እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኣደይ እንጀራ ንኽትሸጦ ፉል ብልዑ ትብለና ነይራ'፡ ዋና ኣዲሲንያ ቢዝነስ ግሩፕ ኣዲስ ገብረማርያም
እታ ብዙሕ ክትብል እትደሊ ግን ድማ ቃላት ዝሓጽራ ኣዲስ ገብረማርያም፡ መስራቲት ኣዲሲንያ ቢዝነስ ግሩፕን ዕውትቲ ብዓልቲ ሃብቲን እያ።
ብ1957 ዓ.ም [ኣ.ግ]፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ማእከል ትግራይ ማይበራዝዮ ኣብ ዝበሃል ገጠር ከባቢ ኣኽሱም እያ ተወሊዳ።
ህይወታ፡ ኣዝዩ ከቢድ ጅማሮን ሕልኽላኻትን እዩ ነይሩዎ፤ ብሰንኪ ቍጠባዊ ጸገማት፡ ስደትን ኲናትን ኣዝዩ ሕሰም ዝበዝሖ ህይወት ምሕላፋ ኣይትርስዖን።
ስድራኣ፡ መሰረታዊ ነገራት ህይወት ንምምላእ ኣመና ዝተፈተንሉ ግዜ ቀሊል ኣይነበረን።
በዅሪ ገዛ ምዃና ድማ ጾር ኵሉ ዓይነት ሓላፍነታት ስድራን ምልዋጥ ናብራን ኣብ ዝባና ምውዳቑ ኣይተረፈን።
"ከም ዓባይ ሓብቲ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመይ ንስድራይ ናይ ምድጋፍ ሓላፍነት ክወስድ ወሲነ፣ እንትርፎ ባህጊ ግን ካልእ ኣብ ኢደይ ኣይነበረንን፡" ትብል።
ኣብ ኣኽሱምን ከባቢኣን ነጋዳይ ጨው ዝነበሩ ወላዲ ኣቡኣ ኣቶ ገብረማርያም፡ ክልተ ደቈምን ብዓልቲ ቤቶምን ሒዞም ናብ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ብምኻድ ኣብ ሕርሻ ወፊሮም።
እንተዀነ፡ እቲ ግዜ ኣብ ትግራይ ኣንጻር ስርዓት ደርግ ውግእ ዝካየደሉ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኲናት ስድርኦም ጠርኒፎም ናብ ሱዳን ክስደዱ ኣገዲዱዎም።
ብሰንኩ፡ ኣዲስ ካብ ትምህርታ በዂራ፤ ናብራ ስደት ሕሱም ኰነ፡ ንእሽቶ ሓዋ'ውን ጥዕና ኣይረኸበን።
"ኣብ ሱዳን ብዙሕ ዓይነት ስራሕ ሰሪሐ'የ፣ ኣዝዩ ዝተሓተ ስራሕቲ! ዝዀነ ዝረኸብኩዎ እየ ዝሰርሕ ነይረ፡" ክትብል ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ገሊጻ።
ኣዲስ፡ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ፡ ኣብ ዕዳጋታት ንኣሽቱ ሸቐጣት ምሽቃጥ ዝበሉ ዝተፈላለዩ ትሕት ዝበሉ ዕዮታት ብምስራሕ ግን፡ ንስድራኣ ክትሕግዝ "ህልኽ ስለ ዝሓዛ፡" ሓፍ ለጠቕ ክትብል እያ ጀሚራ።
"ኣደይ ብኣተሓሳስባኣ ንፍዕቲ'ያ፤ ተጸጊምና ምስ ርኣየት እንጀራ ክትሽቅጥ ጀሚራ። ነቲ እንጀራ ምእንቲ ክትሸጦ ድማ ኣብ ሱዳን 'ፉል' ዋጋኡ ትሕት ዝበለ ስለ ዝዀነ፡ 'ፉል' ብልዑ ትብለና ነይራ፡" ትብል።
እዚ ኵሉ ግን፡ ካብ ዝዀነ ዓይነት ፋይናንሳዊ ጸገማት ሓራ ክንወጽእ ኣለና ዝብል ወነ፡ ክትዓብን ክትልወጥን ትኽእል ኢኻ ዝብል ጽኑዕ እምነት እዩ ፈጢሩላ።
ነዚ ስንቃ ገይራ'ውን ኣብ ጽቡቕ ቦታ ንምብጻሕ ምስ ስድርኣ ተጋዲላ፤ ንስድርኣ ክትሕግዝ ክትሓስብ እንከላ ግን ንነብሳ'ውን ኣይረስዓታን።
ሽዑ፡ ከባቢ ጓል 18 ዓመት እያ ነይራ። ኣብ ቅድሚኣ ዝርኣያ ነገር እንተ ነበረ፡ ካብዚ በዳሂ ኵነታት ናብራ ምንጋፍን ኣብ ዝበለጸ ቦታ ምብጻሕን ጥራይ ነበረ።
"ናይ ስራሕ ዓይነት ከይመረጽኩ ምስራሕ ንዓይ ጕልበት'ዩ ኰይኑኒ፣ ዝተሓተ ስራሕ ሰሪሕካ፡ ኣብ ዓብዪ ቦታ ንምብጻሕ ዓቕሚ ኰይኑኒ እዩ።"
'ጓለንስተይቲ ፋይናንሳዊ ናጽነት የድልያ'
እቲ ቅድሚ 45 ዓመታት ንእስቲ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝነበረ ኵነታት፡ ኣዝዩ ክብድ ዝበለን ፈተናታት ዝበዝሖን'ዩ ብምባል ትገልጾ - ብፍላይ ንጓለንስተይቲ።
ኣዲስ፡ መንእሰይን ጽብቕትን ኣብ ርእሲኡ ድማ ካብ ድኽነት ንምንጋፍ ከበድቲ ውሳነታት ንምውሳድ ዘይትሰንፍ ስለ ዝነበረት፡ ተጠማቲት ክትከውን ገይሩዋ ከም ዝነበረ ተውግዕ - ብፍላይ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ብዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ።
ስለዝዀነ ድማ ክትጐዪ እንከላ ብዙሕ ማሕለኻታት ነይሩ።
ኣብቲ ግዜ፡ ከም ጓለንስተይቲ ብቝጠባ ዓርሰይ ክኽእል'የ፣ ሃብታም ክኸውን ኣለኒ ኢልካ ምሕሳብ ከም ሓደ ካብ ንቡር ወጻኢ ዝዀነ ነገር ይቝጸር ከም ዝነበረ ትዛረብ።
ኣብ ክንድኡ፡ ብዙሓት ንጓለንስተይቲ ተጸባይት፡ ነብሳ ኣሕሊፋ ክትህብ፡ ቈልዑ ክትወልድ ወይ ጾታዊ ድልየት ወዲ ተባዕታይ ንምምላእ ጥራይ ዝተፈጥረት ገይሮም ይግምቱዋ።
"ሓዳር መሪጸ'የ ዝገብር፤ ሕጂ ናይ ስራሕ ሰብ'የ፡" እብል ነይረ ዝበለት ኣዲስ፡ ሰባት፡ ጽግምትን ትሕትን ገይሮም ክርእዩዋ ከለዉ፡ እኽእል እየ፡ ልክዕ ኣይኰንኩምን እብሎም ነይረ ትብል።
ኣዲስ፡ "ነዚ ዅሉ ሰይረዮ'የ፡" እያ ትብል።
ወሲኻ፡ "ነቲ ኣመለኻኽትኦም ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ብምጕልባት፡ ዕውትቲ ብምዃን፡ ኣብቲ ዝደልዮ ብምብጻሕ'የ ክምልሶ ዝደሊ ነይረ። ፋይናንሳዊ ናጽነት ምርግጋጽ፡ ብዙሕ ነገር'ዩ ዝኣልየልካ - ዕረፍቲ ይህበካ፡ ኣብ ሕልምኻ ትነብር፤ ሰብ ምዃን ማለት ድማ ዝደለኻዮ ምግባር ማለት'ዩ፡" ኢላ።
ኣብ ኢትዮጵያ ደርግ ኣብቂዑ ናይ ስርዓት ለውጢ ምስ መጽአ፡ ንሳን ኣቡኣን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ እንከለዉ፡ ኣዲኣ ኣብ ሱዳን ዝተወልዱ ካልኦት ሰለስተ ኣሕዋታ ሒዘን ናብ ኣመሪካ ከይደን።
ንሳ ካብ ሱዳን ምስ ተመልሰት፡ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ንግዲ፡ ናብ ሃላባ ዝበሃል ብብዝሒ ፍርያት በርበረ ዝፈርየሉ ከባቢ ኢትዮጵያ እናተመላለሰት በርበረ ብምሽቃጥን ዝተፈላለዩ ኣቝሑ ብምቕራብን እያ ናብራኣ ጀሚራቶ።
ሽዑ'ውን፡ "ብዙሓት መሰናኽላት'ዮም ኣጋጢሞምኒ፣ ጽቡቕ ክኸውን እዩ ዝብል ህልኽ ግን ነይሩኒ። ኣነ ጎበዝ'የ፡ ማንም ሰብ ዘይሰርሖ፡ ሰብኡት ዝሰርሑዎ፡ ንፉዓት ደቀንስትዮ ዝሰርሕኦ ክሰርሕ ይክኣለኒ'ዩ ዝብል እምነት ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ ዓይነት ንግዲ ሞኪረ፡" ብምባል ሰሓቕ ብዝተመልኦ መንፈስ ንሕሉፍ ጕዕዞ ህይወታ ኣካፊላትና።
ስለዝዀነ ድማ ደቀንስትዮ ፋይናንሳዊ ናጽነት ዘለወን ክዀና ክጽዕራ ትምዕድ።
"ጽግዕተኛታት ክዀና የብለንን፤ ንሱ ሒዘን ስድራአን ከርብሓ ይኽእላ'የን። ሓንቲ ጓለንስተይቲ ተጸጊዓ ትነብር እንተዀይና ግን እቲ ዝበጽሓ ጸቕጢ'ውን ከቢድ'ዩ ዝኸውን፡" ኢላ።
ምስረታ ኣዲሲንያ ቢዝነስ ግሩፕ
ኣዲስ፡ ክትነብሮ ዝመረጸቶ ሕልሚ፡ ድኽነት ምሽናፍን ንመጻኢ ንኣሽቱ ኣሕዋታ ዝጸበቐ ባይታ ምጥጣሕን'ዩ ነይሩ።
ስለዝዀነ ድማ፡ ንሳ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ ኣብ ንግዲ ክትነጥፍ ክትውስን እንከላ፡ ኣሕዋታ ዝሓሸ ዕድል ትምህርቲ ረኺቦም፡ ብትምህርቲ ዕውታት ንክዀኑ ናብ ኣመሪካ ክኸዱ ደፋፊኣቶም።
ኵሉ ነገራት ከምቲ ዝሓሰብኩዎ'ዩ ኰይኑለይ ትብል፣ "ብፍላይ ከኣ ንእሽቶ ሓፍተይ ብትምህርቲ፡ ብዅሉ ዝበለጸት ኰይናትለይ፡ ኣዝየ ሕጕስቲ'የ፡" ክትብል እንከላ ኣብ ውሽጢ ድምጻ ሓበን ይንበብ።
ኣዲስ ገብረማርያም፡ ጓለንስተይቲ ንነብሳ ብብዙሕ መዳያት ምስ እትርእያ ድልየታታ ብውዱብ መልክዑ ክትኣልዮም ከም ዝክኣላ እያ ትኣምን።
"ሕጂ ኣነ፡ ኣጋጣሚ ኰይኑ ብዙሕ ዝደልዮም ነገራት ዋላ እንተ ተረፉኒ ብኢኮኖሚ ግን ክትሕት የብለይን፣ ክህብትም'የ ኢለ ይሓስብ ነይረ። ኣምላኽ ይመስገን ብዓቕመይ ጽቡቕ ኰይኑለይ እዩ እየ ዝብል። ሕጂ ተሪፉኒ እዩ ዝብሎ ብዙሕ የለን፣ ጽቡቕ ሰጒመ፡ ጽቡቕ ሓሲበ ኢለ እየ ዝሓስብ። ንቕድሚት'ውን ኣብ ጽቡቕ ክበጽሕ'የ ኢለ እየ ዝሓስብ፡" ኢላ።
ድሕሪ ሓያሎ ላዕልን ታሕትን ድማ፡ 'ኣዲሲንያ ቢዝነስ ግሩፕ' ዝበሃል ትካል ከተቕውም ዝኽኣለት ዕውትቲ ጓለንስተይቲ ኰይና።
እዚ ኣብ ሓያሎ ዝተፈላለዩ ዕዳጋታት ተዋፊሩ ዝርከብ ትካል፡ ብቐንዱ ኣብ ሆቴልን ቱሪዝምን ይነጥፍ።
ድሕሪ ናይ ዓመታት ጻዕርን ተወፋይነትን፡ እቲ ትካል ሕጂ ሓደ ካብቶም ኣብ ቍጠባ እታ ሃገር ልዑል እጃም ዘለዎም ትካላት ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ኵባንያ፡ መብዛሕትአን ደቀንስትዮ ዝዀና ንኣስታት 110 ሰራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ፈጢሩ ኣሎ።
"ስራሕ ንዓይ ገንዘብ ምምጻእ ጥራይ ዘይኰነ፡ ህይወት'ዩ። እንተ ዘይሰሪሐ ዘይምንባር ማለት'ዩ። ክነብር፡ ክውዕል ክሓድር እንተዀይነስ ክሰርሕ ኣለኒ፡" እትብል ኣዲስ፡ "ንዓይ ስራሕ'ዩ ዕረፍተይ፡ ኣብ ስራሕ እየ ዝዓርፍ፡" ኢላ።
እዚ ምስ ብዓል ቤታ ብምትሕግጋዝ ዘቘመቶ ቢዝነስ፡ ድሮ 14 ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ከተማታት መቐለን ኣኽሱምን ዝህነጹ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ሆቴል ተካይድ ኣላ።
'ቢልየነር' ድያ?
ኣዲስ፡ ንእወታዊ ኣተሓሳስባኣ፡ መንፈሳዊ ጥንካረኣን ጥዕንኣን ፍሉይ ቦታ ትህብ።
"መብዛሕትኡ ናይ ኣተሓሳስባ ውጽኢት'ዩ። ሃብቲ ዝብሃል ድማ ኣተሓሳስባ'ዩ፡" እትብል ኣዲስ፡ "ሰብ ኣብ ኣተሓሳስብኡ'ዩ ዝመውትን ዝሓዉን። ኣነ ምንም ዘይብለይ ከለኹ ንነብሰይ ኣብ ዓብዪ ቦታ ክትበጽሕ ትኽእሊ ኢኺ ኢለ ነጊረያ፡" ብምእማን ትሰርሕን ትዓብን ምህላዋ ትዛረብ።
እቲ ዝሓለፈቶ ፋይናንሳዊ ጸገማት ዘስዓቦ መሪር ናብራ፡ እወታዊ ኣተሓሳስባታት ከተማዕብል ከም ዝደረኻ ብምግላጽ፡ ካብ ኣዲኣ ዝወረሰቶ ምዃኑ ተብርህ።
ኣዲስ፡ ገንዘብ ምስ ረኸበት ዝያዳ ዘጨነቓ ነገር፡ እንታይ ክገብር እኽእል ዝብል ዘይኰነ፡ ኣተሓሕዝኡ ከም ዝዀነ ትገልጽ።
እቲ ቍዉም ነገር ድማ ገንዘብ ምቝጻር ዘይኰነ፡ ከመይ ኢልና ኣብ ዝሓሰብናዮ ንበጽሕ? ዝብል ክኸውን ኣለዎ ትብል።
"ኣብ ስራሕ ዓለም ኢኻ ብዙሕ ጽቡቕ ሰባት፡ ኣማኸርቲ፡ ፈላጣት ትረክብ፡ ኵሉ መዓልቲ እናተመሃርካ፡ እናተዓወትካ፡ እናጐበዝካ ትኸይድ። ኣብ መላእ ዓለም ዘላ ጓለንስተይቲ ድማ ጽብቕቲ ክትኸውን፡ ጽቡቕ ክንሰርሕ እምነ። ዘረባ ኣይክእልን እምበር ኣብ ውሽጠይ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ኣሎ፤ ኣብ ስራሕ ኣውዕልዮ እንተ ትብልኒ ኣብ ስራሕ መውዓልኩዎ ነይረ።"
ኣዲስ፡ ሕዚ ጓል 60 ዓመት ኣደ ሰለስተ ውሉድን ሕጕስቲ ብዓልቲ ሓዳርን እያ።