ኣብቲ እዋን እውን ሰደድ ኣጽዋር ሩስያን ቻይናን ነክዩ’ኳ እንተነበረ፡ ክልቲአን ሃገራት ግን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ሃገራት ዓበይቲ ኣቕረብቲ ኰይነን ቀጺለን እየን።

ሰደድ ኣጽዋር ሩስያ ብ22 ሚእታዊት፡ ናይ ቻይና ድማ ብ7.8 ሚእታዊት ነክዩ ነይሩ።

ቍጠባ ኣመሪካ ብቕልጡፍ ይዓቢ ኣሎ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቍጠባ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንላዕሊ ቅልጡፍ ዕብየት ኣርእዩ እዩ፤ እዚ ድማ ውጽኢት ድልዱል ወጻኢታት ስድራቤታትን መንግስትን እዩ።

ቍጠባ እታ ሃገር ክሳዕ ታሕሳስ ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ ኣዋርሕ ብ3.3 ሚእታዊት ዓመታዊ ናህሪ ከምዝወሰኸ ክፍሊ ንግዲ ኣመሪካ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዚ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዓመት ዝነበረ 4.9 ሚእታዊት ዝወረደ’ኳ እንተዀነ፡ ካብቲ ብዙሓት ተንተንቲ ዝገመትዎ 2 ሚእታዊት ግን ኣዝዩ ዝቐልጠፈ ምዕባለ እዩ።

ን2023 ቍጠባ ብዓመታዊ ናህሪ 2.5% ዕብየት ኣርእዩ፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ 1.9% ዓብዩ።

እዚ ኣሃዛት ንፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ጸጋ እዩ፤ ንሱ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ ዝተሃሰየ ቍጠባ እታ ሃገር ዘሰክፍ ከምዘይኰነ ንህዝቢ ንምእማን ክቃለስ ጸኒሑ’ዩ።

ባይደን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዊስኮንሲን ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ እቲ ቍጠባዊ ዕብየት ወፍሪ ሓምላይ ጸዓት፡ ጽርግያታትን ካልኦት ትሕተ ቅርጽን ንዝርከብዎ ፖሊሲታት መንግስቱ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣስሚሩ።